ኣብ ዝተፈላላዩ ከተማታት ክልል ኣምሓራ፡ ንመቕተልቲ ዝቃወም ሰልፍታት ይካየድ ኣሎ

ደብረ ማርቆስ

ምንጪ ስእሊ, AMC

መግለጺ ስእሊ, ደብረ ማርቆስ

ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ከተማታት ንመቕተልቲ ሰላማውያን ዜጋታት ዝቃወሙ ሰልፍታት ይካየዱ ኣለው።

እቶም ሰልፍታት ተቓውሞ ካብ ዝተካየደለን ከተማታት፡ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ዝኾነት ባህርዳር፣ ደብረማርቆስ፣ ወልዲያ፣ ደሴ፣ ሓይቅን ሰቆጣን ከም ዝርከብወን ምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ትማሊ ሰልፍታት ተቓውሞ ዘአንገዳ ከተማታት ደሴን ደብረማርቆስን ሎሚ'ውን ሰልፈኛታት ናብ ኣደባባያት ብምውጻእ ድምጾም ኣስሚዖም።

ወልዲያ

ምንጪ ስእሊ, AMC

መግለጺ ስእሊ, ወልዲያ

ኣብቲ ሰልፍታት ተቓውሞ ብቐንዱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት ዝበጽሕ ቅትለትን መጥቃዕትን ዝኹንን ድምጺ ተሰሚዑ።

እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ንህይወት ንጹሃን ዜጋታት ከድሕን ብዘይምኽኣሉ ነታ ክልል ዘመሓድር ዘሎ ሰልፊ ብልጽግናን መንግስትን ኮኒኖም።

መራኸቢ ብዙሓን እቲ ክልል ኣብ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ኣብ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ተቓውሞ፡ ሰልፈኛታት ኣብ ልዕሊ ኣምሓራ ንዝፍጸም ቅትለትን ምምዝባልን ኮኒኖም ክብል ጸብጺቡ።

ባህር ዳር

ምንጪ ስእሊ, AMC

መግለጺ ስእሊ, ባህር ዳር

ብተመሳሳሊ ኮርፖሬሽን ሚድያ ኣምሓራ፡ ኣብ ባህርዳር፡ ደብረማርቆስን ወልድያን ኣብ ልዕሊ ኣምሓራ ዝፍጸም ዘሎ ንመንነት መሰረት ዝገበረ ቅትለት ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝተኻየደ እዩ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣብ ዝርከቡ ወረዳታት ብዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ብርክት ዝበሉ ሰባት ክቕተሉ እንከለው ብዙሕ ንብረት ከም ዝዓነወ ዝዝከር እዩ።

ብዘይካ'ዚ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ ዝርከቡ ዞባታትን ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝን ብሄር መሰረት ብዝገበሩ መጥቃዕትታት ብዙሓት ተቐቲሎም እዮም።