ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን ኣብ ገጹ ተጸፊዑ

ፕረዚደንት ማክሮን ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆቴል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ማክሮን ቀይድታ ኮሮናቫይረስ ንምዝላቕ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን እዩ ኣብታ ሃገር ዑደት ዝፍጽም ዘሎ

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን ብሓደ ውልቀሰብ ኣብ ገጹ ከምዝተጸፍዐ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ኣቓሊሓን።

እቲ ፕረዚደነት ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እታ ሃገር ዑደት ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን'ዩ እቲ መጽፋዕቲ ገጢምዎ።

ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ዘሎ ቪድዮ፡ ፕረዚደንት ማክሮን ኣብ ከባቢ ከተማ ቫለንስ፡ ናብቲ መከላኸሊ ኣቢሉ እናሰጎመ ይርአ። ሽዑ ሓደ ቀጠልያ ማልያ ዝለበሰ ሰብ ነቲ ፕረዚደንት ኣብ ገጹ ድሕሪ ምጽፍዑ እቶም ሓለውቲ ተቐላጢፎም ነቲ ሰብኣይ ክሕዝዎን ነቲ ፕረዚደንት ድማ ክኣልይዎን ይርአ።

ክልተ ደቂ-ተባዕትዮ ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ማክሮን ድሒሩ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ንጹል ፍጻመ" ክብል ገሊጽዎ።

"ኣመና ጎነጻውያን ንዝኾኑ ሰባት ነቲ ህዝባዊ ምይይጥ ክቆጻጸርዎ ክነፍቕደሎም የብልናን፤ ኣይግብኦምን እዩ" ምባሉ ጋዜጣ ለ-ዳውፊን ጸብጺባ።

እቲ ሰብኣይ ነቲ ፕረዚደንት ክጸፍዖ ከሎ፡ ኣንጻር እቲ ፕረዚደንት ዝቀነዐ ጭርሖታት ይደግም ከምዝነበረ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ማክሮን ድሕሪ እቲ ፍጻመ ድሕሪ ሒደት ካልኢታት ናብቲ መከላኸሊ ቀጽሪ ብምምላስ ምስቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ንጥፈታቱ ከም ዝቐጸለ እቲ ቪድዮ የርኢ።

"ቀጺለ'የ ክቕጽሎ ድማ እየ፤ ደው ከብለኒ ዝኽእል የሎን" ኢሉ ንለ-ዳውፊን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ።

ዛጊት መንንት እቲ ነቲ ተግባር ዝፈጸመ ሰብን ንምንታይ ከም ዝገበሮን ዝተገለጸ የሎን።

ድሕሪ እቲ ፍጻመ ኣካላት ጸጥታ ኣብ ጎደናታት ቫለንስ ከም ዝተዋፈሩ ሓደ ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ገሊጹ።