ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ኮሮናቫይረስ ዝሓዞም ሰባት ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን በጺሑ

ኮሮናቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, Amanuel Sileshi

ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ኮሮናቫይረስ ከምዝሓዞም ብምርመራ ዝተረጋገጸሎም ሰባት ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ምብጽሑ ተገሊጹ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት ዝተረኸበ ኮይኑ ኣብዚ እዋን ከኣ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ 250 ሽሕ በጺሑ።

ኢንስቲትዩት ጥዕና ማሕበረሰብ ትማሊ ቀዳም [24 መጋቢት 2021] ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ከምዘመልከቶ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዝተረጋገጸሎም ሰባት 250,955 ኮይኑ’ሎ።

ካብ 4 መጋቢት 2012 ክሳብ 16 ሚያዝያ 2013 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ኣብ ዘለዉ 408 መዓልታት ኣብ ነብሲ ወከፍ መዓልቲ ልዕሊ 615 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ብምርመራ ተረጋጊጹ።

ኣብዚ እዋን ካብቶም ልዕሊ 250 ሽሕ በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዝተረጋገጸሎም ሰባት እቶም 190 ሽሕን 13ን ከምዝሓወዩ ጸብጻባት ትካላት ጥዕና እታ ሃገር የመለክቱ።

987 ሕሙማት ኣብ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ዝርከቡ ኮይኖም ክሳብ 16 ሚያዝያ 2013 [ኣ.ኢ] ኣብ ዘሎ ጊዜ ብሰንኪ እቲ ሕማም ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑ ሰባት ብዝሒ 3 ሽሕን 531 በጺሑ’ሎ።

ኢትዮጵያ ብመሰረት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዝሓዘቶ ቁጽሪ ካብ ሞንጎ’ተን ብብዝሒ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ኣብ ቅድሚት ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ትስራዕ።

ከም ሓበሬታ ማእኸል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣፍሪቃ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሞሮኮን ቱኒዚያን ቀጺላ ብብዝሒ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ራብዓይ ደረጃ ትሕዝ።

ኣብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 4.4 ሚልዮን ሰባት ኮሮናቫይስ ከምዝተትሓዙ ብምርመራ ክረጋገጽ ከሎ፤ ልዕሊ 119 ሽሕን 640 ከኣ ብሰንኪ’ቲ ሕማም ሞይቶም።

ብደረጃ ዓለም ድማ ልዕሊ 146 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዝተረጋገጸ ኮይኑ፤ ልዕሊ 3 ሚልዮን ድማ ከምዝሞቱ ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ የመልክት።

ኮሮና