ምርጫ፡ ኢድሪስ ደቢ ንሻድሻይ ግዜ ኣብ ዝግበር ምርጫ ኣድማ የጋጥሞ ኣሎ

ኢድሪስ ደቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ህዝቢ ጫድ፡ ብፕረዚደንታዊ ምርጫ ንሻድሻይ ግዜ ስልጣን ክሕዝ ዝደሊ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነውሐ ዕድመ ንዘገልገለ መራሒ ድምጾም ንክህቡ ትጽቢት ይግበረሎም።

ብ1990 ብወታሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ዝጨበጠ ፕረዚደንት ኢድሪስ ደቢ፡ ፍትሓዊ ምርጫ ንከይካየድ ይዕንቕፍ ምህላው'ዩ ዝኽሰስ ዘሎ።

መብዛሕትኦም ገዳይም መራሕቲ ተቓወምቲ ብሓይልታት ጸጥታ መጥቃዕቲ የጋጥሞም ከም ዘሎ ብምኽሳስ፡ ካብቲ ውድድር ንነብሶም ብምግላል ንደገፍቶም ነቲ ምርጫ ክሕሰምዎን ተቓውሞኦም ከስምዑን ተማሕጺኖም።

ኣብቲ መዓልቲ ምርጫ እንታይ እዩ ዝግበር ዘሎ?

እቶም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ንናዕቢ ዝተዳለው እዮም ዝመስሉ።

ብሰንበት ንግሆ፡ ወተሃደራት ኣብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ ኢንጀሚና ተዘሪኦም ነይሮም።

ብቀዳም ከኣ ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ከተማ፡ ተቓወምቲ ብሓዊ ከባርዕዎ ዝኽእሉ ናይ ጎማታት መካይን ይእክቡ ከም ዝነበሩ፡ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ካብ ኣባላት ሓለዋ ሪፖብሊካን ሓያሎ ወተሃደራት ናብቲ ፕረዚደንት ኢድሪስ ደቢ ድምጹ ዝሃበሉ ማእከላይ መደበር ተዋፊሮም ከም ዝነበሩ ኣገልግሎት ዜና ኤኤፍፒ ይሕብር ።

ፕረዚደንት ደቢ ፈለማ ኣብቲ ማእከላይ መደበር ናቑጣ ድምጹ ሂቡ ነይሩ።

"ኩሎም ጫዳውያን ወጺኦም፡ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ሽዱሽተ ዓመታት ንሃገርና ዘጋጥማ ዘሎ ዓበይቲ ብድሆታት ዝገጥም ዝመረጽዎ ሕጹይ ድምጾም ክህቡ እየ ዝጽውዕ ዘለኹ" ክብል ድሕሪ ድምጺ ምሃቡ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

ቅድሚ እቲ ምርጫ ዝነበረ ናዕቢ ማዕረ ክንደይ ጎዲኡ?

ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብቶም ቀንዲ ተቓውሞታት ጭካነ ዝመልኦ ዓመጽ ከም ዝነበረ ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ብጭካነ ከም ዝተበተኑ'ዩ እቲ ትካል ዝገልጽ።

መንግስቲ ንናእሽቱ ምትእኽኻብ እውን ከይተረፈ ብሓይሊ ይብትኖ ነይሩ።

ፖሊስን ሰራዊትን ንዋና ቤት ጽሕፈት ሰልፍታትን ንኣባይቲ መራሕቶምን ኣኽቢቦሞ።

ኣብ ለካቲት፡ ሓይልታት ጸጥታ ንሕጹይ ተቓዋሚ ሰልፊ ያያ ዲሎ ክኣስርዎ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ሓሙሽተ ኣባላት ስድራ ቤቱ ከም ዝሞቱ እቲ ሰልፉ ሓቢሩ።

መንግስቲ ግን ሰለስተ ሰባት ከም ዝተቐትሉ እዩ ዝዛረብ።

እቲ ሰሙናዊ፡ ኣንጻር መንግስቲ ዝቐንዐ ሰላማዊ ሰልፍታት: ስልጣን ብሰላማዊ መገዲ ክሰጋገር ዝጽውዕን ዝሓትትን እዩ ነይሩ።

ኣድመጽቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብቲ ምርጫ መን 'ዩ ዝሳተፍ ዘሎ?

ፕረዚደንት ኢድሪስ ደቢ ከም ቀንዲ ተወዳዳሪ እዩ ዝቝጸር።

ንሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ ከኣ ሰላምን ጸጥታን ንከረጋግጽ ቃል ብምእታው ንሻድሻይ ግዜኡ ይወዳደር ኣሎ።

ሽዱሽተ ሕጹያት ኣንጻር እድሪስ ደቢ ይወዳደሩ ኣለው።

ገለ ካባታቶም ከኣ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣልበርት ፓሂሚ ፓዳክን ወግዓዊ መራሒ ተቓዋሚ ፈሊክስ ኒልቤ ሮማዱንጋርን እዩ።

ኣብ ጫድ፡ ሚኒስተር ሕርሻ ነበር ሊዲ በያሰምዳ ንፈለማ ግዜ ንፕረዚደንትነት ትወዳደር ኣላ።

ንሳ፡ ኣብቲ ምርጫ እንተተዓዊታ ንዓሌታዊ ጽልኢ ከተህድእን ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ከምእተማሓይሽን ተመባጺዓ'ላ።

ሕጹያት ተወዳደርቲ ምስ ተኣገዱን ምስ ኣቋረጹን ቁጽሪ ተወዳደርቲ ካብ 16 ናብ ሽዱሽተ ወሪዱ።

ልዕሊ ኵሉ ድማ፡ እቲ ቀንዲ ተቓዋሚ ፕረዚደንት ኢድሪስ ደቢ ዝነበረን ኣብ ምርጫ 2016 ዝተሳተፈን ሳልሕ ከቢዛቦ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብምቅዋም ካብቲ ምርጫ ስሒቡ እዩ።

እቶም ተዓዘብቲ ኣብ መዓልቲ ምርጫ እንታይ እዮም ዝጽበዩ ዘለዉ?

ተዓዘብቲ መረጻ፡ ፕረዚደንት ደቢ ክዕወት እዮም ትጽቢት ዝገብሩ ዘለው።

ግን ከኣ ብኽንደይ ዝኣኽሉ ብዝሒ ሰባት ከምእተመርጸ ዓቢ ምልክት ሕቶ ክኾኖም እዩ።

እቶም ናይ ተቓወምቲ ሕጹያት፡ ንደገፍቶም ምምራጽ ንከቋርጹዎን ነቲ ምርጫ ክሕሰሙዎን እዮም ዝምሕጸኑ ዘለዉ ።