ክታበት ኮቪድ-19 'የምክን'ዩ' ዝብል ወረ መሰረት ከምዘይብሉ ክኢላታት ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ክታበት ኮቪድ፡ ንፍርያምነት ጓል-ኣንስተይቲ ክጸሉ ይኽእል እዩ ዝብል ቤላ ቤለው መሰረት ከምዘይብሉ ክኢላታት ገሊጾም።
ክታበት ፒፋይዘር ንስርዓተ መፍረ ደቂ ኣንስትዮ ከምክን ይኽእል እዩ ዝብል ግጉይ ፖስተራት "ዘተኣማምን ሳይንሳዊ መረጋገጺ" ከምዘይተረኽቦ፡ ፕሮፌሰር ስነ-ፍልጠት ኣብ ኪንግስ ኮለጅ ለንደን ከምኡውን ወሃቢት ቃል ሊቅ ስነ-መወልዳንን ማህጸንን ሮያል ኮሌጅ ፕሮፌሰር ሉሲ ቻፐል ሓቢራ።
ክታበት ብኸመይ ይሰርሕ?
እቲ ክታበት፡ ኣብ ላባራቶሪ ዝተሰርሐ ንእሽቶን ዘይጓዳእን ቁራጽ ኣካል ኮሮናቫይረስ ብመርፍእ ንውጋእ እሞ ሰብነትና ነቲ ባዕዳዊ ኣካል ዝገጥም ሓለዋ ምክልኻል (ጸረ ነፍሳት) የማዕብል።
ሓይልታት ጸረ-ነፍሳትን ጸዓዱ ዋህዮታት ከኣ ነቲ ቫይረስ ይገጥምዎም ይቃለሱዎን። ብድሕሪኡ እቲ ሕማም ብገለ ኣጋጣሚ እንተጓኒፉካ ናብ ሓለዋ ኣካላትና ብምድዋል ንስርዓተ-ምክልኻል ሕማም ኣካላትና ኣበራቢሮም ኣንጻር እቲ ቫይረስ የሰልፉዎ። ካብኡ ተረፈ ግን ክታበት ንጀነቲካዊ ሓበሬታ ኣካልና ክጸልዎ ኣይክእልን እዩ ።
እቶም ብክታበት ዝወሃቡና "ተለኣኣኽቲ ባእታታት" መልእኽቶም ምስ ኣብጽሑ ቀልጢፎም እዮም ዝዓንው።
ስለዚ ከኣ'ዩ ክታበት ኮቪድ ብፍላይ ከኣ ፒ-ፋይዘር ኣብ ጠቕሚ ከይወዓለ ቀልጢፉ ከይመክን ብጥንቃቐ ክኽዘንን ክዕቀብን ዘለዎ። ቫየሮሎጂስት ዩኒቨርሲቲ ሊድስ ፕሮፈሰር ኒኮላ ስቶንሃውስ እቲ ክታበት ኣብ መፍረ ጥዕና ጓለንስተይቲ ጽልዋ ክህልዎ ዝሕሰብ ኣይኮነን ትብል።
እቲ ሳይንሳዊ መርትዖኸ እንታይ ይብል ?ገለ ሰባት ነቲ ኣቐዲሙ ብመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝወጽአ ክተባት ፒ-ፋይዘር፡ ኣብ መፍረ ደቀንስትዮ ጽልዋ ምህላውን ዘይምህላውን "ዘይተጸንዐ" ሸነኽ ኣለዎ ንዝብል ሓበሬታ እዮም ዝጠቕሱ። ካብ ሽዑ ንደሓር ግን፡ ኣብ ስርዓተ ምፍራይ እንስሳታት ዝተገብረ መጽናዕትታት ዝዀነ ይኹን ጐዳኢ ሳዕቤናት ከምዘየርኣየ እቲ ሓበሬታ የመልክት።
