ኢትዮጵያ ኣብ ዓመትን መዓልትን ክንደይ ዝኣክል ምህርቲ ነዳዲ ትጥቀም?

ነዳዲ ዝቐድሕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ሕጽረት ቀረብ ነዳዲ ነዊሕ ሪጋ መካይን ብብዝሒ ይስትውዓል ነይሩ።

መራሕቲ መካይን ነዳዲ ንምርካብ ነዊሕ ሰዓታት ከም ዝተጸበዩን ኣብ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ምትዕንቓፍ ከም ዝፈጠረን ይግለጽ።

ናይዚ ምኽንያት እንታይ'ዩ ዝብል መንግስቲ ብግልጺ ዘቕረቦ ነገር እንተዘይሃለወ'ውን ኣብ ውሽጢ ስርዓትቀረብ ነዳዲ ዘጋጠመ ጸገም ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

ጠለብ ነዳዲ ኢትዮጵያ ዓመታዊ እናወሰኸ ዝኸይድ ኮይኑ፡ ብመሰረት ሓበሬታ ብሄራዊ ባንኪ ቅድሚ 10 ዓመት ብ2003 ዓ.ም እታ ሃገር ንነዳዲ ዘውጽኣቶ ገንዘብ ብናይቲ ሽዑ እዋን ሸርፊ ወጻኢ 22.8 ቢሊየን ብር ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ቑጽሪ ተሽከርከርትን ነዳዲ ዝጥቀሙ ትካላትን ፕሮጀክታትን ስለ ዝወሰኸ፡ ንነዳዲ እተውጽኦ ገንዘብ ብኽልተ ዕጽፊ ዓብዩ ኣብ2012 ዓ.ም 62.05 ቢሊየን ብር በጺሑ።

ኢትዮጵያ ካበይ'ያ ነዳዲ ትረክብ?

ብቐንዱ ካብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ወሽመጥ ዓረብን'ያ ኣታዊ ትገብር።

በዚ መሰረት ኣብዚ እዋን ከም ሃገር ዘድልያ ጠለብ ነዳዲ ካብ ስዑዲ-ዓረብን ኩዌትን ተምጽእ።

ትካል መቕረቢ ነዳዲ ኢትዮጵያ ከም ዝብሎ ኣብዚ እዋን ምህርታት ነዳዲ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትወሉ መገዲ: ወደብ ጅቡቲ ጥራሕ እዩ።

ስለዚ ወርሓዊ ክሳብ ሓሙሽተ ገዘፍቲ ነዳዲ ዝጽዕና መራኽብ ከም ዝመጽኣ ፈጻሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣቶ ታደሰ ሃይለማርያም ንቢቢሲ ገሊጹ።

ቅድሚ ሕጂ ንሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዘድሊ ዝተወሰነ ቀረብ ካብ ሱዳን ተምጽእ እኳ እንተነበረት፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስተርኣየ ግን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ቀረብ ተቛሪጹ።

እታ ሃገር መዓልታዊ 2.5 ሚሊየን ሊትሮ ቤንዚን፣ 8 ሚሊየን ሊትሮ ናፍታ ቀረብ ከም ዘድልያ ኣቶ ታደሰ ይዛረብ።

እዚ ንምምላእ ዓመታዊ ነታ ሃገር ዘድልያ መጠን ነዳዲ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ብምትሕብባር ክንደይ የድልያ ዝብል የጽድቑ።

ሓሙሽተ ዓይነት ነዳዲ ድማ ኣታዊ ትገብር፤ እዚኦም ቤንዚን፣ ናፍታ፣ ነዳዲ ነፈርቲ፣ ንኣገልግሎት ኢንዳስትሪ ዝውዕሉ ክልተ ዓይነት ናፍታታትን'ዮም።

በዚ መሰረት ቤንዚን ኣብ ዓመት ክሳብ 700 ሽሕ ሜትሪክ ቶን፣ 2.8 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ናፍታ፣ 600 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ነዳዲ ነፈርቲ፣ ክሳብ 70 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ዝተፈላለየ ዓይነት ናፍታ ኢንዳስትሪ ከም ዝኣቱ እቲ ሓላፊ ገሊጹ።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ታሕሳስ ክሳብ ግንቦት ኣብ ዘለው ኣዋርሕ ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ ልዑል መጠን ዘለዎ ምህረቲ ነዳዲ ኣብ ረብሓ ይውዕል።

"ናይዚ ምኽንያት ሰፋሕቲ ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ስለ ዘለው'ዩ፤ ግን ድማ ኣብ እዋን ክረምቲ እቲ ጠለብ ይንኪ" ይብል ኣቶ ታደሰ።

እታ ሃገር ኣብ ዓመት ዘድልያ መጠን ነዳዲ ካብቲ ዝተትሓዘሉ መደብ ብዙሕ ኣፈላላይ ከም ዘይርእይ ዝገልጽ ኣቶ ታደሰ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ግን ምንቅስቓስ በረራ ስለ ዝዛሕተለ ነዳዲ ነፈርቲ ካብቲ ዝተኣመተሉ 50 ሚኢታዊት ከም ዝነከየ ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ ናፍታ 4 ሚኢታዊት ክንኪ እንከሎ፡ ጠለብ ቤንዚን ግን ብ13 ሚኢታዊት ወሲኹ።

እቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጽእ ነዳዲ ኣብ ወደብ ምስ በጽሐ ናብቲ ዝድለየሉ ቦታ በጺሑ ኣብ ረብሓ ኣብ ምውዓል ዘጋጥሙ ጸገማት ከኣ ኣብ ቀረብ ሕጽረት ከጋጥም ምኽንያት ከም ዝኾኑ ይጠቅስ።

እዚ እንተጋጥም ንህጹጽ ግዜ ዝኸውን ነዳዲ ስለ ዘሎ ነቲ ዘጋጥም ክፍተት ምምላእ ከም ዝክኣል ተዛሪቡ።

ምህርታት ነዳዲ ካብ ወደብ ክሳብ እቲ ተጠቃሚ ዝበጽሑ ዘሎ መስርሕ፡ ነቲ ዘጋጥም ጸገም ቀረብ: መንቀሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ግን ኣቶ ታደሰ ይሕብር።

ምህርትታት ነዳዲ "ናይ ፈሳሲ ጽዕነት ብዝስከማ ዓበይቲ መካይን ኣዝዩ ነዊሕ ርሕቐት ኣብ ገሊኡ ክሳዕ ክልተ ሽሕ ኪሎ ሜተር ተጓዒዙ'ዩ ናብ ተጠቀምቲ ዝበጽሕ" ይብል።

ካልኦት ሃገራት ነዳዲ ንምጉዕዓዝ ሕስር ዝበሉን ቅልጡፋትን ኣማራጺታት ከም ዝጥቀማ ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ'ውን ካብ ወደብ ክሳብ ማእከል ሃገር ወይ ድማ ክሳብ እቲ ነዳዲ ዝቕመጠሉ ቦታ ሕሳር ዝኾኑ ትቦታት ወይ'ውን ባቡር ንመጓዓዓዚ ክትጥቀም ይምዕድ።