ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንግድብ ህዳሰ ብዝምልከት እንታይ በላ?

ሚንስተር ማይ፣ መስኖን ጸዓትን ኢንጂነር ስለሺ በቀለ [ዶ/ር]: ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ሚርያም ኣልሳዲግ ኣልማህዲን ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ግብጺ ሳሚህ ሹክሪን (ካብ ጸጋም ንየማን)
መግለጺ ስእሊ, ሚንስተር ማይ፣ መስኖን ጸዓትን ኢንጂነር ስለሺ በቀለ [ዶ/ር]: ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ሚርያም ኣልሳዲግ ኣልማህዲን ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ግብጺ ሳሚህ ሹክሪን (ካብ ጸጋም ንየማን)

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ እተን ሰለስተ ሃገራት ነቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ዝጀመርኦ ዝርርብ ክቕጽላ ተማሕጺኑ’ሎ። እቲ ንዓመታት ዝቐጸለ ርክብ እተን ሃገራት ዛጊት ብዙሕ ውጽኢት ኣየምጽአን።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ኣብቲ መጋባእያ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ እቲ ድርድር ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ብህጹጽ ክካየድ ከም ዝግባእ ተዛሪባ።

"ነዚ ምስሕሓብ መፍትሒ ንምርካብ፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት እቲ ግቡእ ትካል እዩ፤ ኣመሪካ ድማ ፖለቲካውን ቴክኒካውን ደገፍ ንምግባር ድልውቲ እያ" ኢላ።

ኢትዮጵያ እንታይ በለት?

ኣብቲ መድረኽ ዘረባ ዘስምዐ ሚንስተር ማይ፣ መስኖን ጸዓትን ኢንጂነር ስለሺ በቀለ [ዶ/ር] ግብጽን ሱዳንን ነቲ ኣብ ሞንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት ዝግበር ልዝብ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ምውሳደን ነቒፉ’ሎ።

ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ኣመልኪቱ ኣብ ሞንጎኦን ዝግበር ድርድር ብሸምጋልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክቕጽል ድማ ሓቲቱ።

ካብቲ ባይቶ ጸጥታ ፍታሕ ክርከብ ከምዘይክእል ብምግላጽ እተን ሃገራት ፍታሕ ክረኽባ ዝኽእል ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣቢለን ንመትከላት ዝተኸተለ ዝርርብ ክገብራ ከለዋ ከምዝኸውን ሓቢሩ። እቲ ብሕቶ ግብጽን ሱዳንን ትማሊ ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከኣ “ናይ መወዳእታ ከምዝኸውን ተስፋ እገብር” ኢሉ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ዘተ ብግቡእ ይመርሖ ኣብ ዘለሉ እዋን ክልትኤን ሃገራት ነቲ ጉዳይ ናብቲ ባይቶ ምውሳደን ከምዘሕዘኖ ዝገለጸ እቲ ሚንስተር፡ “ባይቶ ጸጥታ ካብ ሓላፍነቱ ወጺኡ ኣብ ጉዳይ ማይ ፍታሕ ክህብ ምግባር ኣገባብ የብሉን” ክብል ተቓዊሙ።

ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ማይ ብምምላኣ ንግብጺ ኮነ ንሱዳን ዝጎድእ ተግባር ከምዘይፈጸመት ብምሕባር ድማ ግብጽን ሱዳንን ቅድሚ ሎሚ ነኣሽቱን ዓበይትን ግድባት ክሰርሓ ከለዋ ንኢትዮጵያ ከምዘየማኸራ ጠቒሱ።

“ኣባል 70 ሚኢታዊት ምንጪ ሃብቲ ማይና እዩ፤ ንኣባይ ዘይምጥቃም ኣይንኽእልን። ንሕና ከም ሱዳንን ግብጽን ኣማራጺ የብልናን። ካብ ኣባይ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ የብልናን” ክብል ኣረዲኡ።

ስለሺ በቀለ (ዶ/ር ኢ/ር)

ምንጪ ስእሊ, UN TV

መግለጺ ስእሊ, ስለሺ በቀለ (ዶ/ር ኢ/ር)

ቆልዓ ኣባይ ማይ ጸምኦ . . .!

ሚንስተር ኢንጂነር በቀለ ኣብ ሞንጎ ዘስምዖ ዘረባ ብቋንቋታት ኣምሓርኛን ኦሮሚኛን ዝተለመዱ ኣባሃህላታት ጠቒሱ ነይሩ።

ብኣምሓርኛ “የአባይ ልጅ ወሃ ጠማው” [ቆልዓ ኣባይ ማይ ጸምኦ] ኣስዒቡ ድማ ብኦሮሚኛ “ጎዋን ቢሻን ኬሳ ዳበቴ ዴቦታ” [ዓሻስያ ኣብ ውሽጢ ማይ ደው ኢሉ ይጸምኦ] ዝብሉ ኣባሃህላታት’ዩ ተጠቒሙ።

“እቲ ግድብ ብደም፣ ንብዓትን ረሃጽን ኢትዮጵያውያን’ዩ ዝህነጽ ዘሎ። ፈተና ጸላእና ከመይ ካብ ሓደ ሩባ ንምስታይ ክንተሓባበር ከምዝግባእ ክንመሃር ይግባእ” ኢሉ።

