ውልቃዊ ቁጽሪ ቴለፎን ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ኢንተርነት ምርካቡ ኣዘራራቢ ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ውልቃዊ ቁጽሪ ቴለፎን ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ዝኾነ ሰብ ክርእዮ ኣብ ዝኽእል ኣብ ኢንተርነት ከም ዝርከብ ተፈሊጡ።
እቲ ኣብ 2006 ምስ ሓደ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተለጠፈ ቁጽሪ ቴለፎን ከይተኣለየ ዝጸንሐ ኮይኑ፤ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሕጂ’ውን ዝጥቀመሉ ቁጽሪ ምዃኑ ድማ ነቲ ዜና ዝያዳ ኣገራሚ ገይርዎ ኣሎ።
ገለ ሰብ መዚ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ቁጽሪ ክቕይሮ ከም ዝተሓተተ ንዝጠልብ ሓበሬታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነጺጎምዎ።
ኣባል ሰልፊ ዕዮን ፓርላማን ሬቸል ሆፕኪንስ፡ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ቁጽሪ ቴለፎን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኢንተርነት ግልጺ ምዃኑ፡ ኣብ ጸጥታ፡ ጸቕጢ ኣብ ምፍጣርን ብሕቡእ ምፍርራሕን ሳዕብናት ክህልዎ ከም ዝኽእል ገሊጻ።
ንሱ ውልቃዊ ሓበሬትኡ ናብ ዝተፈላለዩ ትካላት ካብ ምሃብ ክቑጠብ ከም ዘለዎ ዝገልጽ ርእይቶታት ክወሃብ ምጽንሑ ርዱእ እዩ።
ቁጽሪ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኢንተርነት ከም ዝርከብ ዝገልጽ ዜና ብሓሙስ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ርእይቶ ክህብ ዝተሓተተ ቤትጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዛጊት ምላሽ ኣይሃበን ኣሎ።
ኣብ 2006 ኣባል ፓርላማ ዝነበረ ቦሪስ ጆንሰን ምስ ሚኒስትሪ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝሰርሕ ወኪል ተቓዋሚ ሰልፊ’ውን ነይሩ።
ኣብቲ ሽዑ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ንተወሳኺ ሓበሬታ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዘቕረቦ ዕድመ እዩ ቁጽሪ ቴለፎኑ ኣቐሚጡ። ድሕሪ ክልተ ዓመተ ድማ ከንቲባ ከተማ ለንደን ክኸውን ተመሪጹ።
ፒኤ ኒውስ ዝተባህለ ማእከን ዜና፡ ሓሙስ ምሸት ናብቲ ቁጽሪ ንምድዋል ዝገበሮ ፈተነ “ዝደወልኩምሉ ቴለፎን ተዓጽዩ ኣሎ። ብኽብረትኩም ጸኒሕኩም ፈትኑ፤ ወይ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ጸሓፉ” ዝብል ኣውቶማቲካዊ ምላሽ እዩ ረኺቡ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ኣብ ኣጠቓቕማ ተንቀሳቓሲ ቴለፎኑ ነቐፌታታት ክወርዶ ጸኒሑ እዩ።
ጋዜጣ ደይሊ ቴለግራፍ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፡ ብዙሓት ሰባት ንቁጽሪ ቴለፎን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ስለዝፈልጥዎ፡ ክቕይሮ ከም ዘድልይ ሓደ በዓል ስልጣን እታ ሃገር ምዝራቡ ጸብጺቡ ነይሩ።
ኣብታ ሃገር ናብ መዝነት ሚኒስተር ዝምዘዙ ሰበ ስልጣን ሓድሽ ቁጽሪ ቴለፎን ዝወሃቦም እኳ እንተኾነ ነቲ ዝጸንሖም ክጥቀሙ እንተደልዮም’ውን ይፍቀድ እዩ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







