ኮሮናቫይረስ: ቅልውላው ኮቪድ ህንዲ ንምንታይ እዩ ንመላእ ዓለም ኣሻቓሊ ኮይኑ?

ተጻመድቲ ኣብ ጎደና

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ህንዲ ምስቲ ዝዓርግ ዘሎ ብዝሒ መልከፍቲ ኮቪድ ኣብ ቃልሲ ተሸሚማ ኣብ እትርከበሉ እዋን እቲ ካብ ህንዲ ዝወጽእ ዘሎ ኣሰቃቒ ወረታት ንዓለም ኣሰንቢዱ ኣሎ።

እቲ ለበዳ ግና ንህንዲ ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ዓለም እዩ ኣሻቒሉ ዘሎ።

"እቲ ቫይረስ ብዶብ፡ ብብሄር፡ ብዕድመ፡ ብጾታ ኮነ ብሃይማኖት ኣይድረትን እዩ" ትብል ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዋና ተመራማሪት ዶክተር ሶምያ ስዋሚናታን።

ቀጺላ'ውን "እቲ ሕጂ ኣብ ህንዲ ኣጋጢሙ ዘሎ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘጋጠመ እዩ" ትብል።

ዓለም ክሳዕ ክንደይ ዝተኣሳሰረት ከም ዝኾነት እቲ ለበዳ ኣርእዩና እዩ። ሓንቲ ሃገር ልዑል መጠን መልከፍቲ እንተኣርእያ፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ክዝርጋሕ ልዑል ተኽእሎ እዩ ዘለዎ።

ወላ ቀይድታት መገሻ፡ ተደጋጋሚ መርመራን ውሸባን እንተሎ'ውን መልከፍቲ ክልሑኽ ይኽእል እዩ። ሓደ ገያሻይ ካብቲ ልዑል መልከፍቲ ዘለዎ ከባቢ እንተመጺኡ ድማ ነቲ ቫይረስ ናይ ምስካም ተኽእሎኡ ዕዙዝ እዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ኒው ደልሂ [ህንዲ] ናብ ሆንግ ኮንግ ኣብ ዝነበረ በረራ 50 ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት ተረኺቦም።

ምስቲ ናይ ህንዲ ልዑል መጠን መልከፍቲ፡ ካልእ ዘሻቕል ጉዳይ'ውን ኣሎ፡ ሓድሽ ዓሌት እቲ ቫይረስ።

ኣብ ህንዲ ቢ.1.617 ዝተሰምየ ሓድሽ ዓሌት እቲ ቫይረስ ተቐልቂሉ ኣሎ። ኣብ ኣንፊ እቲ ቫይረስ ብዘሎ ክልተ ቀንዲ ልውጠት፡ ገለ ወገናት "ካዕቦ ቅዩጥ" ብዝብል ይጽውዕዎ።

ካብቲ ካልእ ልዕል ዝበለ ናይ ምምሕልላፍ ዓቕሚ ከም ዘለዎን ኣብ ሰብነትና ዝርከቡ ሕማም ተኸላኸልቲ ኣካላት ነቲ ቫይረስ ንምዕጋት ከም ዝጽገሙን ገለ ናይ ላቦራቶሪ ምርምራት የርእዩ። ንናይ ኣካላትን ዓቕሚ ምክልኻል ሕማማት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጎድኦ ንምፍላጥ ግና ሊቃውንቲ ምርምራቶም ይቕጽሉ ኣለው።

ኣብ ኢንስቲትዩት ዌልካም ሳንገር፡ ዳይሬክተር ተበግሶ ጂኖሚክስ ኮቪድ-19 ዝኾነ ዶክተር ጀፍ ባረት፡ ነቲ ቫይረስ በቶም ክታበታት ደው ምባል ከም ዘይከኣል ይነግር።

"ብጥንቃቐ ክንርእዮ ከም ዘሎና እኣምን፤ ግና ብዙሕ ዘሻቕል ኣይኮነን" ኢሉ።

ኣብ ሓንቲ ሃገር ብዝሒ መልከፍቲ እናዛየደ ብዝኸደ መጠን ግና፡ ሓድሽ ዓሌት ናይ ምቕልቓል ተኽእሎ እናበረኸ'ዩ ዝኸይድ። ምኽንያቱ፡ ነፍሲ ወከፍ መልከፍቲ እቲ ቫይረስ ክፈልቕ ዕድል ስለዝህብ ኮይኑ፤ እቲ ቀንዲ ዘሻቕል ድማ ንኣድማዕነት ክታበታት ዘዳኽም ሕዋስ ክቕልቀል ስለ ዝኽእል እዩ።

"ሓደሽቲ ዓሌት ከይቅልቐሉ እንዓግተሉ እቲ ቀዳማይ መገዲ እቲ ቫይረስ ኣባና ከይደጋገም ብምክልኻል እዩ. . . ስለዚ ነቲ ሓድሽ ዓሌት ንምቁጽጻር እቲ ዝበለጸ መገዲ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ንዘሎ ብዝሒ እቲ ሕማም ምቁጽጻር" ምዃኑ ዳይሬክተር ማሕበር ኮቪዲ-19 ጂኖሚክስ ብሪጣንያ ዝኾነት ፐሮፌሰር ሻሮን ፒኮክ ገሊጻ።

ስጉምትታት ዕጽዋን፡ ማሕበራዊ ርሕቀትን ነዚ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም - ግና ክታበት'ውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

እታ ሃገር መበቆል ናይቲ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ኣለው ዝበሃሉ ኣፍረይቲ ክታበት ዝኾነ 'ኢንስቲትዩት ሴረም ህንዲ' እኳ እንተኾነት መስርሕ ምኽታብ ኣብ ህንዲ ዝሕቱል እዩ ዘሎ፤ 10% ካብ ብዝሒ ህዝባ ቀዳማይ ክታበት ክትህብ እንከላ እቶም 2% እዮም ምሉእ ክታበት ወሲዶም ዘለው።

ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ኣብ ህንዲ ቁጽሪ መልከፍቲ ክዓርግ ምስ ጀመረ፡ ሰብ መዚ ንሰደድ ክታበት ኦክስፎርድ ኣስትራዘኔካ ከም ዝጎድል ገይሮም። እዚ'ውን ንዓለም ዘሻቐለ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

ህንዲ ንዝበዝሕ ፍርያታ ናብ ውሽጣዊ ጥቕሚ ክተውዕል ከላ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ዝርግሐ ክታበት ጽልዋ ከም ዝፈጥር ርዱእ እዩ።

ንህልው ኩነታት ህንዲ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ቀዳምነት ክወሃባ ከም ዝግባእ ሊቃውንቲ ይገልጹ።

"መጠን ክታበት ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ፡ ብዕጽፊ ክነዕብዮ የድልይ፤ እንተዘይኮይኑ እቲ ቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ንምስጋር ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር እዩ" ትብል ስዋሚናታን።

እቲ ቫይረስ ሓንቲ ሃገር ድሕሪ ሓንቲ ሃገር ኣብ ዘዕንወሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ዙርያ ዓለም መጠን መልከፍቲ ዝኾነ ናይ ምጉዳል ምልክት ኣየርኣየን ኣሎ።

እቲ ኣብ ህንዲ ዘሎ ኩነታት፡ ውሕስነት ኩላትና ክሳዕ ዝረጋገጽ፡ ወላ ሓደ ውሑስ ከም ዘይከውን ዘዘኻኽረና እዩ።