'ንናይ ወሊድ ሕክምና ዓቕሚ ስለዘይነበረና፡ ኣብ ፌስቡክ 'ስፐርም' ዝልግሰልና ሰብ ናብ ምድላይ ኣቲና'

ዓቕሚ ብምስኣን ለጋሲ ስፐርም ናብ ምንዳይ ኣትያ

ግቡእ ናይ ወሊድ ሕክምና ክገብሩ ዓቕሚ ዘይብሎም ገለ ሰባት ቁጽጽር ኣብ ዘይብሎም ናይ 'ፌስቡክ ጉጅለታት' ብምእታው ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ (ስፐርም) ንምሻጥ ወይ ንምልጋስ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ሰብኡት የናድዩ። በዓልመዚ ፍርያምነት ደቂሰባትን ስነ-ድቂን ብሪጣንያ ግና እዚ ሓደገኛ ሳዕቤናት ከም ዘለዎ ክገልጽ እንከሎ፡ ዘይሕጋዊ'ውን ክኸውን ይኽእል እዩ-ኢልዎ።

ክሎዊ [መንነታ ንምዕቃብ ስማ ተቐዪሩ እዩ] ካልእ ኣማራጺ ብምስኣን ከምዝገበረቶ ንቢቢሲ ነጊራ ኣላ።

ክሎዊን ብጻያን ድቂ ንምሓዝ ንዓመት መመላእታ ድሕሪ ምፍታን ክሰልጦም ኣይከኣለን። ሓኪም ናብ ሓደ ናይ ወሊድ ክሊኒክ ክኸዱ መኺርዎም። መርመራታት ኣብ ስፐርም መጻምድቲ ክሎዊ ጸገም ከም ዘሎ ብምንጻሩ፤ ክወልዱ እንተኸይኖም ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዝልግስ ሰብ ክርከብ ኣድላዪ ኮነ።

እቲ ክሊኒክ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንምልጋስ ፍቓደኛታት ናይ ዝኾኑ ሰባት ዝርዝር ስማት ሂብዎም። ካብቲ ናቶም ዓሌት፡ ብኻልእ ስድራ ከይተታሕዘ ነጻ ዝጸንሖም ሓደ ለጋሲ ብምርካቦም ኣብ ጥቅምቲ 2017 እቲ 'ኣይቪኤፍ' ዝበሃል ኣብ ላቦራቶሪ ዝግበር እንቋቕሖ ጓል ኣንስተይትን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን ናይ ምርኻብ ፈተነ ተካዪዱ። ግና ኣይተዓወተን።

እቶም መጻምድቲ ናብ ዝበረኸ ሕክምና ናይ ወሊድ ማለት 'ኣይሲኤስኣይ' ክሰጋገሩ እቲ ክሊኒክ መኺሩ። እቲ ሕክምና ዝያዳ ዝኸበረ ኮይኑ፡ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣብ እንቋቕሖ ጓል ኣንስተይቲ ብመርፍእ ዝሰርጸሉ ኣገባብ እዩ። እቲ ቀዳማይ ሕክምና ብመንግስቲ ስለዝተሸፈነሎም እቲ ካልኣይ ባዕላቶም ክኸፍልዎ ነይርዎም።

ኣብ ሰለስተ ወርሒ መርዓ ቆጺሮም ብምንባሮም እቲ ናይ ሕክምና ወጻኢ ልዕሊ ዓቕሞም ምንባሩ ክሎዊ ትነግር።

ሽዑ ኣብ ኢንተርነት ዝልግስ እንተረኸቡ ናይ ምንዳይ ሓሳብ ብምምጻእ፡ ኣባላት ስድራቤታን መሓዙታን መታን ከይፈልጥኣ ናይ ሓሶት ስም ብምጥቃም ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ፌስቡክ ጉጅለታት ድሕሪ ምእታው፤ ሓደ ለጋሲ ረኸበት።

እቲ ሰብ፡ ሕክምናውን ናይ ስድርኡን ታሪኽ፡ ሰነድ መርመራ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ምስ ሃባ፡ ብኣካል ክራኸቡ ተቋጺሮም።

"ቅምሶ ኣዳልዩ፡ ክንራኸብን፡ ክህበንን። ሽዑ ኣነ ናብ ዓይኒ-ምድሪ ከይደ እቲ ዝግበር ክገብር፤ ዝኸውን ኣይመስልን እዩ" ትብል ክሎዊ።

