ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣጋጢሙ ኣብ ዝነበረ ጎንጺ “200 ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ” ተገሊጹ

በአጣዬ ከተማ ከደረሰው ጉዳት መካከል

ምንጪ ስእሊ, SOCIAL MEDIA/FB

መግለጺ ስእሊ, በአጣዬ ከተማ ከደረሰው ጉዳት መካከል

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰሜን ሸዋን ፍሉይ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞን ብዝነበረ ጎንጺ “ክሳብ 200 ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ” ሮይተርስ ንሓደ በዓልስልጣን ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

በቲ ጎንጺ ህይወት ቁጽሮም ብወግዒ ዘይተፈለጠ ሰባት ከምዝጠፍአ፣ ዝለዓለ መጠን ንብረት ከምዝዓነወን ኣማኢት ኣሽሓት ካብ መረበቶም ከምዝተፈናቐሉን ነበርትን ሰብመዝን እቲ ኸባቢ ይገልጹ።

ሓላፊ ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ኣይተ እንዳለ ሃይሌ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ “ብመሰረት ካብ ተፈናቐልቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ካብ ክልቲኦም ዞባታት ኣስታት 200 ሰባት ከይሞቱ ኣይተርፉን” ኢሉ።

እንተኾነ ትኽክለኛ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ምርግጋጽ ከምዘድልይ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብቲ ጎንጺ ካብ ሞንጎ ኣዝዮም ዝተሃሰዩ ከባብታት ሓንቲ ኣብ ዝኾነት ከተማ ኣጣዬ ካብ 20 ክሳብ 25 ሚኢታዊት መንበሪ ገዛውቲ ብሓዊ ከምዝነደዱ እቲ ሓላፊ ተዛሪቡ’ሎ።

ብተወሳኺ 250 ሽሕ ዝኾኑ ካብ ዞባ ሰሜን ሸዋ፤ 78 ሽሕ ድማ ካብ ፍሉይ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ ከምዝተፈናቐሉ ኣረዲኡ።

ኣብ ፍሉይ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ እትርከብ ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ ኣብ ወርሒ መጋቢት ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነወት ምሕባሩ ዘመልከተ ጸብጻብ ሮይተርስ ብዛዕባ እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ግን ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘይሃበ ገሊጹ።

ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ዝምልከት ሓበሬታ ካብ ምምሕዳር ዞባ ሰሜን ሸዋ ንምርካብ’ኳ ፈቲኑ እንተነበረ ንጊዚኡ ዝተፈናቐሉ ንምርዳእን ናብ መንበሪኦም ንምምላስን ይሰርሑ ምህላዎም ዝጠቐሱ ሓለፍቲ ጎኒንጎኒ ድማ መረዳእታ ይእክቡ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብቲ ከባቢ ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ ጎንጽን መጥቃዕትን ከቢድ ጉድኣት ዝበጽሐ ኮይኑ በቲ ኩነታት ልዕሊ 300 ሰባት ከምዝሞቱ ኤኤፍፒ ንሰበስልጣን ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ጸብጺቡ ነይሩ።

ኣብቲከባቢእንታይእዩኣጓኒፉነይሩ?

ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ዝርከቡ ኣጣዬ፣ ካራቆሬ፣ ሽዋሮቢት፣ ማጀቴ፣ ኣላላና ኣንጾኪያን ኣብ ዝተብሃሉ ሓሙሽተ ወረደታት፡ ብዕጡቓት ሓይልታት ከቢድ ጉድኣት ምብጽሑ ሰብ ስልጣን እቲ ክልል ንመራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ገሊጾም።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ከባቢ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሎም ከባቢታት ብዙሓት ሰባት ከም ዝተጎድኡን መንበሪ ኣባይቲ ተቓጺሎም ንብረት ከምዝዓነዉን ሓቢሮም።

ሽሙ ክግለጽ ፍቓደኛ ዘይኮነ ሓደ ነባሪ ሽዋ ሮቢት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ እቲ ጎንጺ ቀዳም ንጉሆ ዝጀመረ ኮይኑ "ኣብ ኣርባ ኣምባን ብርጭቆን ዝተባህሉ ዓድታት ሰብ ሃሊቑ" ክብል ገሊጹ።

ንገዛእ ርእሱ ካብቲ ከባቢ ሃዲሙ ከም ዝወጽአን'ውን ይዛረብ።

በቲ ዝተወሰደ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባትን ናይ መንግስቲ ኣኽበርቲ ጸጥታን ከም ዝተቐተሉ ዝሓበረ ምንጪ ቢቢሲ፡ መንግስቲ ድሕነት ሰላማውያን ዜጋታት ከኽብር ተማሕጺኑ'ሎ።

ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረባ ነባሪት ኣጣየ ብምኽንያት እቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መጥቃዕቲ: መንግስቲ ፌደራል ዝለኣኾም ኣኽበርቲ ጸጥታ ናብቲ ከባቢ ስለ ዝኣተዉ ቅሩብ'ኳ ተረጋጊዖም እንተነበሩ፡ ዳግማይ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ምውራዱ ከም ዘሕዘና ገሊጻ።

ንገዛእ ርእሳ ስድርኣ ሒዛ መሃል ሜዳ ተባሂሉ ናብ ዝፍለጥ ዓዲ ትመዛበል ከም ዘላን እቲ ጎንጺ ስለ ዘይሃድአ ዳርጋ ኩሉ ነባሪ ከተማታት ደብረብርሃንን መሃል ሜዳን ይግዕዝ ከም ዝነበረን ተዛሪባ።

