ኢትዮጵያ፡ ብሓሶት ተመስኪርወን 20 ዓመት ዝተፈረደን ኣደ ድሕሪ 5 ዓመት ካብ ማእሰርቲ ክፍትሓ እየን

ቤት ማእሰርቲ

ምንጪ ስእሊ, CLASSICSTOCK

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ዘጋጠመ ጉዳይ ኮይኑ ዘዕብይኣ [ዘይወለድኣ] ጓለን ቀቲለን ብዝብል ናይ 20 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድወን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ን ሓሙሽተ ዓመታት ከም ዝጸንሓ ሓበሬታ ፖሊስ የመልክት።

ወይዘሮ ኣዛለች ቤታ ብድሕሪ ዝተፈረደን ፍርዲ ን5 ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝጸንሓ መምርሒ ኣብያተ ህንጸት ዞባ ሰሜን ሸዋ ንቢቢሲ ሓቢሩ'ሎ።

በዓል ሞያ ህዝባዊ ርክባት እቲ መምርሒ ኮማንደር ደበበ መኩሪያ ከም ዝሓበሮ፡ ብሓሶት ተመስኪሩወን ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሓ ወይዘሮ ኣዛለች ክፍትሓ ክውሰን ዝኸኣለ እታ ተቐቲላ ዝተበሃለት መንእሰይ ብህይወት ከም ዘላ ስለ ዝተረጋገጸ'ዩ።

"በዚ ምኽንያት ከኣ ካብ ገበን ነጻ ከም ዝኾና ተረጋጊጹ" ኢሉ።

ኣብ 2007 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይዲ ዝወዓላ እተን ኣደ ብዘይፈጸምኦ ገበን ኣብ ማእሰርቲ ከም ዝጸንሐ ዝሓበረ እቲ ኮማንደር ሕዚ ንኽፍትሓ ናብ ናይ ይቕረታ ቦርድ መመልከቲ ደብዳበ ከም ዝተልኣኸ ተዛሪቡ።

ቦርድ ይቕሬታ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ "ንናተን ጉዳይ ብዝብል ጥራይ ክንእከብ ኣይንኽእልን፤ ኣገዳሲ ሰነዳት ንመስከረም ዝቐርብ እንተኾይኑ እምበር ሕዚ ንፈትሖ ነገር የለን" ምባሉ ኮማንደር ደበበ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ዘይተፈጸመ ገበንን ናይ ሓሶት መሰኻኽርን

ወይዘሮ ኣዛለች ቅድሚ እቲ ገበን ምስ በዓል ገዝአንን ሰለስተ ደቂ በዓል ገዝአንን ይነብራ ነይረን።

ንሶም ምስሞቱ ግን ምስቶም ዘይወለድኦም ቆልዑ ዝነበረን ርክብ እናሓርፈፈ ይኸይድ።

ኣብ 2006 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ገበን ተፈጺሙ ክብሃል እንከሎ፡ ወይዘሮ ኣዛለች ብፍላይ ምስታ ሞይታ ዝተባህለት ጓል በዓልቤተን ጽቡቕ ርክብ ኣይነበረንን።

እቲ ዘይምርድዳእ እናኸፍአ ብምኻዱ ድማ እታ ቖልዓ ካብ ገዛ ትወጽእ።

ሽዑ ወይዘሮ ኣዛለች ጓለን ከም ዝጠፍአት ንኣኮታታ ብምሕባር ንክእልሽዋ'ኳ እንተነገርኦም እቶም ኣኮታታ ግን ነዚ ከይገበሩ ምትራፎም እቲ ኮማንደር የረድእ።

እታ መንእሰይ ጠፊኣ ካብ ዝበሃል ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ ኣብቲ ወረዳ ዝርከብ ፖሊስ ነተን ኣደ ኣብ ቁጽጽር ኣውዒሉ ምጽራይ ከካይድ ጀሚሩ።

"ወይዘሮ ኣዛለች ንጓል በዓልገዛኣ ብምቕታል ናብ ሽቓቕ ኣእቲዋታ ብዝብል ስለ ዝተጠርጠረት'ዩ ምጽራይ ክካየድ ዝጀመረ" ብምባል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ይዝክር ኮማንደር ደበበ።

ፖሊስ እተን ኣደ ኣብ ዝነብራሉ ገዛ ኣብ ዝርከብ ሽቓቕ ፈተሻ ኣብ ዘካየደሉ እዋን ናይታ ተቐቲላ ዝተባህለት ቖልዓ ደምቢ ክዳን ትምህርትን ናይ ሰብ ጸጉርን ረኺቡ ነይሩ።

