ኬንያ ድፍድፍ ነዳዲ ናብ ወጻኢ ክትልእኽ ጀሚራ

ትማሊ ሰኑይ ድፍድፍ ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ ፕሬዚዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ዝተረኽበሉ ኣጋጣሚ ካብ ወደብ ሞምባሳ ተበጊሳ።
እታ ዕለት ከኣ ንኬንያን ንኣፍረይቲ ነዳዲ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓባይ ዕለት እያ ተባሂላ ተገሊጻ።
ኬንያ ንሕጂ ድፍድፍ ዘይቲ ወይ ዘይተጻረየ ነዳዲ እኳ ትልእኽ እንተላ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ግን ዝተጻረየ ነዳዲ ክትልእኽ መደብ ሒዛ ምህላዋ ገሊጻ።
ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝመደበሩ ቻይናዊ ኩባንያ 'ኬምቻይና ዩ ኬ ሊሚትድ' እቲ ናይ መጀመርያ 240 ሺሕ በርሜል ዘይተጻረየ ነዳዲ ንምግዛእ ጨረታ ስዒሩ ኣሎ።

ኣብቲ ጨረታ፡ ዋለኳ ናይ ኤስያን ኤውሮጳን ትካላት ኣፍረይቲ ነዳዲ እንተተሳተፋ፡ እቲ ጨረታ ግን እቲ ብቱሎው ኦይል "ኬም" ዝተባህለ ናይ ቻይና ኣፍራይ ነዳዲ ካምፓኒ ኮንትራት ሂቡዋ ኣላ።
እታ ንግዝይኡ መመሓላለፊ መስመር ቱቦ ነዳዲ ዘይብላ ኬንያ፡ ነቲ ምብራቓዊ ኬንያ ቱርካና ዝፈሪ ነዳዲ ኣስታት 850 ኪሎ ሜተር ብናይ ጽዕነት መካይን ተጓዓዕዞ።
እቲ ትማል ሰኑይ ካብ ወደብ ሞምባሳ ንግዳም ዝተላእከ ነዳዲ፡ ካብቲ ዝፈረየሉ ቦታ ብመካይን እዩ ተጓዓዒዙ።
ኬንያ ምስ ኡጋንዳ ተሰማሚዓ ቱቦ ነዳዲ ንምዝርጋሕ መደብ ሒዛ እኳ እንተነበራ፡ ኡጋንዳ ምስ ታንዛንያ ካልእ ሓዲሽ ውዕል ስለዝኸተመት እቲ ዝሓሰበቶ ኣይሰመረላን።
ኬንያ ኣብ ዝመጽእ ክልተ ዓመታት ካብ ነዳዲ ኣስታት 84 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ክትረክብ ትጸቢት ይግበረላ።
ትካል ዕደና ነዳዲ ቱሎው ካምፓኒ፡ እቲ ኣብ ቱርካና-ኬንያ ዝርከብ መዐደኒ ነዳዲ ልዕሊ 560 ሚልዮን በርሚል ዑቑር ትሕዝቶ ነዳዲ ከምዘሎዎ ይግምት።
ክሳብ 2020 ከኣ ዕለታዊ ኣስታት 100 ሽሕ በርሚል ነዳዲ ከፍሪ እዩ ዝብል ትጽቢት ይግበረሉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







