ህጻናት ዝሰረቐ ስፓኛዊ ዶክተር ኤድዋርዶ ቬላ ብምኽያንት ዕድመ ነጻ ተለቒቑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓደ ቤት ፍርዲ ከተማ ማድሪድ ናይ ስፓኛ ንሓደ ኣብ ሆስፒታል ዝተወልዱ ህጻናት ሰሪቑ ንመኻናት ስድራቤታት ዝህብ ዝነበር ናይ ቀደም ዶክተር ብነጻ ለቒቕዎ።
ዋላ`ኳ እቲ ወዲ 85 ዓመት ሓኪም መወልዳን ኤድዋርዶ ቬያ ገበን ፈጺሙ እንተኾነ፡ እቲ ገበን ካብ ዝፍጸም ነዊሕ እዋን ስለዘቑጸረ እቲ ቤት ፍርዲ ብሕጋዊ መንገዲ ክብይነሉ ኣይከኣለን።
ንሱ ኣብ እዋን ስልጣን ፋሺስታዊ ውልቀ-መላኺ ጀነራል ፍራንኮ ብዝተፈጸሙ ህጻናት ሰሪቕካ ንመኻናት ስድራ ቤታት ናይ ምሻጥ ገበን ናይ ፈለማ ክሱስ`ዩ። ኣሽሓት ተመሳሰልቲ ገበናት ከምዝተፈጸሙ ድማ ይጥርጠር።
ጀነራል ፍራንኮ ኣብ`ቲ ካብ 1936 ክሳብ 1939 ዝተካየደ ናይ ስፓኛ ናይ ሓድሕድ ኲናት ምስ ተዓወተ፡ እቲ ፋሺስታዊ ስርዓት ንብዙሓት ወለዶም ደገፍቲ ጸጋማይ ክንፊ`ዮም ዝበሎም ህጻናት ካብ ስድርኦም ፈልዩ ይግብኦም`ዩ ንዝበሎም ስድራ ቤታት ሂቡ`ዩ።
እቲ ጉዳይ እንታይ`ዩ ነይሩ?
እታ ኢነስ ማድሪጋል ዝተባህለት ህጻን ኣብ 1969 ተጨዊያ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ንኻልእ ስድራ ቤት ተዋሂባ። ኣብ 2012 ድማ ን ዶክተር ቬያ ከሲሳቶ።
እታ ንማድሪጋል ከም ኣዲኣ ኮይና ከተዕብያ ዝወሰደታ ኢነስ ፐረዝ ቅድሚ ምሟታ ንሳን በዓል ቤታን ውላድ ስለዘይነበሮም ዶ/ር ቬያ ብመልክዕ `ህያብ` ከምዝሃባ ገሊጻ ነይራ።
ውጺኢት መርመራ ዲ ኤን ኤ ድማ ማድሪጋል ምስቶም ስድራ ዝምድና ከምዘይብላ ኣርእዩ።
እንተኾነ ግን ማድሪጋል ኣብ 1987 ኣቕመ-ኣዳም ምስ በጽሐት፡ ን25 ዓመት ዝኣክል ነቲ ጉዳይ ናብ ፍርዲ ቤት ኣየቕረበቶን፤ ሕጊ ናይ`ታ ሃገር ድማ ዝኾነ ክሲ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ኣለዎ ይብል።
ማድሪጋል ነቲ ብይን ንምስማዕ ኣብ ቤት ፍርዲ`ኳ እንተነበረት ዶ/ር ቬያ ግን ኣይነበረን።
ንሳን ጠበቓኣን እቲ ገበን መቕጻዕቲ ከይተዋህቦ ክተርፍ የብሉን ብምባል ድማ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍሪዲ ቀሪብና ይግባይ ክንብል ኢና ኢሎም ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣኽባሪ ሕጊ ግን ዶ/ር ቬያ ን11 ዓመት ክእሰር ጠሊቡ ነይሩ።
እቲ ቤት ፍርዲ ዶ/ር ቬያ ጭውያ፣ ጉሕልና/ምትላል ጥንሲን ትምነያ ሰነዳትን ዝብሉ ሰለስተ ገበናት ፈጺሙ ኢሉ ነይሩ።
"መጽፋዕቲ`ዩ"
ትንተና ብልኡኽ ቢቢሲ ብሩኖ ቦየልፓዬፕ
ሓደ ሰዓት ብጠበቓኣ ተሰንያ ናብ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምእታዋ ክትወጽእ እንከላ፡ ማድሪጋል ዝተሓዋወሰ ስምዒት ኣብ ገጻ ይርአ ነይሩ።
"ተሰሪቐ ምንባረይ ምርግጋጹ ሕጉስቲ`የ። ዶ/ር ቬያ ሰሪቕኒ`ዩ" ኢላ። እቲ ዶክተር ነጻ ብምልቃቑ ግን ሓዚና።
"ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ገበን ኣብ ቤት ፍርዲ ናይ ምቕራብ ናይ ጊዜ ገደብ ምህላዉ ክትቅበሎ ቁሩብ ከቢድ`ዩ" ድማ ኢላ።
ዝጠፍኡ ደቀን ዘናድያ ሒደት ደገፍታ ዝኾና ኣንስቲ ድማ ኣመስጊናን ሓቚፋን። ሓንቲ ካብኣተን ኣብ 1984 ኣብ ማድሪድ ዝወለደት ክርስቲና ትበሃል።
"ብጣዕሚ ኢና ሓዚንና። እዚ ውሳነ`ዚ ጽፊዒት`ዩ። እዚ ሕጊ`ዚ ክንቅይሮ ይግበኣና ምኽንያቱ ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ገበናት ናብ ቤት ፍርዲ ናይ ምኽሳስ ጊዜ ገደብ ክህሉ የብሉን" ኢላ ንሳ።
ንምንታይ`ዩ እቲ ጉድ ንነዊሕ እዋን ተኸዊሉ?
