ሓይሊ-ዕማም ድሕነትን ጸጥታን ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ 'ሃገራዊ ድሕነት' እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, Federal Police, END, NISS, INSA
ሓይሊ- ዕማም ድሕነንትን ጸጥታን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ድሕንነት ዝፈታተኑ ጉዳያት ስጉምቲ ክወስድ ምጅማሩ ኣፍሊጡ።
ሓይሊ- ዕማም ድሕነንትን ጸጥታን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ 'ነታ ሃገር ናብ ጎንጽን ዕግርግርን ዝመርሑ፡ ሓይልታት ደገን ውሽጥን ተጣሚሮም ህዝባዊ ናዕቢ ንምልዕዓል ብሓባር ይስርሑ' ምህላዎም መረዳእታ ከምዝረኸበ ሓቢሩ።
እዚ ግብረ ሓይሊ፡ ካብ ምክልኻል ሃገር፣ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ሓበሬታ ድሕንነትን፣ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራልን መረበብ ድሕንንት ሓበሬታን ዝተውጻጸአ እዩ።
"መንግስቲ ምስ መንነትን ምምሕዳርን ተኣሳሲሮም ዝለዓሉ ሕቶታት ኣግባብ ብዘለዎ መገዲ ንምምላስ ኣብ ዝሰርሐሉ እዋን፡ እዞም ሓይልታት ጥምረት ፈጢሮም፡ ሃገር ናብ ዕግርግር ንምእታው ጻዕሪ ይገብሩ ኣለዉ" ኢሉ፥።
ናይ ቀረባ ግዜ ፍጻመታት
እቲ ሓይሊ-ዕማም ድሕንነትን ጸጥታን፡ ሓይልታት ጥፍኣት ዝበሎም፤ ኣብ'ታ ሃገር ንህዝብን መንግስትን ዘቖጠዐ ተግባር ጺሞም ኢሉ።
በዚ መሰረት፡ ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዞባታት ሰሜን ሽዋን ኣብ ፍሉይ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞን ኣብ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ህይወት ንጹሃን ምሕላፉን፣ ንብረት ምዕናውን እቲ መግለጺ ኣብሪሁ።
ነቲ ጥፍኣት ድማ፤ ካብ ውሽጥን ካብ ደገን ዝተጣመሩ ሓይልታት ዝበሎም ተሓተትቲ ገይሩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዞባ ማእከላዊ ጎንደር ዕጡቃት ቅማንት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ክልላት ዓፋርን ሶማሊን ብዝተፈጥረ ጎንጺ፤ ህይወት ንጹሃን ምሕላፉን ብዙሕ ንብረት ምዕናውን እቲ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ መግለጺ፡ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ንምስላጥ መደብ ኣብ ዝተትሓዘሉ እዋን፡ ጸረ ሰላም ሓይልታት ዝበሎም፡ ንዕጡቓት ጉሙዝ ኣሰልጢኖም ኣብቲ ከባቢ ሰላም ከይሰፍን ይገብሩ ኣለዉ ይብል።
ነዚ ስዒቡ መንግስቲ፡ ነቲ ዝተፍሓሰ ዝበሎ ውዲት ንምፍሻል ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ እቲ መግለጺ ጠቂሱ። ይወሰድ ብዘሎ ስጉምቲ ዓብዪ ኪሳራ ዝበጽሖ ዝበሎ ጉጅለ ኦነግ-ሸኔ፡ ትኩረት መንግስቲ ንምብታን ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት መጥቃዕቲ ከምዝፍጽም ገሊጹ።
ከምኡ'ውን፤ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ዘለውን ገለ ነጠፍቲ ማህበራዊ ሚድያን ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ ሃገር ሓደጋ የብጽሑ ኣለዉ ኢሉ።
ኣብ ገለ ከባብታት ክልል ኣምሓራ፤ ኣብ ምዕራብ ወለጋ፣ ኣብ ክልል ቤንሻንጉልን ካልኦት ከባብታትን መጥቃዕቲታት ምፍጻሞም ስዒቡ እዩ እዚ መግለጺ ዝተውሃበ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ እንታይ ኣጓኒፉ ነይሩ?
ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ነቶም ቅድም ክብል ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ዝኹንኑ ህዝባዊ ተቓውሞታት ክካየዱ ቀንዮም እዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰሜን ሽዋ፡ ንመዓልታት ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ገለ ጸገም ጸጥታን ድሕነትን ዘለዎም ከባቢታት እቲ ክልል ዕጥቂ ሒዝካ ምንቅስቓስ ከም ዝኸልከለ ምክልኻል ሃገር ኣፍሊጡ ነይሩ።
ብፍላይ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ክልል ኣምሓራ ዘሎ ጸገም ጸጥታ ንምህዳእ ሓይሊ ዕማም ከም ዝተጣየሸ ሓቢሩ።
ኣብቲ ክልል፡ ኣብ ዞባታት ሰሜን ሽዋን ፍሉይ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞን ኣብ ዝርከቡ ገለ ወረዳታት ጎንጺ ክለዓል ቀንዩ'ዩ።
ብፍላይ ኣጣዬ ኣብ ዝተባህለት ከተማን ከባቢአን ዕጡቓት ሓይልታት ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን፡ ዕንወት ከም ዘብጽሐ ኣመልኪቱ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







