ስጳኛ፡ 'ንኣዴኻ ቀቲልካ በሊዕካያ' ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ውልቀ ሰብ ናብ ፍርዲ ቀሪቡ

ምንጪ ስእሊ, Spanish Police
ኣብ ስጳኛ፡ 'ንኣዲኻ ቀቲልካ ቆራሪጽካ በሊዕካያ' ዝብል ክሲ ቀሪብዎ ዘሎ ውለቀሰብ ናብ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ።
ፖሊስ ካብ ጎረባብትን መሓዛ መዋቲትን ብዝበጽሖ ጥቆማ ናብ መንበሪ ገዛ እታ ጓል 66 ዓመት መዋቲት ብምኻድ እዩ: ኣብ 2019 ነዚ ብቕትለት ኣዲኡን ስጋኣ መታቲሩ ብምብላዕን ተኸሲሱ ዘሎ ኣልቤርቶ ሳንቸዝ ጎመዝ ኣብ ቀይዲ ኣእትይዎ።
ፖሊስ ናብ መንበሪ ገዛ መዋቲት ምስ ከዱ ኣብቲ ገዛ ኣካላት ናይ ሰብ ፋሕ ኢሉ ከምዝጸንሖምን ገለ ስጋን ኣዕጽምትን ናይ መዋቲት'ውን ኣብ ፕላስቲክ ተዓሺጉ ከምዝነበረን ይገልጹ።
ተኸሳሲ ኣልቤርቶ ሳንቸዝ ጎመዝ ፡ ንኣዲኡ ስጋኣ ክመታትር ኮነ ክበልዕ ከምዘይዝከሮ ንቤት ፍርዲ ሓቢሩ።
እቲ ክሱስ፡ ቅድሚ ኣብ ቀይዲ ምእታዉ፡ ወልፊ ሓሽሽን ናይ ጥዕና ጸገማትን ከምዝነበሮ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ማዕከን ዜና ስጳኛ'ውን እቲ ክሱስ ምስ ኣዲኡ ማርያ ሶለዳድ ጎመዝ ብዝነበሮ ተደጋጋሚ ግርጭት እናተኻሰሱ ናብ መደበር ፖሊስ ይመጽኡ ስለዝነበሩ ፖሊስ ይፈልጥዎ ምንባሮም ኣቃሊሓ።
እቲ ገበን ኣብ ለካቲት 2019 ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ከተማ ማድሪድ እዩ ተፈጺሙ።
ጋዜጣ ኢልሙንዶ፡ ፖሊስ ናብ መንበሪ ገዛ ማርያ ሶለዳድ ጎመዝ ኣብ ዝበጽሕሉ፡ ገለ ስጋ ናይ መዋቲት ይጥበስ ከምዝነበረን ገለ ኸኣ ኣብ ፍሪጅ ተዓሺጉ መንባሩን ምንጭታታት ብምጥቃስ ኣቃሊሓ።
ክሱስ ኣልቤርቶ ሳንቸዝ ጎመዝ ኣብ 2019 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ እንከሎ ወዲ 26 ዓመት ዝነበረ ኮይኑ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተገበረሉ መርመራ፡ ሓንሳብ እወ ስጋኣ መታቲረ በሊዐዮ እየ ክብል እንከሎ፡ ሓንሳብ'ውን ነቲ ስጋ ቆራሪጸ ንኸልቢ'የ ሂበዩ ኢሉ ቃሉ ሂቡ ነይሩ።
መስርሕ መርመራን ፍርድን ናይዚ ጉዳይ ክቅጽል ምዃኑ ቤት ፍርዲ ማድሪድ ኣፍሊጡ ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







