ብዛዕባ ኣብ ጨረታ ኣገልግሎት ቴሌኮም ኢትዮጵያ ዝተሳተፉ ዓበይቲ ኩባንያታት እንታይ ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓውዲ ቴሌኮም ኢትዮጵያ ንልዕሊ 120 ዓመታት ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ብዝመሓደር ኢትዮቴሌኮም ተወኒኑ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ እዋን ተወዳደርቲ ሰብብጽሒት ክህልውዎ ተፈቒዱ’ሎ።
በዚ መሰረት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኽልተ ኣገልግሎት ቴሌኮምዩኒኬሽን ዝህቡ ናይ ደገ ኩባንያታት ፍቓድ ንምሃብ ጨረታ ካብ ዘውጽእ ንደሓር ብዙሓት ትካላት ድልየቶም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።
መንግስቲ ዝተወሰነ ብጽሒት ኢትዮቴሌኮም ንናይ ደገን ውሽጢ ዓድን ሰብ ሃብቲ ንምሻጥ ኣብ ውሳነ ምብጽሑ ይዝከር።
ነዚ ዓውዲ ናብ ዕዳጋ ክቐርብ ብምግባሩ ከኣ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ክወሃቡ ጸኒሖም። ብፍላይ ኣብ ጽርየት ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርኔትን ዘምጽኦ ለውጥን ምንካይ ዋጋን ዘኸትሎ ኣወንታዊ ምዕባለ ከምዝህሉ ዝገልጹ ይበዝሑ።
ሙሁር ስነቑጣባን ፌርፋክስ ኣፍሪቃ ግሎባል ናይ ዝተበሃለ ትካል ኣቦመንበርን ኣይተ ዘመዴነህ ንጋቱ ከምዝብልዎ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት ዝለዓለ ዕብየት ንምምዝጋብ ነቲ ዓውዲ ምብራኽ ኣገዳሲ’ዩ።
ናብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዕዳጋ ዓውዲ ቴሌኮም ንምእታው ዘመልከቱ ኩባንያታት ዓበይቲ ምዃኖም ዝገልጹ እቶም ሙሁር ቁጠባ፤ “ነቲ ዓውዲ ዘመናዊ ንምግባር ናይ ደገ ኣፍልጦን ካፒታልን ኣገዳሲ እዩ። እቶም ትካላት ከኣ ነዚ ሒዞም ከምዝመጽኡ እየ ዝኣምን” ብምባል የረድኡ።
ከም ባንክ ዝበሉ ትካላት ፋይናንስ፣ ኣፍረይትን ካልኦት ኣብቲ ዘርፊ ዘለዉ ትካላትን ብዝሓሸ ቴክኖሎጂ ተሓጊዞም ንኽሰርሑ ከምዘኽእል’ውን ሓቢሮም።
ብናይደገ ኩባንያታት ካብ ዝተሓዙ ክልቲኦም ናይ ቴሌኮም ኣገልግሎታት [ስልክን ኢንተርኔትን] ብተወሳኺ ኢትዮ-ቴሌኮም እውን ንሰብሃብቲ ብመሸጣ ብጽሒት ከምዝቐርብ ተፈሊጡ’ሎ።
በዚ መሰረት እቲ ብመንግስቲ ተባሒቱ ዝጸንሐ ትካል ኣብ ቀረባ እዋን 40 ሚኢታዊት ብጽሒቱ ንናይደገ ሰብሃብቲ፣ 5 ሚኢታዊት ብኢትዮጵያውያን ከምኡ’ውን 55 ሚኢታዊት ብመንግስቲ ክውነን ትጽቢት ይግበር።
ዓውዲ ቴሌኮም ብውድድር ናብ ዕዳጋ ምቕራቡ ጽፈት ዘለዎ ኣገልግሎት ብዝሓሰረ ዋጋ ክቐርብ ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ “ንፈጠራ ስራሕን ውድድርን ዕድል ዝኸፍት’ዩ” ይብሉ ኣይተ ዘመዴነህ።
እቲ ኩባንያ ንሰብ ብጽሒት ንምሻጥ ዝጽውዕ ናይ ጨረታ ጻውዒት ብ18 ሕዳር 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ዝቐረባ ኮይኑ 12 ዓበይቲ ትካላት ድልየት ከምዘለዎም ገሊጾም ነይሮም።
ሰነድ ጨረታ ዘእተዉ ግን ሳፋሪኮም ካብ ኬንያ፣ ቮዳፎን ካብ ብሪጣንያ፣ ቮዳኮምን ኤምቲኤን ግሩፕን ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሲዲሲ ግሩፕ ካብ ብሪጣንያ ከምኡ’ውን ሱሙቲሞ ኮርፖሬሽን ካብ ጃፓን ኮይኖም ኣለዉ።
ንምዃኑ እዞም ኩባንያታት ቅድሚ ሎሚ ኣበየኖት ሃገራት ሰሪሖም? ኣብቲ ዓውዲ ዘለዎም ምንቅስቓስከ ብኸመይ ይግለጽ?