እቲ ናይ ስፓኛ ናይ ዝተሰርቁ ቆልዑ ጉድ ካብ ፈለማ ዓመታት ስልጣን ናይ ጀነራል ፍራንኮ ጀሚሩ ንዓሰርተታት ዓመታት`ዩ ቀጺሉ።
ሃይማኖት ክርስትና ካቶሊክን ሞያ ሕክምናን ኣብ ስፓኛ ኣዝዮም ክቡራትን ሕፉራትን ብምዃኖምን ሕጊ ናይ`ታ ሃገር ድማ ምስክር ወረቐት ናይ ቆልዓ ንኽትረክብ ስም ናይ ኣደ ክምዝገብ ስለዘየገድድ ድማ ኣቲ ጉዳይ ክቕላዕ ነዊሕ እዋን ወሲዱ።
እቲ ጉድ ምስ`ታ ኣብ እዋን ግዝኣት ጀነራል ፍራንኮ ኣብ ሆስፒታላት፣ ኣብያተ ትምህርትን መናበዩ ቆልዑትን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ጉዳያት ዓቢ ተራ ክትጻወት ዝጀመረት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዝተተሓሓዘ`ዩ።
ቆልዑ ከዕብዩ ናይ ዝደሊዩ ስድራቤታት መዛግብቲ፡ ብደናግላትን ኣቕሽሽትን ይተሓዝ ነይሩ።
ዶክተራት ድማ ንዝወለዳ ኣዴታት ብዛዕባ ንዝወለደኦም ህጻናት ዘጋጠሞም ኩነታት ሓሶት ይነግርወን ነይሮም።
ዋላ'ኳ ዲሞክራሲ ኣብ ስፓኛ ብግቡእ ሰፊኑ እንተሃለወ፡ ዘመነ ፍራንኮ ግን ገና ነታ ሃገር የንጸላልዋ'ሎ።
ነቲ መስርሕ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ልሙጽ ንምግባር ዝዓለመ ኣብ 1977 ዝቖመ ናይ ምሕረት ሕጊ ድማ ንጉዳይ ስርቂ ህጻናት ንምምርማር ኣኽቢድዎ፤ ምኽንያቱ ፖለቲከኛታት ነቲ ጉዳይ ንምምርማር ስለዝኣበዩ።
እቲ ጉድ ብኸመይ ከምዝተቓልዐ
- ኣብ 2008 ዳኛ ባልታሳር ጋርዞን ኣስታት ሰላሳ ሽሕ ህጻናት ብጀነራል ፍራንኮ ብፖለቲካ ካብ ዝተጠርጠሩ ወለዲ ከምዝተሰርቁ ገሚቱ
- ጉዳያት ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ዝተሰርቁ ህጻናት ጥርዓን ቀሪብሎም ኣኽበርቲ ሕጊ ግን ዳርጋ ንኹሎም'ቶም ጉዳያት ብዘይመርመራ ዓጽዮሞም
- ኣብ 2013 ብክሲ ጭውያን ትምነያ ሰነዳት ዝተኸሰሰት ጓል 87 ዓመት መነኲሲት ማሪያ ጎመዝ ቫልቡዌና ናብ ፍርዲ ቅድሚ ምቕራባ ሞይታ
- ኣብ 2017 ጥርዓናት ዝሰምዕ ኣካል ፓርላማ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ስፓኛ ኣብ'ቲ ጉዳይ ቅድመ-ንጥፍቲ [ፕሮኣክቲቭ] ክትከውንን ፍሉይ ኣኽባር ሕጊ ክትስይምን ህዝባዊ ባንክ ዲ ኤን ኤ ከተቕውምን ተማሕጺኑዋ
- ካቶሊካዊት ቤትክርስቲያን ድማ ቤተ-መዛግብታ ብምኽፋት ኣብ እዋን ግዝኣት ጀነራል ፍራንኮ ንዝነበሩ ጉዳያት ስርቂ ህጻናት መብርሂ ክትህብ ሓቲቱ ነይሩ




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







