ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣገልግሎት ቴሌኮም ንምስታፍ ዝወዳደሩ ዘለዉ ኩባንያታት ተፈሊጦም

ኢትዮቴሌኮም

ምንጪ ስእሊ, CONSTRUCTION PHOTOGRAPHY/AVALON

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣገልግሎት ቴሌኮምኒኬሽን ንምስታፍ ዝወጽአ ጨረታ ስዒቡ፡ ሽደሽተ ኩባንያታት ወጻኢ ሃገር ይሳተፉ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ብመንግስቲ ብሕታዊ ዋንነት ተታሒዙ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ቴሌኮምኒኬሽን፡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ኩባንያታት ክሳተፉ ብዝቐረበ ጻውዒት እዮም፡ ሽድሽተ ትካላት ድሌቶም ገሊጾም ኣብቲ ጨረታ ዝሳተፉ ዘለዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ኢትዮቴለኮም ብተወሳኺ ንካልኦት ክልተ ትካላት ቴሌኮም ፍቓድ ከም ዝህብ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ገለ ዓለም ለኸ ኩባንያታት ቴሌኮም ተሳትፎ ይገብረፉ ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንምስራሕ ሽድሽተ ኩባንያታት ናይ ጨረታ ሰነድ ዘእተዉ ኾይኖም፡ ንሳቶም ድማ፡ ክልተ ኩባንያታት ዓባይ ብሪጣንያ ቮዳፎንን ሲዲሲ ግሩፕን፣ ክልተ ኩባንያታት ደቡብ ኣፍሪቃ ኤምቲኤንን ቮዳኮምን፣ ኩባንያ ኬንያ ሳፋሪኮምን ከምኡ ድማ ናይ ጃፓን ሰሚቶም ኮርፖሬሽን እዮም።

ንተኸታተሊ ግዜ ክናዋሕ ዝጸንሐ እዚ ከይዲ ጨረታ፡ ሎሚ 18 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም ተዛዚሙ፡ ሚኒስትር ፋይናንስ ናይ ኣገልግሎት ፍቓድ ክረኽቡ ሕቶ ዘቕረቡ ኩባንያታት ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስትር ወሲኹ'ውን፡ እቶም ክልተ ፍቓድ ዝረኽቡ ኩባንያታት ብዝምልከት፡ በዓል መዚ ኮምኒኬሽን ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ጨረታ ብዝቐረበ ሰነድ ብቐጻሊ ብዘካይዶ ግምገማ መሰረት፡ ኣብ መጻኢ ዕላዊ ክገብር ምዃኑ'ውን ወሲኹ ሃቢሩ።

ልዕሊ 110 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ፡ ዕዳጋ ቴሌኮም ብሒትዎ ዘሎ መንግስታዊ ኢትዮቴሌኮም እንትኸውን፡ ዓውዲ ቴሌኮም ንወጻኢ ሃገራት ክፍቲ ክኸውን ምስተኣወጀ፡ ንትካላት ዓለምለኸ እዝዩ ዝስሕብ ዜና ኾይኑ እዩ ጸኒሑ።

ስለዝኾነ ድማ፡ ዝተፈላለዩ ኩባንያታት ድሌቶም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣገልግሎት ቴሌኮም ንዝሳተፉ ክልተ ኩባንያታት ፍቓድ ካብ ምሃብ ብተወሳኺ፡ ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ዋንነት መንግስቲ ዝርከብ ኢትዮቴሌኮም፡ ብዝተወሰነ ደረጃ ንምሻጥ'ውን ተወሲኑ እዩ።

ኢትዮቴሌኮም፡ ኣብዚ ሕዚ አዋን ኣብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ብዝሒ ተጠቀምቲ ቴሌፎን ካብ ዘተኣናግዱ ትካላት ሓደ እዩ።

፡ ኣገልግሎት ቴሌኮም ኢትዮጵያ ንኩባንያታት ወጻኢ ክፍቲ ምግባር፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስደየበ ካብ ዝወሰዶም ናይ ለውጢ ውሳነታት ሓደ እዩ።