ን32 ዓመታት ንበይኖም ኣብ ሓንቲ ደሴት 'መኒኖም' ዝነበሩ ሽማግለ

ምንጪ ስእሊ, Mauro Morandi
ንልዕሊ ሰለሳ ዓመታት ኣብ ሓንቲ ናይ ጣልያን ደሴት ንበይኖም ዝነብሩ ዝነበሩ ሽማግለ ካብታ ደሴት ተባሪሮም።
ወዲ 81 ዓመት ማውሮ ሞራንዲ ብ1989 እዮም ቡዴሊ ናብ እትበሃል ደሴት ኣምሪሖም።
ኣብኡ ድማ ንኣስታት 32 ዓመታት ንበይኖም ኣብታ ደሴት ይነብሩ ነበሩ።
ቡዴሊ ኣብ ባሕሪ ሜዲትራንያን እትርከብ ኮይና፡ ሰብ ካብ ዘይነብረለን ጽቡቓት ደሴታት ሓንቲ እያ።
ማውሮ ኣብዛ ደሴት ዝነበሩ ብሕታዊ ሰብ እዮም። ካልእ ዝተረፈ ብሙሉኡ፡ ናይ ተፈጥሮ ጸጋ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን፡ ሰብ ዋና እታ ደሴት: 'ውጽኡልና' ምስ በልዎም ደንጽዩም ቀንዩ።
ግናኸ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮምን። ካብታ ን32 ዓመታት ንብሕቶም ዝነበሩላ ደሴት ለቒቆም ክወጽኡ ጥራሕ እዩ ነይርዎም።
"ጸገም የለን፤ ክወጽእ እየ። እቶም ሓደሽቲ ሰፈርቲ ደሴት ቡዴሊ ግን ከምታ ን32 ዓመታት ዝሓብሐብክዋ ከም ዝከናኸንዋ፡ ቃል ይእተውለይ" ኢሎም።
እቶም ሽማግለ፡ ምስ ሰብ ተፈላልዮም እዚ ኩሉ ዓመታት ክነብሩ እንከለው፡ መብራህቲ ዝረኽቡ ካብ ሶላር [ካብ ጸሓይ ብርሃን ዝርከብ ሓይሊ] እዩ ነይሩ።
ኣብ እዋን ክረምቲ፡ ካብ 30 ክሳብ 40 መጻሕፍቲ የንብቡ ነይሮም።
"ብኸመይ ነበይንኻ ብዘይ ዓርኪ ትነብር ኢሎም ዝሓቱኒ ኣለዉ። ብዙሓት መሓዙት ነይሮምኒ ንሳቶም ድማ፡ መጻሕፍቲ እዮም" ክብሉ ኣብ ዙርያ ህይወቶም ኣትኲሩ ኣብ ዝተሰርሓ ሰነዳዊ ፊልሚ ተዛሪቦም።
"እቶም ኣዕሩኽተይ ድማ ክሒዶምኒ ኣይፈልጡን" ኢሎም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዞም ሽማግለ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ምስ ቢቢሲ መደብ 'ኣውትሉክ' ኣብ ዘነበሮም ጻንሒት፡ ኣብ ህይወት ዘበኖም ዓላውን ዘይተለምዱ ነገራት ምግባር ዝፈትዉን ከምዝነበሩ ጠቒሶም ነይሮም።
ሚስተር ሞራንዲ ብሙያ፡ ናይ ስፖርት መምህር እዮም።
ኣብቲ እዋን ቃለ መሓትት፡ ስለ ምንታይ 'ዓለም ይኣኽለኒ' ኢሎም ከምዝመነኑ ተሓቲቶም ነይሮም።
"ኣብ ሕብረተሰብና ዓሲሉ ብዘሎ ናይ ሕሊና ኣልቦ ኩነት ኣዝየ ሓዚነ። ህዝቢ ንብልጭልጭ ነገራት ዘርእዮ ስሰዐ፤ በቲ ዝተጨማለቐ ፖለቲካ ጣልያን ድማ ሓዚነ። ስለዝኾነ ናብ ተፈጥሮ ንምጽጋዕን ንምቕራብን፡ ካብዚ ብልጭልጭ ዝበዝሖ ዓለም ግልስ ክብል ወሲነ። ሰብ ናብ ዘይብሉ ደሴት ዝኸድኩ ብዚ ምኽንያት እዩ" ኢሎም ነይሮም ንቢቢሲ።
ካብ ሰብ ተፈልዮም ክነብሩ ምስ ወሰኑ፡ ንሶምን መሓዝቶምን ብቐዳምነት ላ ማዴላና ናብ ዝተብሃለ ስፍራ ከይዶም ብምሽቃል፡ ንመጻኢ ዝኸውን ገንዘብ ንምውህላል እዮም ፈቲኖም።
ኮይኑ ግና፡ ኣብ ደሴት ቡዴሊ እንትበጽሑ፡ ሓለውቲ እታ ደሴት ይለቁ ምንባሮም ምስ ፈለጡ፡ ሞራንዲ 'ኣነ ኣብዚ እየ ዝተርፍ' ኢሎም: ንብሕቶም።
ሕዚ ናብ ህዝቢ ዝተሓወሱ ድሕሪ 32 ዓመታት ንበይኖም ድሕሪ ምንባሮም እዩ።
"ኣብታ ደሴት ምስ ሰብ ከይተራኸብኩ ን32 ኣመታት እንትነብር ሓደ መዓልቲ'ኳ ሓሚመ ኣይፈልጥን። ኣብ እዋን ክረምቲ'ውን ኣስዒሉኒ ኣይፈልጥን። ኣዝዩ ጽቡቕ እዋን እየ ኣሕሊፈ" ኢሎም።
ሞራንዲ ካብዚ ደሴት ክባረሩ ምስ በሉ፡ ብዙሓት ጣልያናውያን ናይ ተቓውሞ ፊርማ ኣተኣኻኪቦም ንመንግስቲ ኣቕሪቦም ነይሮም።
መንግስቲ ነቶም ሽማግለ ስብኣይ፡ ካብቲ ደሴት ከየባርር ልዕሊ 70 ሽሕ ፊርማ ተኣኻኺቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ንጋርድያን ጋዜጣ ከምዝበልዎ ግና፡ ዝተረፈ ህይወቶም ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኣፓርትመንት ከምዘሕልፍዎን፡ እታ ክፍሊ ናብ ባሕሪ ዘማዕዱ መስኮት ስለዘለዋ፡ ነቲ ባሕሪ እናረአዩ ከምዝውዕሉ ተዛሪቦም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







