ኣብ ባሕሪ ደሃዮም ካብ ዝተሰኣኑ ስደተኛታት ብህይወታ ኣብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ዝተረኸበት ሰበይቲ

ዮም ካብ ዝጠፍአ ኣስታት 52 ስደተኛታት ሓንቲ ዝነበረት ሰበይቲ ኣብ ካብ ደሴታት ካናሪ ኣስታት 220 ኪሎሜትር ርሕቐት፤ ኣየር ተመሊኣ ኣብ እትንሳፈፍ ንኢሸተይ ጀልባ ተረኺባ።

ምንጪ ስእሊ, EPA

ደሃዮም ካብ ዝጠፍአ ኣስታት 52 ስደተኛታት ሓንቲ ዝነበረት ሰበይቲ ኣብ ካብ ደሴታት ካናሪ ኣስታት 220 ኪሎሜትር ርሕቐት፤ ኣየር ተመሊኣ ኣብ እትንሳፈፍ ንኢሸተይ ጀልባ ተረኺባ።

በቲ ከባቢ ትሓልፍ ኣብ ዝነበረት ናይ ንግዲ መርከብ ዝጓዓዙ ሰባት ከምዝረኸብዋን ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋ ሕክምና ናብ እትረኸብሉ ቦታ ከምዝወሰድዋን ተፈሊጡ።

ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣስከሬን ክልተ ሰባት ዝተረኸበ ኮይኑ፤ ኣብ ጉዕዞኦም ልዕሊ 50 ስደተኛታት ከምዝነበሩ እታ ሰበይቲ ንሰብመዚ ተዛሪባ።

ኣብዚ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 8,000 ስደተኛታት ናብ ስፐይን ደሴታት ካናሪ ከምዝበጽሑ ይግለጽ።

መብዛሕቲኦም ከኣ ኣብ ሞንጎ ሞሮኮ ታርፋያን ላዩኔ ምዕራብ ሳህራን ካብ ዝርከብ መስመር ገማግም ከምዝብገሱ ተፈሊጡ’ሎ።

በቲ ከባቢ ትሓልፍ ኣብ ዝነበረት ናይ ንግዲ መርከብ ዝጓዓዙ ሰባት ከምዝረኸብዋን ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋ ሕክምና ናብ እትረኸብሉ ቦታ ከምዝወሰድዋን ተፈሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, Salvamento Marítimo

ብፍላይ ኣብዚ እዋን ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሉ ናብ ኣውሮጳ ዘሕልፍ መስመራት ፈታኒ እናኾነ ብምምጽኡ ብዙሓት ነቲ ኣብ ናብ ደሴታት ካናሪ ዝወስድ መገዲ ይጥቀሙ።

እንተኾነ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ መሰላት “እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ናይ ስደተኛታት መገዲ” ክብሉ ነቲ መስመር ይገልጽዎ።

እታ ብሓሙስ ዝተረኸበት ሰበይቲ ናብ ሆስፒታል ዝተወሰደት ኮይና ብሓያል ጽምኢ ማይ ከምዝተሃሰየት ተሓቢሩ።

ሰብመዚ ፍልሰት ሕቡራት ሃገራት፤ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 350 ስደተኛታት ናብ ስፐይን - ደሴታት ካናሪ ንምብጻሕ ኣብ ዝግበር ፈተነ ከምዝሞቱ ይግመት። ካልኦት ግን እቲ ቁጽሪ ልዕሊ 2,000 ከምዝበጽሕ ይገልጹ።

ኣብዚ ሰሙን ድማ ኣብ ገማግም ሞሪታኒያ ሓንቲ ጀልባ ሞተራ ብምጥፍኡን ንኽልተ ሰሙን ዝኣክል ብማይይን ንፋስን እናተደፈአት ክትንሳፈፍ ብምቕናያን 47 ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተሰጊኡ’ሎ።

ኣብታ ጀልባ 7 ሰባት ብህይወት ክርከቡ ከለዉ፤ ካብ ላዩኔ [ምዕራብ ሳህራ] ቅድሚ 20 መዓልታት ማለት ብ3 ታሕሳስ 2021 ተበጊሶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዓለማዊ ቤት ጽሕፈት ፍልሰት ኣመልኪቱ።

ኣብ መእተዊ ዓመተ 2021 እውን ሓንቲ ጓል 17 ዓመትኣይቮርያዊት ምስ ካልኦት ክልተ ሰባት ድሕሪ 22 መዓልታት ናይ ባሕሪ ጻንሒት ብሓገዝ ሓይልታት ኣየር ስፐይን ክተርፉ ኪኢሎም።

ንሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ናብ ሞሪታኒያ ምስተጓዓዘት ድሕሪ ንኽልተ መዓልታት ዝገበርዎ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ መግቢ ከምዝወድኡ ተዛሪባ። ኣብታ ጀልባ ካብ ዝነበሩ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝሞቱ ይእመን።