ናብታ ከተማ ጸጥታ ከኽብር ዝኣተወ ሓይልታት መንግስቲ ፌደራል እቲ ኩነታት ልዕሊ ዓቕሙ ስለ ዝኾነ ኣብታ ከተማ ባርዕ ከም ዝነበረ'ውን ሓቢራ።

ሓላፊ ጉዳያት ጸጥታ ዞባ ሰሜን ሽዋ ኣቶ ኣበራ መኮነን፡ "ኩሉ ነገር ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ኮይኑ'ሎ" ድሕሪ ምባል ህዝቢ ናይ ምርግጋዕ ስራሕቲ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ።

ብዛዕባ እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ግን ዝሃቦ ዝርዝር መብርሂ የለን። ነበርትን ሰበ ስልጣን እቲ ክልልን፡ ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ን'ኦነግ-ሸኔ' ዝበሃል ዕጡቕ ሓይሊ እዮም ተሓታቲ ዝገብሩ።

ኣብቲ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ: መንግስቲ ዝሃቦ ወግዓዊ መረዳእታ'ኳ እንተዘየሎ ትካል ሓባሲ ንብዓት ኣብ ዘውጽኦ መረዳእታ ግን ልዕሊ 300 ሰባት ከም ዝሞቱ ይግለጽ።

ናይ ኦሮምያን ኣምሓራን ውድባት ብልጽግና፡ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንሓድሕዶም ክካሰሱ ተራእዮም።

ክልከላ ዕጥቂ ሒዝካ ምንቅስቓስ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰሜን ሽዋ፡ ንመዓልታት ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተጣየሸ ማእከል እዚ፡ ኣብ ገለ ጸገም ጸጥታን ድሕነትን ዘለዎም ከባቢታት እቲ ክልል ዕጥቂ ሒዝካ ምንቅስቓስ ከም ዝኸልከለ ምክልኻል ሃገር ከምዘፍለጠ ይዝከር።

ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብፍላይ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ክልል ኣምሓራ ዘሎ ጸገም ጸጥታ ንምህዳእ ሓይሊ ዕማም ከም ዝተጣየሸ’ውን ሓቢሩ።

ብፍላይ ኣጣዬ ኣብ ዝተባህለት ከተማን ከባቢአን ዕጡቓት ሓይልታት ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን፡ ዕንወት ከም ዘብጽሐ ኣመልኪቱ ነይሩ።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ እቲ ኣብቶም ከባቢታት ዝቖመ ሓድሽ እዚ ብፍላይ ካብ ደብረሲና ናብ ኮምቦልቻ ኣብ ዘሎ መስመር ኣብ ዝርከቡ መዋስንቲ ወረዳታት፡ ካብ ዋና መገዲ ንየማንን ጸገማን ክሳብ 20 ኪሎ ሜትሮ ዕጥቂ ሒዝካ ምንቅስቓስ ከም ዘይከኣል ኣጊዱ’ሎ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ፡ መንገዲ ምዕጻው፣ ሃይማኖታዊ ኮነ መንግስታዊ ትካላት ከምኡ'ውን ናይ ውልቀሰባት መንበሪን ንብረትን ምዕናውን 'እዚ ተግባር ንምፍጻም ብውልቀ ኾነ ብጉጅለ ምንቅስቓስን' ዝተኸልከለ ምዃኑ'ውን ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ዕግርግር ዝተላዕለሉ ከባቢ፡ እቲ ሓይሊ ዕማም ምርግጋዕ ንምፍጣር ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ እዋን፡ ነቶም ዝተነበሩ እገዳታት ጥሒሱ ዝተረኽበ ዝኾነ ይኹን ኣካል ድማ ስጉምቲ ከም ዝውሰዶ ተገሊጹ።

ንመቕተልቲ ዝቃወም ሰልፍታት!

ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ከተማታት ንመቕተልቲ ሰላማውያን ዜጋታት ዝቃወሙ ሰልፍታት ተኻይዶም ነይሮም።

እቶም ሰልፍታት ተቓውሞ ካብ ዝተካየደለን ከተማታት፡ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ዝኾነት ባህርዳር፣ ደብረማርቆስ፣ ወልዲያ፣ ደሴ፣ ሓይቅን ሰቆጣን ይርከብወን።

ኣብቲ ሰልፍታት ተቓውሞ ብቐንዱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት ዝበጽሕ ቅትለትን መጥቃዕትን ዝኹንን ድምጺ ተሰሚዑ።

እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ንህይወት ንጹሃን ዜጋታት ከድሕን ብዘይምኽኣሉ ነታ ክልል ዘመሓድር ዘሎ ሰልፊ ብልጽግናን መንግስትን ኮኒኖም።

መራኸቢ ብዙሓን እቲ ክልል ኣብ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ኣብ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ተቓውሞ፡ ሰልፈኛታት ኣብ ልዕሊ ኣምሓራ ንዝፍጸም ቅትለትን ምምዝባልን ኮኒኖም ክብል ጸብጺቡ ነይሩ።

ብተመሳሳሊ ኮርፖሬሽን ሚድያ ኣምሓራ፡ ኣብ ባህርዳር፡ ደብረማርቆስን ወልድያን ኣብ ልዕሊ ኣምሓራ ዝፍጸም ዘሎ ንመንነት መሰረት ዝገበረ ቅትለት ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝተኻየደ እዩ ገሊጹ።