ሳፋሪኮም
ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ዝገበረ እዚ ኬንያዊ ኩባንያ ቴሌኮም ኣብታ ሃገር እቲ ዝሰፍሐ ኣገልግሎት ዘቕርብ፤ ኣብ ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪቃ ድማ ዝለዓለ ከስቢ ካብ ዝረኽቡ ትካላት ሓደ ከምዝኾነ ይፍለጥ።
ሳፋሪኮም ኣገልግሎታት ሞባይል ስልኪ፣ ኢንተርኔት፣ ብስልኪ ዝካየድ ምትዕድዳግን ካልኦትን ይህብ።
ብ1997 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ዝቖመ ሳፋሪኮም ብፍላይ ‘ኤምፔሳ’ ብዝብል ዝጽዋዕ ናይ ሞባይል ገንዘብ ምንቅስቓስ ብስፍሓት ይፍለጥ። ‘ኤምሽዋሪ’ ዝባሃል ካልእ ዓይነት ኣግልግለት ከኣ ምስ ባንክታት ብምትሕብባር ዝጀመሮ ኮይኑ ተገልገልቲ ብሞባይሎም ገንዘብ ንኽዓቑሩን ንኽልቅሑን የኽእል።
ሳፋሪኮም ምስ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝሰርሑ ትካላት ቴሌኮም ብምትሕብባር ኣገልግሎቱ ከስፍሕ ጀሚሩ’ሎ። ካብ ሞንጎ’ቶም ትካላት ድማ ኣብ ታንዛኒያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ህንድን ዝርከቡ ምጥቃስ ይካኣል።
ድረገጽ እቲ ኩብንያ ከምዝሕብሮ ካብቲ ኣብ ኬንያ ዘሎ ዕዳጋ ቴሌኮም ነቲ 64.5 ሚኢታዊት ብጽሒት ዝወስድ ሳፋሪኮም’ዩ። ኣስታት 35.6 ሚልዮን ተጠቀምቲ ድማ ኣለውዎ።
ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ዘሎ ኩባንያ ቮዳፎን ን40 ሚኢታዊት ብጽሒት ሳፋሪኮም ከምዝዓደጎ ይግለጽ።
ሳፋሪኮም ኣብ ኬንያ ቅድሚ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ካልኦት ኩባንያታት ቴሌኮም ናይ 3ጂ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ዘተኣታተወ ኮይኑ ኣብ ቀረባ ከኣ 4ጂ ክዝርግሕ ጀሚሩ’ሎ።
ቮዳኮም
ኣብ ኣፍሪቃ ሰፊሕ ኣገልግሎት ቴሌኮም ካብ ሞንጎ ዝህቡ ትካላት ሓደ ዝኾነ ቮዳኮም ናይ ኢንተርኔት፣ ሞባይል ስልኪ ከምኡ’ውን ምስ ፋይናንስ ዝተሓሓዙ ኣገልግሎታት የቕርብ።
መበገሲኡ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምግባር ኣብ ታንዛኒያ፣ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ሞዛምቢክ፣ ሌሰቶን ኬንያን ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይርከብ። ብዝርግሐ ሞባይል ኔትወርክ ን296 ሚልዮን ሰባት ተጠቀምቲ ከምዝገበረ ኣብ ድረገጹ ዘቐመጦ ሓበሬታ የመልክት።
ቮዳኮም ቢዝነስ ኣፍሪቃ ብዝብል ድማ ኣብ 29 ሃገራት ምስ ንግዲ ዝተሓሓዙ ኣገልግለታት ይህብ። 60.5 ሚኢታዊት ካብ ብጽሒቱ ቮዳፎን ብዝበሃል ኩባንያ ብሪጣንያ ይውነን።
ናይ 3ጂን 4ጂን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ዘቕርብ ቮዳኮም ኣብ እፍሪቃ 5ጂ ኔትወርክ ቅድሚኩሉ ከምዝዘርግሐ ይዝረበሉ።
ቮዳፎን
ብሪጣንያዊ ኩባንያ ቮዳፎን ኣብ ኣውሮጳ፣ እስያን ኣፍሪቃን ዝርከብ ኮይኑ ኣብ 21 ሃገራት ኔትወርክ ዘርጊሑ’ሎ። ብዝርግሐ ኔትወርክ ኣብ ኣውሮጳ ጎብለል ምዃኑ ዝግለጸሉ እዚ ኩባንያ ቴሌኮም ኣብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 42 ሚልዮን ሰባት ናይ ሞባይል ገንዘብ ምንቅስቓስ ተጠቀምቲ ንክኾኑ ከምዘኽኣለ ይሕብር።
ናይ ሞባይል ስልኪ ጻውዒት፣ ኢንተርኔትን ካልኦት ተዛመድቲ ኣገልግሎታትን የቕርብ። ኣብ ኣውሮጳ ድማ 5ጂ ኢንተርኔት ብምዝርጋሕ ይፍለጥ።
