ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ዓለም ቁጽሪ ብኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን በጺሑ

ኣበኡ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቶ ህንዳዊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣበኡ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቶ ህንዳዊ

ኣብ ዓለም ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን በጺሑ ከም ዝበጽሐ፡ እቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ፡ ዝሓወዩን ዝሞቱን ሰባት ካብ ሃገራት ኣኪቡ ጸብጻብ ዘቕርብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ገሊጹ።

እዚ ቁጽሪ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዓለም ናብ ዝኸፈአ ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ትቃላዕ ኣላ ኢሉ ኣብ ዘጠንቀቐሉ እዩ ተመዝጊቡ ዘሎ።

ሃገረ ህንዲ ኣብ ማእከል እቲ ዝበርተዐ ካልኣይ ማዕበል ኮሮናቫይረስ ከም ዘላ'ዩ ዝግለጽ።

እታ ሃገር ብቀዳም ኣብ ሓደ መዓልቲ 230 ሽሕ ሓድሽ መልከፍቲ ኣመዝጊባ ኣላ።

ክሳብ ሕጂ ብደረጃ ዓለም ኣስታት 140 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ።

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ቁጽሪ ሓድሽ መልከፍትን ሞትን ብናህሪ ይውስኽ ብምህላዉ ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ ኢሉ ነይሩ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም "ብደረጃ ዓለም ኣብ ሓደ ሰሙን ዝመዝገብ ዝነበረ ቁጽሪ ሓድሽ መልከፍቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ብዕጽፊ ዛይዱ ኣሎ" ኢሉ።

ኣመሪካን ብራዚልን ካብ ዓለም ብብዝሒ መልከፍቲ ቀዳመይትን ሳልሰይትን ተሰሪዐን ዘለዋ ሃገራት ኮይነን፡ ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ጥራይ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ከም ዝሞቱ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ይሕብር።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብደረጃ ዓለም ብማእከላይ ገምጋም መዓልታዊ 12 ሽሕ ሞት ይምዝገብ ነይሩ።

እንተኾነ ኩለን ሃገራት ማዕረ ናይ ምምርማር ዓቕሚ ስለ ዘይብለን እቲ ቁጽሪ ካብዚ ዝግለጽ ዘሎ ዝዛይድ ክኸውን ከም ዝኽእል እዩ ዝንገር።

መግለጺ ቪድዮ, ስለምንታይ’ዮም ኣብ ብራዚል ብዙሓት ህጻናት ዝሞቱ ዘለዉ?

ኣብ ህንዲ እንታይ እዩ ዝኸውን ዘሎ?

ኣብታ 1.3 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ህንዲ፡ ኣብ ወርሒ ጥርን ለካቲትን መዓልታዊ 20 ሽሕ ሓድሽ መልከፍቲ'ዩ ዝምዝገብ ነይሩ።

ምስ ብዝሒ ህዝባ ብምንጽጻር ኸኣ ብተዘማዲ ድሓን እዩ ዝብሃል ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ግን እቲ ቁጽሪ ብናህሪ ክውስኽ ጀሚሩ።

ኣብ ህንዲ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት ብተኸታታሊ ልዕሊ 234 ሽሕ ሓድሽ መልከፍቲ ተመዝጊቡ።

ኣብታ ሃገር ዘለዋ ሆስፒታላት ሕጽረት ኦክስጅን ኣጋጢምወን ከም ዘሎን ንቡር መድሃኒታት ንምርካብ'ውን ሰብ ጸሊም ዕዳጋ ክጥቐም ተገዲዱ ምህላውን ይግለጽ።

ቢቢሲ ብዝገበሮ መርመራ እቲ መድሃኒታት ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ካብቲ ንቡር ዋግኡ ሓሙሽተ ዕጽፊ ዛይዱ ይሽየጥ ከም ዘሎ እዩ ክርዳእ ክኢሉ።

ርእሰ ከተማ ደልሂ ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ናብ ምሉእ ዕጽዋ ኣትያ ኣላ።

