ብደቀንስትዮ ዝተዓብለለ ካቢነ ሓድሽ መንግስቲ ስጳኛ ቆይሙ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ቀዳማይ ምኒስተር ሰልፊ ማሕበርነት ስጳኛ ፔድሮ ሳንቼዝ ካብ 17 ናይ ካቢነ መዝነት ን11 ደቀንስትዮ ናይ ምኒስትርነት መዝነት ሂቡ። እዚ ናይዘን ደቀንስትዮ ሽመት ምስ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ክነጻጸር ከሎ እቲ ዝለዓለ ተሳትፎ ደቀንስትዮ ዝተራእየሉ ኢዩ።
ምስቲ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ስልጣኑ ዝተላዕለ፡ ብደቂ ተባዕትዮ ዝተዓብለል መንግስቲ ክነጻጸር ከሎ፡ እዚ ናይ ሕጂ መንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር ሳንቼዝ ከም ``ናይ ደቀንስትዮ ተሓላቒ`` መንግስቲ ክርአ ይኽእል።
እተን ደቀንስትዮ እተን ዝዓበያ ምኒስትሪታት - እንተላይ ምክልኻል፡ ኢኮኖሚ፡ ቁጠባን ትምህርትን ክውሃበን ከሎ፡ ሓደ ጠፈርተኛ-ነበር ፔድሮ ዱክ ድማ ከም ምኒስተር ሳይንስ ተሸይሙ ኣሎ።
ናይ ቀዳማይ ምኒስተር ሳንቼዝ ካቢነ ዋላ`ኳ ብናይ ሰልፊ የዕሩኹን ካብ ፖለቲካ ወጻኢ ብዝኾኑ ክኢላታትን ዝተመስረተ እኳ እንተኾነ ኣብ ስጳኛ ብናይ ``ደቀንስትዮ ካቢነ`` ኢዩ ዝግለጽ።
ኣብ ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ሓድሽ መንግስቲ ``ከም ናቱ ገስጋስን ሃገር ናይ ምሕዳስ ራእይን ደገፍቲ ኤውሮጳ ብዝኾኑ ሰባት ዝቖመ ኢዩ`` ኢሉ።
ንኤውሮጳ ``ከም ሓድሽ መበቆል ሃገሮም`` ድሕሪ ምግላጽ፡ እቶም ከም ውጽኢት ናይ 8 መጋቢት ናይ ደቀንስትዮ ምንቅስቓስ ኣብ ስልጣን ዝመጹ ኣባላት ካቢኒኡ ከም እሙናትን ኣበገስቲ ለውጢ ኣብ ስጳኛን ኢዮም ኢልዎም።
ኣብቲ ናይ 8 መጋቢት ኣብ መላእ ሃገር ዝተኻየደ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ደቀንስትዮ ዝተኻፈልኦ ናይ ``ደቀንስትዮ ኣድማ`` ኣንጻር ናይ ደሞዝ ዘይምዕሩይነትን ጾታዊ መጥቃዕትን እየን ኣቃሊሐን።
እዚ ሓድሽ 18 ዝኣባላቱ ናይ ስጳኛ መንግስቲ ንቀዳማይ ምኒስተር ሳንቼዝ ወሲካ 61.1 ሚእታዊ ደቀንስትዮ እየን - እዚ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝዓበየ ሱታፌ (ተሳትፎ) ደቀንስትዮ ዝተራእየሉ መንግስቲ ኢዩ።
ገለ በጻብዕ ዝቑጸራ ሃገራት፡ ከም ፈረንሳ፡ ሽወደንን ካናዳን ዝኣመሰላ ሃገራት እየን ዳርጋ 50 ሚእታዊ ደቀንስትዮ ምኒስተራት ዘለወን።
ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር ዝያዳ ኣብ ብቕዓት ይጥምት
ቀድማይ ምኒስተር ፐድሮ ሳንቼዝ መንግስቱ ``ኣብ ማሕበርነትን ጾታዊ ማዕርነት`` ዝኣምን ከምዝኸውን ተመባጺዑ። እንተኾነ እቲ ሓድሽ መንግስቲ ምሉእ ብምሉእ ማሕበርነትዊ ኣይኮነን፡ ገለ ክኢላታት ዘጠቓለለ ስለዝኾነ።
ዛጊት፡ እተን ዝበዝሓ ደቀንስትዮ እየን ነቲ መንግስቲ ዝመርሕኦ። ዋላ`ኳ ሳንቼዝ ናይ 2018 ባጀት ካብቲ ካብ ስልጣን ዝተገልፈ መንግስቲ እንተተረከበ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ምርጫ ከካይድ ተመባጺዑ ኣሎ።
ሰልፉ ካብቲ 350 መናብር ኣብ ባይቶ 84 ጥራይ ስለ ዝውንን ኣብቲ ሃገር ለውጢ ንምምጻእ ክቃለስ ኢዩ። ኣብቲ ከካይዶ ተመባጺዕዎ ዘሎ ምርጫ ድማ ተዓዊቱ ንክወጽእ ገል ብልሓት ክምህዝ ኣለዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