ኢትዮጵያውያን ካብ ማይ ኣባይ ክጥቀሙ መሰሎም ከምዝኾነ ብምግላጽ ድማ ምምላእ ማይ እቲ ዲጋ ክቕየር ከምዘይክእል ተዛሪቡ።

ካብ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እተን ዝበዝሓ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ብሸምጋልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክቕጽል ከምዝለዎ ገሊጸን ኣለዋ።

ኢትዮጵያ ነቲ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ [18.5 ቢልዮን ኪዩቢክ ሜትር ማይ] ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረቶ ኮይና ኣብ መዛዘሚ ነሓሰ ከምዝፍጸም ተሓቢሩ’ሎ።

መርገጺ ግብጺ

ጉዳይ ህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክረኣይ ተደጋጋሚ ሕቶ ሕቶ ከቕርባ ዝጸንሓ ግብጽን ሱዳንን ብወከልተን ኣቢለን ተሪር መርገጺኤን ኣቕሪበን ኣለዋ።

ኢትዮጵያ ስሉሳዊ ስምምዕ ከይተገበረ ቀዳማይን ካልኣይን ዙር ምምላእ ማይ ምክያዳ ዝኾነና እተን ሃገራት እቲ ተግባር ንሃገራተን ጽልዋ ከምዘሕድር ገሊጸን።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳሚህ ሹክሪ እቲ ግድብ ብዘይስምምዕ ክምላእ ምግባር፣ ህንጸቱን ናብ ስራሕ ምእታውን “ንህይወት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ግብጺ ናብ ሓደጋ ዘውድቕ’ዩ” ክብል ተዛሪቡ።

“ብሕብረት አፍሪቃ ፍታሕ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን” ዝበለ እቲ ሚንስተር፡ ኢትዮጵያ ስምምዕ ከይተገበረ ንሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ብዝጎድእ መገዲ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ጀሚራ" ክብል ከሲሱ።

ኢትዮጵያ በይነኣዊ ውሳነ ከምዝገበረትን ንዓለምለኸ ሕጊ ከምዝጠሓሰትን ብምግላጽ፤ እዚ ኣካይዳ ንሰላም፣ ምርግጋእን ድሕነትን እቲ ዞባ ከምዝዘርግ ኣጠንቂቑ። “ስለዝኾነ እቲ ባይቶ ፍታሕ ክህብ ኣለዎ” ኢሉ።

“ስቕ ኣይትበሉ፤ ህይወት ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ” ብምባል ከኣ ኢትዮጵያ ንሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ኣብ ዘማእኸለ ስምምዕ ከይተበጽሐ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ክትዕቀብ ሓቲቱ።

ድርቂ ኣብ ዘጋጥመሉእ እዋን እንታይ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ከምኡ’ውን መጠን ማይ እንተነክዩ እንታይ ከምዝግብር ኣብ ስምምዕ ምብጻሕ ከምዘድልይ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ግብጺ ሳሚህ ሹክሪ ኣተሓሳሲቡ።

ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ሚርያም ኣልሳዲግ ኣልማህዲን (ጸጋም) ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ግብጺ ሳሚህ ሹክሪን (የማን)

ምንጪ ስእሊ, UN TV

መግለጺ ስእሊ, ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ሚርያም ኣልሳዲግ ኣልማህዲን (ጸጋም) ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ግብጺ ሳሚህ ሹክሪን (የማን)

ሱዳን’ከ እንታይ በለት?

ኣብቲ ናይ ትማሊ ሓሙስ [08/07/2021] ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኸበት ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ሚርያም ኣልሳዲግ ኣልማህዲ ነቲ ብወገን ግብጺ ዝቐረበ ስግኣት ደርቅን ምንካይ ማይን ደጊፋ።

“ደርቂ ከየጋጥምን መጠን ማይ ከይንክይን ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕ ከምኡ’ውን ክንተሓባበር ይግባእ። ኣብ ስምምዕ ከይበጻሕኻ ምምላእ ማይ ምጅማር ንህዝቢ ኡዳን ናብ ሓደጋ ዘእውት’ዩ” ኢላ እታ ሚንስተር።

እቲ ግድብ ነቲ ዞባ ብቐረብ ኤለክትሪክ፣ ሓደጋ ውሕጅ ብምክልኻል ወይ ብኻልእ መገዲ ረብሓ ንኽህብ ከምኡ’ውን ንረብሓታት ሰለስቲኤን ሃገራት ዝሕልው ክኸውን እንተተደልዩ ሓበራዊ እምበር በይናኣዊ ውሳነ ክውሰን ከምዘይብሉ ሓቢራ።

እቲ ብበይነኣዊ ውሳነ ዝፍጸም ምምላእ ማይ ንፖለቲካን ቁጠባን ሱዳን ከምዝጸልው ቅሬትኣ ዘቕረበት ሚርያም፡ እቲ ባይቶ ኣብ ጉዳይ ሰለስቲኤን ሃገራት ሞንጎኛ ኮይኑ ፍታሕ ክህብ ኣተሓሳሲባ።