ኣብ ካልኦት ዞባታት'ውን ተመሳሳሊ ስጉምትታት ይውሰድ ከም ዘሎ እዩ ዝሕበር።

ኣብታ ሃገር ዋላ እኳ ቁጽሪ መልከፍቲ ብናህሪ ይውስኽ እንተሃለወ ብሂንዱ ዝኽበር ሃይማኖታዊ ፈስቲቫል ኩምባህ መላ ግን ኣብ ምክያድ እዩ ዝርከብ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝልጠፍ ዘሎ ስእልታት፡ ኣብቲ ሃይማኖታዊ ፈስቲቫል ሰባት ብዘይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ርሕቐቶም ከይሓለዉ ኣብ ደንደስ ፈለግ ግንጀስ ኮይኖም ሃይማኖታዊ በዓል እናተሳተፉ ይርኣዩ።

ቀዳማይ ሚኒሰትር እታ ሃገር ናረንድራ ሞዲ ሰብ ካብ ምትእኽኻብ ክቁጠብ ተማሕጺኑ ኣሎ።

ልዑል መልከፍቲ ዝምዝገበለን ዘለዋ ሃገራትከ ብዓል መን እየን?

ብራዚል ድሕሪ ኣመሪካን ህንድን ተኸቲላ ብብዝሒ መልከፍቲ ሳልሳይ ተሰሪዓ ዘላ ሃገር እያ።

እታ 368,749 ብኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ሞት ኣመዝጊባ ዘላ ብራዚል ብብዝሒ ሞት ንኣመሪካ ተኸቲላ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ሃገር እያ።

ኣብ ብራዚል ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ልዕሊ 85 ሽሕ ሓድሽ መልከፍትን 3,305 ሞትን ከም ዝተመዝገበ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ካናዳ እውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ሓደ ሚልዮን ሰባት ዘለዉ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ ኣመሪካ ኣመዝጊባ ከም ዘላ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ሃገረ ፓፓዋ ኒው ጊኒ ዝምዝገብ ዘሎ ሓድሽ መልከፍቲ ኣብ ዘሻቕል ኩነታት ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም'ውን ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዝርከባ ሃገራት ልዑል መልከፍቲ ይምዝገብ ከም ዘሎን ዘሻቕል ከም ዝኾነን እዩ ገሊጹ።

ጉዳይ ክታበትከ?

ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 860 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ 165 ሃገራት ተኸፋፊሉ ኣሎ።

እንተኾነ ምዕሩይ ዝኾነ ምክፍፋል ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣዝዩ በዳሂ ኮይኑ ከም ዘሎ'ዩ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝገልጽ።

ገለ ሃገራት ንልዕሊ ፍርቂ ብዝሒ ህዝበን ከቲበን ወይ ብልቃጣት ክታበት ኣውሒሰን ኣለዋ።

እስራኤልን ዓባይ ብርጣንያን እተን ዝበዝሐ ክፋል ሕብረተሰበን ከቲብን ዘለዋ ሃገራት እየን።

ኣብተን ሃገራት ቁጽሪ ዝተኸተቡ ሰባት እናወሰኸ ምስ ከደ ቁጽሪ ሓድሽ መልከፍቲ ብናህሪ እዩ ክጎድል ተራእዩ።

እስራኤል ልዕሊ ፍርቂ ካብ ህዝባ ከቲባ ዘላ ሃገር እያ፤ እታ ሃገር ብቅማረ፡ ን100 ሰባት 119 ብልቃጥ ክታበት ቀሪባ።

ኣብ ፍሊስጤም ምስ እንርኢ ከኣ ን100 ሰባት 2.81 ብልቃጥ ጥራይ እዩ ዘሎ።

ብዘይካ እዚ ዋላ ሓንቲ ብልቃጥ ዘይረኸባ ብዙሓት ሃገራት'ውን ኣለዋ።

እዚ ኣብ ሞንጎ ድኻታትን ሃብታማትን ዝርአ ዘሎ ዘይምዕሩይ ምክፍፋል ክታበት ውድን ጥዕና ዓለም ኣሻቒልዎ ከም ዘሎ'ዩ ዝገልጽ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ሃብታማት ሃገራት ሓደ ካብ ኣርባዕተ ከም ዝተኸተበ ብምግላጽ ኣብ ድኻ ሃገራት ግን ብገምጋም 1 ኣብ ሞንጎ 400 እዩ ክታበት ረኺቡ ዘሎ ኢሉ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ዝመስረቶ ኮቫክስ ዝተብሃለ ንትሑት ኣታዊታት ዘለወን ሃገራት ክታበት ከከፋፍል ዝቆመ ማሕበር ንመላእ ዓለም 2 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ንምክፍፋል ተሊሙ ኣብ ምስራሕ ይርከብ።

ኮሮና