ኣብ አፍሪቃ ጋና፣ ሊቢያ፣ ካሜሩን፤ ማእኸላይ ምብራቕ ድማ ኣብ ቀጠር፣ ባህሬን፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፤ ኣብ እስያ ጃፓንን ህንድን ዝህቦም ኣገልግሎታት ምጥቃስ ይከኣል።
ኤምቲኤን ግሩፕ
መቐመጢኡ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝገበረ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣውሮጳን ማእኸላይ ምብራቕን ኣገልግሎት ይህብ። ኣስታት 273 ሚልዮን ተጠቀምቲ ከምዘለውዎ ኣብ ድረገጹ ዘስፈሮ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብ 20 ሃገራት ዝሰርሕ ኤምቲኤን ግሩፕ ዝለዓለ ኣታዊ ዝረኽበላ ሃገር ናይጀርያ እያ። ኣብ 1994 ኣ.ኣ ካብ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተረኸበ ሓገዝ ከምዝተጣየሸ ይፍለጥ።
ኣግልግሎታት ሞባይል ስልክን ምንቅስቓስ ገንዘብን ዝህብ እዚ ትካል ዓማዊሉ መተግበሪ [ኣፕ] ብምጥቃም ግዜ ኣየር ስልክን ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ንኽዕድጉ ዘኽእል ኣማራጺ ኣቕሪቡ’ሎ።
ምስ ‘ማስተርካርድ’ ብምትሕብባር ከኣ ዓማዊሉ ብኦንላይን ዝፍጸም ግዝኢት ንኸካይዱ ዘኽእል ኣማራጺ ካብ ምቕራብ ብተወሳኺ ገንዘብ ምልውዋጥ ዝከኣለሉ መገዲ’ውን ኣለዎ።
ኮርፖሬሸን ሱሙቲሞ
ኩባንያ ጃፓን ኮይኑ ኣብ ዓውዲ ቴሌኮምን ካልኦትን ኣገልግሎታትን ተዋፊሩ ይርከብ። ኣብ ምፍራይ ሓጻዊን፣ ኣግልግሎት መጓዓዝያ፣ ማዕድን፣ ሪልስቴትን ካልኦት ዘርፊታትን ንነዊሕ ዓመታት ሰሪሑ።
ብተወሳኺ ብመዳይ መራኸቢ ሓፋሽን ዘፈር ኮምዩኒኬሽንን ዝህቦ ኣገልግሎት ናይ ኬብል ቴሌቪዥንን 5ጂ ኢንተርኔት ሞባይልን የጠቓልል።
ቲ-ጋያ ዝተባሃለ ሞባይል ስልኪ ዘከፋፍል ጨንፈር ዘለዎ ኮርፖሬሽን ሱሙቲሞ ናብ 66 ሃገራት ኣገልግሎት የቕርብ።
ብ1919 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ‘ኦሳካ ኖርዝ ሃርበር’ ብዝብል ስያመ ምስተጣየሸ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝተዋፈረ እዚ ኩባንያ ኣብ ምብራቕ እስያ፣ ኣውሮጳ፣ ኣፍሪቃ፣ ማእኸላይ ምብራቕን ካልኦት ሃገራትን ይሰርሕ።
ሲዲሲ ጉሩፕ
ኣብ ብሪጣንያ ዝርከብ ሲዲሲ ግሩፕ ብ1948 ኣ.ኣ ካብ ዝጣየሽ ንደሓር ን70 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ዘርፊ ፋይናንስ ክሰርሕ ጸኒሑ’ሎ።
ኣብ ዝተጣየሸሎም ፈላሞት ዓመታት ከኣ ኣብ ዛምቢያ ብዓውዲ ምፍራይ ስሚንቶ፤ ኣብ ቦትስዋን ብምፍራይ እንስሳ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን እስያን ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ነጢፉ።
ብ1998 ኣ.ኣ ‘ሴልቴል’ ኣብ ዝተባሃለ ትካል ሞባይል ስልኪ ኢንቨስት ምግባሩ ናብ ዓውዲ ቴሌኮም ንምእታው ካብ ዝገበሮ ምንቅስቓስ ሓደ እዩ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዓውዲ ንግዲ ደቀቕትን ነኣሽቱን፣ ጥዕናን ካልኦት ዘርፊታትን ኢንቨስት ከምዝገብር ይገልጽ።
ህንዲ፣ ናይጀርያ፣ ኬንያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ኮትዲቫርን ብዝለዓለ መጠን ኢንቨስት ዝገበረለን ሃገራት’የን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







