ህንዲ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ዝዛየደላ ሃገር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጓል 13 ዓመት ራኒ ተመሃሪት 8ይ ክፍሊ'ኳ እንተኾነት ወለዳ ንክትምርዖ ሓያል ጸቕጢ ይገብሩላ።
ዋላ'ውን ትሕቲ ዕድመ እንተኾነት እቲ ተገዲዳ ክትኣትዎ ዝተሓሰበ መርዓ ግን ተቓሊሳ ክተርፍ ገይራ'ያ።
ኣብ ህንዲ ዝርግሐ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ሙሉእ ዕጽዋ ክእወጅ እንከሎ ካብ ትካላት ንግዲ ጀሚሩ ክሳብ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽዮም።
ብሕማም ዓባይ ሰዓል ዝሳቐ ዝነበረ ወላዲ ኣቦ ራኒ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ (ብወርሒ መጋቢት) ንጓሉ ዝኸውን ሕጹይ ረኺቡላ።
ራኒ ኣይተሓጎሰትን። "ስለ ምንታይ ኩሉ ሰብ ዘይባጽሓ ደቂ ኣንስትዮ ንክምርዖ ከም ዝጻደፍ ኣይፈልጥን። ተማሂርና፣ ስራሕ ሒዝና ዓርስና ከም እንኽእል ኣይርድኦምን" ትብል።
ኣብ ህንዲ 18 ዓመት ዘይመልኣ ጓል ኣንስተይቲ ምምርዓው ገበን'ዩ። ይኹን'ምበር ህንዲ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ቑጽሪ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ዝፍጸመላ ሃገር'ያ።
ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ህንዲ ብመርዓ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ትስራዕ።
ዓመታዊ ኣስታት 1.5 ሚሊዮን ትሕቲ ደቂ ኣንስትዮ 18 ዓመት ከይመልአን ይምርዓዋ።
እዚ ቑጽሪ ኣብዚ ዓመት ሓፍ ክብል ከም ዝኽእል ድማ ይግመት።
'ቻይልድ ላይን' ዝተባህለ ሓገዝ ዝህብ ትካል ከም ዝብሎ ካብ ወርሒ ሰነ ክሳብ ሓምለ ቑጽሪ ኣብ ዘይዕድመና ክንምርዖ ኢና ኢለን ዝመጽኣ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነጻጸር ብ19 ሚኢታዊት ወሲኹ'ዩ።
ብምኽንያት ካብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ሰነ ኣብ ዝነበረ ገደብ ምንቅስቓስ ብሚሊዮን ዝቑጸሩ ሰባት ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም'ዮም።
እዚ ኣብ ዘይስሩዕ ስራሕ ዘይተዋፈሩ ዝሓውስ'ዩ።
መንግስቲ ከም ዝብሎ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ልዕሊ 10 ሚሊዮን ሰራሕተኛታት ናብ ተትውልዲ ዓዶም ተመሊሶም ስራሕ ስኡናት ኮይኖም'ዮም።
ኣብ ገጠር ዝነብሩ ወለዲ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ደቆም ምምርዓው ብሕታዊ መማረጺ ገይሮም ክወስዱዎ ተራእዩ'ዩ።
ካልእ ድማ ስድራ መመርዓውቲ ቅድም ኢሉ ስነ ስርዓት መርዓ ኣብ ዝፍጽሙሉ ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱ ብምንባሮም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዓቐን እቲ ዝፍጸም መርዓ ስለ ዝጎደለ ብዙሕ ናይ መርዓ ሕቶታት ይቐርብ ኣሎ።
እታ ሃገር ኣብ ወርሒ ሰነ ምንቅስቓስ ክተፍቅድ እንከላ፡ ሕጂ'ውን ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽዮም'ዮም ዘለው።
ቅድም ኢሉ ስድርአን ኣብ ዘይዕድሚአን ከመርዕውወን ዝሓስቡ ደቂ ኣንስትዮ፡ መምሃራነን መሓዙተንን'ዮም ጸግዒ ዝኾኑወን ነይሮም።
ሰራሕተኛ ኣክሽን ኤይድ ስሚታ ካንጆው፡ "ኣዝዮም ድኻታት ዝኾኑ ሕብረሰተብ ደቂ ኣንስትዮ ክመሃራ ኣየተባብዑን። ትምህርተን ምስ ኣቋረጻ ንክተእምኖም ድማ ከቢድ'ዩ" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ራኒ፡ ናይ ቀረባ መሓዝኣ ኣብዚ ዓመት ተመርዒዋ'ያ። ስድርኣ ከም ዘምርዕውዋ ምስ ፈለጠት ናብ ክፍሊ ሓደጋ ህጻናት ስልኪ ትድውል።
ሓደ ትካል ሓገዝ ምስ ፖሊስ ብምትሕግጋዝ እቲ መርዓ ጠጠው የብሎ።
ራኒ ግን ወላዲ ኣቡኣ ስለ ዝዓረፈ፡ ጸቕጢ ይበዝሓ።
"ሕጂ ነቲ ስድራ ምምሕዳር ናተይ ሓላፍነት'ዩ። ትምህርቲ ክኽፈት ከሎ ግን ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለስ ድልየት ኣለኒ። ግን ኣቦይ ብህይወት ስለ ዘየሎ ስራሕ ክሰርሕ ኣለኒ" ትብል።
ደቂ ተባዕትዮ ህጻናት ድማ፡ ግዳያት ናይ ጉልበት ስራሕቲ'ዮም፤ ስድርኦም ንምሕጋዝ ኣብ ፋብሪካታት ክሰርሑ ይግደዱ።
ሰራሕተኛ ኣክሽን ኤይድ ስሚታ ካንጆውን ናይ ስራሕ መሓዙታን ብርክት ዝበሉ ትሕቲ ዕድመ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዓበይቲ ፋብሪካታት ንክሰርሑ ከም ዝግደዱ ሓበሬታ በጺሑዎም'ዮም።
ኣብ ህንዲ ህጻናት ናይ ጉልበት ስራሕ ክሰርሑ ምግዳድ ዘይሕጋዊ እንተኾነ'ውን፡ ኣብ 2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘመላኽቶ ግን ካብ 260 ሚሊዮን ህጻናት ህንዲ እቶም 10 ሚሊየን ናይ ጉልበት ስራሕ ዝሰርሑ'ዮም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







