ኣፍጋኒስታን፡ ሰራዊት ጣሊባን ገዛ ገዛ እናኣተዉ ተፍትሽ ምጅማሮም ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሰራዊት ጣሊባን ምስ ሰራዊት ኔቶ ወይ'ውን ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ይሰርሑ ነይሮም'ዮም ንዝብልዎም ሰባት ንምርካብ ገዛ ገዛ እናኣተዉ ተፍትሽ ከምዝጀመሩ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
እቶም ሰራዊት ጣሊባን ነቶም ዝደለይዎም ሰባት ምስ ስኣኑ ንኣባላት ስድርኦም የፈራርሕዎም ከምዘለዉ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣጠንቒቁ።
እቲ ጸብጻብ፡ እቲ እስላማዊ ጉጅለ 'ዋላ እኳ ዝኾነ ሕነ ምፍዳይ ከምዘይህሉ እንተተመባጸዐ' እዚ ተግባር ግን ኣንጻር እቲ ቃል ዝኣተዎ'ዩ ይብል።
ወሲኹ'ውን፡ ጣሊባን ካብቲ ኣብ 1990ታት ዝነበሮ 'ኣረሜናዊ ኣተሓሕዛ' ኣዝዩ ውሑድ ለውጢ ከምዘርኣየ'ዩ ዝገልጽ።
እቲ ናብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻቡ ዘቕረበ ሪፕቶ [RHIPTO] ዝተብሃለ ኖርዎጃዊ ትካል ኮይኑ፡ ጉጅለ ጣሊባን ነቶም 'ተሓባባርቲ' ዝበሎም ሰባት ይደሊ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ሪፕቶ ክሪስትያን ኔልማን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ኣብ መዝገብ ጣሊባን ሰፊሮም ዝድልዩ ዘለዉ ውልቀሰባት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም፡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ስግኣት ኸኣ ከም ሓቒቅ ማይ ንግሆ ኣዝዩ ብሩህ'ዩ" ኢሉ።
ብምስዓብ "ጣሊባን ኣብ ዝጽሓፎ ጽሑፍ እዞም ተደለይቲ ሰባት ባዕሎም ኢዶም እንተዘይሂቦም፡ ጣሊባን ኣብ ክንድኦም ንስድርኦም ክኣስሮም፡ ናብ ፍርዲ ክቅርቦምን ከሰራጥዮምን ምዃኑ እዩ ዝገልጽ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ክርስተያን ብተወሳኺ፡ ሓደ ኣብ ጸሊም መዝገብ ናይ ጣሊባን ዝኣተወ ሰብ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ከምዘሎ ዘመልክት ከምዝኾነን ጃምላዊ መቕተልቲ'ውን ከስዕብ ከምዝኽእል ዘለዎ ስግኣት ንቢቢሲ ገሊጹ።
ሃገራት ዜጋታተን ካብ ኣፍጋኒስታን ንኸውጽኣ ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ'የን ዝርከባ።
ሓደ ላዕለዋይ ብዓል መዚ ኔቶ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝሓለፈ 5 መዓልታት ልዕሊ 18 ሽሕ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ብመዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጹ ከምዝኽኣሉ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ኣስታት 6,000 ዝኾኑ ምስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ከምተርጎምቲ ኮይኖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት'ውን ክሳብ ዓርቢ ምሸት ኣብ ዘሎ ካብ ኣፍጋኒሰታን ናይ ምውጽኦም መስርሕ ክካየድ ምዃኑ እቲ ሓላፊ ብምግላጽ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ'ውን ቁጽሪ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝወጽኡ ሰባት ብዕጽፊ ከምዝውስኽ ሓቢሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