ድሕነታ ንምርግጋጽ ሰብኣያ ምስኣ ከይዱ፤ ግና ኣብ መኪና ተጸብዪዋ። ሽዱሽተ ግዜ ፈቲኖምዎ። ክሎዊ ሓንሳእ ጥንሲ ሒዛ እኳ እንተነበረት፡ እቲ ጥንሲ ከይዱ።

ህዝባዊ ዓይን-ምድሪ
መግለጺ ስእሊ, ክሎዊ ነቲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ካብቲ ለጋሲ ድሕሪ ምቕባላ ኣብ ዓይን-ምድሪ ከይዳ ነቲ ዘርኢ ናብ ማሕጸና ከም ዝሰርጽ ጌራ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ርክብ፡ ነቲ ለጋሲ 50 ፓውንድ ነቲ ስፐርም 10 ፓውንድ ድማ ንመጉዓዝያ ይኸፍልዎ ነይሮም።

ቁጽጽር ዝግበረሎም ክሊኒካት፡ ንለገስቲ ንመጓዓዝያ ዝኸውን ክሳዕ 35 ፓውንድ ዝኸፍሉዎም እኳ እንተኾኑ፤ ነቲ ስፐርም ምኽፋል ግና ሕጋዊ ከም ዘይኮነ ኣብ ብሪጣንያ፡ በዓልመዚ ፍርያምነት ደቂሰባትን ስነ-ድቂን ይገልጽ።

ለበዳ ኮቪድ ኣርኪቡ፡ ምንቅስቓስን ብኣካል ምርኻብን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምስ ኮነ፡ ክሎዊን በዓልቤታን ካልእ ለጋሲ ኣብ ፌስቡክ ረኸቡ።

እዚ ናብ ገዝኦም ክመጽእ ፍቓደኛ ብምንባሩ፡ ዝያዳ ሩፍታ ከም ዝፈጠረላ ክሎዊ ትዛረብ።

"ኣብ ዝጠዓመኒ ሰዓት ክገብሮ ኣኽኢሉኒ። ከምቲ ኣብ ሽንቲቤት ዝገብሮ ብተበተብ ካብ ምግባር ድሒነ" ትብል።

ሰሊጥዎም ድማ ክሎዊ ሕጂ ነፍሰ ጾር እያ።

"ሕጉሳት ኢና፤ ኣብዚ ጉዕዞ ነዊሕ ኢና ጸኒሕና። ሕጂ ውላድ ክህልወና እዩ፤ ብዙሕ ኢና ነመስግን" ኢላ።

ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ካብ ለጋሲ ከም ዝረኸቡዎ ንስድርኦም ኮነ ንመሓዙቶም ኣይነገሩን። እቲ ምኽንያት ድማ በዓልቤታ ክወልድ ከም ዘይክእል ሰባት ክፈልጡ ስለዘይደልዩን እቲ ዝፈጸምዎ ተግባር 'ቅኑዕ ከም ዘይኮነ ዝኣምኑ' ሰባት ስለ ዘለውን እዩ ይብሉ።

ለጋሲ ምስ ብርክት ዝበሉ ህጻናት
መግለጺ ስእሊ, ንክሎዊ ዝለገሰላ ሰብኣይ ብመገዲ ክሊኒክ ፍርያምነት ኣቦ 10 ቆልዑ እዩ

ክሎዊ ምጥናሳ ነቲ ለጋሲ እኳ እንተነገርዎ፡ ለጋሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝውለድ ህጻን ዝኾነ መሰል ከም ዘይህልዎን ኣብ ናይ ትውልዲ ሰነድ'ውን ስም በዓልቤታ ከም ዝጸሓፍ ክሎዊ ትዛረብ።

እቲ ለጋሲ ቅድሚ ሕጂ ብመገዲ እቶም ቁጽጽር ዝግበረሎም ክሊኒካት ዘርኢ ለጊሱ እኳ እንተነበረ፡ ልዕሊ 10 ግዜ ክልግሱ ኣይፍቀን እዩ፤ ንሱ ድማ ድሮ ነቲ ደረት በጺሑ ነይሩ። ንሳ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ካብ ዝተላለየተን ደቂ ኣንስትዮ'ውን ካልኦት ሰለስተ ቆልዑ ኣለዎ።

