ናብ ስፔይን ክኣቱ ኣብ ሳንጣ ዝተረኽበ ቆልዓ፡ ኣቦ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ

ኣብ ሻንጣ ዝተሓብአ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ብጨረርመ ፈተሺ (x-ray) እንትረኣይ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ንዓሊ ኦታራ፡ ወዱ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ናብ ስፔን ንኽኣቱ ብዝገበሮ ፃዕሪ'ዩ ተቐፂዑ

ኣይቮሪኮስታዊ ኣቦ፡ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ወዱ ኣብ ውሽጢ ሳንጣ ኣትዩ ብሕቡእ ካብ ሞሮኮ ናብ ስፔይን ድሕሪ ምእታዉ ዝቐረበሉ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ኣምሊጡ።

ወዱ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2015 ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ሳንጣ ኣትዩ ክኣቱ ከሎ ኢዩ ብሓለውቲ ዶብ ስፔይን ዝተታሕዘ።

ዓሊ ኦታራ ወዱ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ስፐይን ንኽኣቱ ብምጥጣሕ ክእሰር ናይቶም ዓቀብቲ ሕጊ ድልየት'ዩ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ነቲ ድልየት ዘራጉድ፡ እቲ ኣቦ ወዱ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ሳንጣ ኣትዩ ናብ ስፔይን ከምዝኣቱ ዘመልክት ጭብጥታት ብዘይምርካቦም ድማ ዓሊ ኦታራ ብንእሽቶ መቕጻዕቲ ተሓሊፉ።

እቲ ወዲ 10 ዓመት፡ ኣዱ ንዳያኑ ከምዝሓበሮም "ኣነ ኮነ ኣቦይ ኣብ ውሽጢ ሳንጣ ከምዘእትዉኒ ኣይንፈልጥን ኔረ" ኢሉዎም።

ብምቕጻል፡ እቲ ሓደ ወርሒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፈ ኣቡኡ፡ ኦታራ፡ ጉዕዝኡ ብመኪና ከምዝኸውን ኢዩ ኩሉ ግዜ ዝሕብረኒ ዝነበረ ኢሉ ኣዱ።

ካብ ሞሮኮ ናብ ስፔይን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምእታው ኣብ ውሽጢ'ቲ ሳንጣ ኣብዝነበረሉ እዋን ናይ ምትንፋስ ጸገማት ከምዝነበሮ ኣዱ ገሊጹ።

ኣብ ግንቦት 2015፡ ኣባላት ጸጥታ ሓንቲ መንእሰይ ጓላንስተይቲ ከቢድ ሳንጣ ኣናጎተተት ናብታ ኣብ ዶብ እትርከብ ከተማ ሴውታ ናይ ስፐይን ክትእቱ ኮላ ንኽሓትዋ ደው ኣቢሎማ።

ነቲ ሳንጣ ብመፈተሺ መሳርሒ ኣብዝፈተሽሉ እዋን ኣብቲ ሳንጣ ናይ ሓደ ዝተጨበጠ ቆልዓ ምስሊ ሪኦም።

ኣብዚ ኣዋን እቲ ቆልዓ ምስ ኣዲኡ ኣብ ከባቢ ከተማ ፓሪሲያን ክነብር ከሎ፡ ብዛዕባ'ዚ ኩነታት ምስክርነቱ ንምሃብ ናብ ሴውታ መጺኡ። ኣብ 2015፡ ኦዱ ብሓለውቲ ዶብ ክትሓዝ ከሎ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ኢዩ ነይሩ።

"ሕጂ እቲ ኩነታት ተዛዚሙ ኢዩ፡ ካብ ሕጂ ንድሓር ምስ ብዓልቲቤተይን ጓለይን ወደይን ብሓባር ሓድሽ ሂወት ክመርሕ ኢና" ኢሉ።