ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ዝተመርዐወ ሚኒስትር ተኣሲሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓደ ፖለቲከኛ ጫድ፡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ተመርዒው ተባሂሉ ተኣሲሩ።
እዚ ኣዛይ ማሃማት ሓሰን ዝተብሃለ ሚኒስትር፡ ጓል 14 ዓመት ቆልዓ ተመርዒው ምስ ተብሃለ'ዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ።
ጠበቕኡ ግን፡ ናይ ዓሚሉ በዓልቲ ቤት ንኡሽቶ ኣይኾነትን ብምባል ነቲ ኽሲ ነጺጉዎ።
ዓቃቢ ሕጊ ብወገኑ፡ ሓሰን ኣብ 2017 ናብ ምዕራባዊት ከተማ እታ ሃገር ኖኩ ምስ ፖለቲካዊ ልኡኻት ኣብ ዝተጉዓዘሉ እዋን፡ ነታ ቖልዓ "ብባህላዊ ስርዓት" ተመርዒዋ'ዩ ከምዝበለ ብቋንቋ ፈረንሳ ዝመሓላለፍ ማዕኸን ዜና ኣርኤፍኣይ ጠቒሱ።
ኣብ ጫድ፡ መርዓ ትሕቲ 18 ዓመት ዘይሕጋዊ እንትኾን፡ ትሕቲ ዕድመ ዝተመርዐው ወይ ዘመርዓው ብማእሰርቲ ይቕጽዑ።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