ብመሰረት እቲ ኣብ 2005 ኣብ ብሪጣን ዝተኣታተወ ሕጊ፡ ካብ ዝተለገሰ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዝተወለዱ ቆልዑ፡ 18 ዓመት ምስ መልኦም ነቶም ዘርኢ ዝለገሱሎም ሰባት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም።

ክሎዊን ሰብኣያን ግና ብሕክምና ዘገድዶም ኩነታት ክሳዕ ዘይተፈጥረ ንውላዶም ከይነግርዎ ወሲኖም ኣለው።

"ክፈልጡ ኣየድልዮምን እዩ። ቆልዓ ደሊና፡ እቲ እንኮ ኣማራጺ ድማ እዚ መገዲ ጥራሕ እዩ ነይሩ" ትብል ክሎዊ "ሰባት ናብ ከምዚ ኩነታት ክኣትው ክግደዱ የብሎምን እብል፤ ግና ን 'ኣይቪኤፍ' ክትከፍል እንተዘይክኢልካ ብዙሕ ኣማራጺ የሎን።"

ኣብ መወዳእታ ክሎዊ ዝተመነየቶ እኳ እንተረኸበት፡ ሓደጋ ክገጥማ ይኽእል ምንባሩ ግና ትፈልጥ እያ።

ኣብቲ ናይ ፌስቡክ ጉጅለታት፡ ገለ ለገስቲ ስፐርም እተን ደቂ ኣንስትዮ ጥንሲ ከም ዝሓዛ ምስ ፈለጡ ሃንደበት ኣብ ህይወት እቲ ዝውለድ ህጻን ርክብ ክህልዎም ከም ዝጠልቡ ሰሚዓ እያ። ገለ ለገስቲ'ውን ነቲ ስፐርም ከህብወን ምስ መጹ ጾታዊ ርክብ ከም ዝሓቱ'ውን ትፈልጥ እያ።

"ክትሓቶም ናይ ዘይብልካ ሰባት ዝርዝር ስማት ኣሎ። ግና ዝተፈላለየ ስም ስለዝጥቀሙ ምልላዮም ኣጸጋሚ እዩ" ትብል።

ሓላፊት በዓልመዚ ፍርያምነት ደቂሰባትን ስነ-ድቂን ብሪጣንያ ሳሊ ቸሻይር፡ ኣብዚ እዋን ብኸምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ስምምዕ ብምፍጻም ንዝግበር ምውላድ ጸወን ዝህብ ሕጊ ከም ዘየለ ተጠንቅቕ።

"ስምምዕ ብግቡእ መገድን ኣብ ትኽክለኛ ሰዓትን እንተዘይተፈጺሙ፡ ናይ ወላድነት መሰል ዘይክሰጋገር ይኽእል እዩ፤ እቲ ለጋሲ ድማ ብዓይኒ ሕጊ ኣቦ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ እዚ ድማ ኩሉ ናይ ወላድን ፋይናንስያውን ሓላፍነት ክጠልብ እዩ" ኢላ።

ብዘይካ'ዚ ሓፈሻዊ ጥዕናዊ መርመራ ካብ ዘይገበረ ለጋሲ ዘርኢ ምውሳድ ከቢድ ሓደጋታት ከስዕብ ከም ዝኽእል ተጠንቅቕ።

"ቁጽጽር ዝግበረለን ክሊኒካት ብሪጣንያ፡ ነቲ ስፐርም ናይ ብዙሕ ሕማማትን ጀነቲካዊ ስእነት ጥዕናን መርመራ ክገብራሉ እየን ዝሕተታ"።

ቢቢሲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ዝኾነ ሰብ፡ ብዘይ ፍቓድ ስፐርም ብምሻጥ ሕጊ ይጥሕስ ኣሎ ዝብል ጥርዓን መጺይዎም እንተኾነኑ ንብዙሓት ሓይልታት ፖሊስ ክሓትት እንከሎ፤ ኩላቶም ከምኡ ዝብል ጥርዓን ከም ዘይመጾም ሓቢሮም።

ወሃቢ ቃል ፌስቡክ ብወገኑ፡ "ሰባት ብዛዕባ ምልጋስ ስፐርም ኣብ ፌስቡክ ክዘራረቡ ነፍቅድ እኳ እንተኾንና፡ ነቲ ናይ'ቲ ከባቢ ሕጊ ዝጥሕስ ነገራት ንምልጋስ ምስ ኣኽበርቲ ጸጥታ ብቕርበት ኢና እንሰርሕ" ኢሉ።