ንሰን በቲ ገበን ተጠርጢረን ኣብ ዝተኣሰራሉ እዋን ናይቲ ዝነብራሉ ከባቢ ህዝቢ ሰልፊ ብምክያድ "ክቕተላ" ሓቲቱ ምንባሩ'ውን ይዝክር።

ንሰን ብወገነን እናበኸያ ነቲ ገበን ከም ዘይፈጸምኦ ከረድኣ ይፍትና ነይረን።

ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ መሰኻኽር እውን ወይዘሮ ኣዛለች ንዘዕበይኣ ጓል በዓል ቤተን ከም ዝቐተልኣ ቃል ምስክርነት ሂቦም።

በዚ መሰረት ነቲ ጉዳይ ክምርምር ዝጸንሐ ቤት ፍርዲ እተን ኣደ ነቲ ገበን ፈጺመንኦ እየን ብዝብል 20 ዓመት ክእሰራ በይኑ።

"መዋቲት" ብህይወት ተረኺባ!

ወይዘሮ ኣዛለች ን5 ዓመት ዝኣክል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስጸንሓ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ እታ ተቐቲላ ዝተበሃለት መንእሰይ ኣብ እንዳኣዝማዳ ተራእያ።

ንሳ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ንዓመታት ጸኒሓ ከም ዝተመለሰት'ዩ ዝዝረብ።

ነዚ ሓበሬታ ምስ ሰምዑ ናብ ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ ክልል ኣምሓራን ቤት ጽሕፈት ፍትሕን ደብዳበ ከም ዝጸሓፉ ዝዛረብ ኮማንደር ደበበ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ እታ ሞይታ ዝተባህለት ውልቀሰብ ብህይወት ምህላዋ ከረጋግጹ ከም ዝተገበረ የረድእ።

"እታ ውልቀሰብ ብህይወት ከም ዘላ ዝሕብር ናይ 19 ሰባት ቃል ምስክር ብምውሳድ ከምኡ'ውን ስድርኣ 'ጓልና ብህይወት ኣላ' ብምባሎምን ክነረጋግጽ ኪኢልና" ኢሉ።

እቲ ኮማንደር ነተን ብዘይተፈጸመ ገበን ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሕልፋ ዝተገደዳ ኣደ ብነጻ ንምፍናው ናብ ቦርድ ይቕሬታ ንዝተልኣኸ ደብዳበ ብዝተወሃበ ምላሽ ሕጉስ ኣይኮነን።

ፍትሒ ይዛባዕ ከም ዘሎ ብምግላጽ "ንሳ ብዘይጥፍኣታ ኣብ ማእሰርቲ ትርከብ፤ እቲ ጉዳይ ብጣዕሚ ዘሕዝን'ዩ" ክብል ነቲ ኩነታት ኣረዲኡ።

ብናይ ሓሶት ምስክር ተፈሪድዎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰባት ማዕረ ከም ካልኦት እሱራት ብይቕሬታ ድዮም ዝፍትሑ ወይስ ጥፍኣተኛታት ከም ዘይኮኑ ምስ ተረጋገጸ ብቕልጡፍ ይፍትሑ? ዝብል ኣብ ኣዋጅ ብንጹር ዝተቐመጠ ነገር ከም ዘየለ ዝዛረብ እቲ ኮማንደር እዚ ድማ ጸገም ከም ዝኾነ ሓቢሩ።

ተሞክሮ ካልኦት ሃገራት

ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብ ካልኦት ሃገራት ሰባት ብዝተጋገየ ክሲ ተፈሪድዎም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሑን ክፍትሑን ዝተለመደ ነገር'ዩ።

ኣብ ኣሜሪካ ካሊፎርኒያ ብናይ ሓሶት ክሲ 38 ዓመታት ተኣሲሩ ብ2019 ዝተፈትሐ ውልቀሰብ ናይ 21 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ተኸፊልዎ ነይሩ።

ክሬግ ኮሊ ዝተባህለ ወዲ 71 ኣቦ'ውን ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ብ1978 ንመሓዝኡን ወዱን ቐቲሉ ብዝብል ተፈሪድዎ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሕ ተገዲዱ'ዩ።

ብ2017 ምርመራ 'ዲ ኤን ኤ' ምስተገበረ ድማ ካብቲ ገበን ነጻ ኮይኑ ስለ ዝተረኸበ ተፈቲሑ።

ኣብ ኣወስትራልያ ንሓደ ኣዛዚ ፖሊስ ቀቲልካ ብዝብል ን19 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐ ውልቀሰብ ናይ 7 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ተኸፊልዎ'ዩ።

ንሱ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ'ዩ ንዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ጸኒሑ።