እቲ ዝተፈጥረ ምድንጋር፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን መብዛሕትና ንሕናን ንነገራት ኣብ መዓልታዊ ህይወትና እንርድኣሉ ምኽንያት ስለዝፈላለ እዩ።ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ፡ "መርትዖ የልቦን" ክብሉ ከለዉ፡ ብዛዕባ እዚ ክታበት እዚ ነዊሕ እዋን ዝኸደ መጽናዕቲ ኣይጸንሐን ማለቶም እምበር ነገራት ብሃውሪ ይውሰኑ ኣለው ማለቶም ከምዘይኮነ ምርዳእ የድሊ።
እኳ ደኣስ ከም ክታበት ሰዓል ዝኣመሰሉ ካልኦት ክታበታት፡ ኣብ ስርዓተ መፍረ ዝኾነ ጸገም ከምዘየምጽእ ዋላ እውን ኣብ እዋን ጥንሲ ክውሰድ ከምዝኽእልን ጸገም ከምዘየምጽእን መርትዖታት ምህላው ፕሮፌሰር ቻፔል ትሕብር።
ኮቪድ፡ ኣብ ስርዓተ መፍረ ደቀንስትዮ ጸገም እንተልዩዎ፡ እቲ ሰብነትና ስርዓት ምክልኻል ኮቪድ ንምምዕባል ተዋሂቡ ዝወሃብ ኣዝዩ ድኹም መመሓላለፊ መልእኽቲ ከሰክፈናን ከሻቕለናን ኣይክእልን እዩ ኣይግባእን እውን ትብል ኪኢላ ስነ - መወልዳን ፕሮፌሰር ኒኮላ ስቶንሃውስ።
ናይ ሓሶት መዳሕንቲ ጥርዓንገለ ካብቲ ዝተዘርገሐ ወረቓቕቲ ፡ እቲ ክታበት፡ ነቲ መዳሕንቲ ንምስራሕ ዘገልግል ባእታ ፕሮቲን ስለዘለዎ ንመዳሕንቲ ክፍሊ መፍረ ከጥቅዕ ከም ዝኽእል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጽአ ሓበሬታታት ይእምት።
እቲ ሓበሬታ ሓቂ ኣይኮነን - ርግጽ እዩ እቲ ክታበት ምስቲ ምዕባለ መዳሕንቲ ንምፍጣር ዝሕግዝ ዝመሳሰልፕሮቲን ኣለዎ፡ ግን ከኣ ንኣካላትና ከደናግሮ ዝኽእል ኣይኮነን።
ክታበታት ኣብ ዙርያ እቲ ኣዝዩ ፍሉይ ዝኾነ ክፋል ናይ ቫይረስ ዝስርሑ ኰይኖም፡ ሰብነትና ኣለልዩዎ ንኽጸንሕን መከላኸሊ ንኸዳሉን ዝወሃብ እዩ።ኣብ ጥዕና ነፍሰ-ጾራትን እትዋሳእ ሊቅ ስነ-መወልዳን ፕሮፈሰር ቻፔል፡ ብዛዕባ ፍርያምነት ክታበት ኮቪድን ብዛዕባ ውሕስነቱን ዘሻቕል ነገር ከምዘየሎ ይሕብር።
ምክትል ሓላፊ ሕክምና ዓዲ እንግሊዝ ጆናታን ቫን-ታም ድማ ካብ ተኸታተልቲ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ክምልስ ከሎ፡ "ክታበት ዘስዕቦ ጸገም ወሊድ የሎን። እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወሃብ ዘረባታት ትርጉም የብሉን - ዘጨንቕ ከኣ ኣይኮነን" ይብል።
ኣብ እዋን ጥንሲኸ ክትክተብ ይከኣል'ዶ?
ደቀንስትዮ ኣብ እዋን ጥንሲ ብዛዕባ ዝወስደኦ ክታበትን መድሃኒትን ኣዝዩ ከም ዘተሓሳስበን ርዱእ እዩ። ንጥዕነአንን ጥዕና ዕሸላትን ስለዝግደሳ። ሓደ ሓደ ጸገም ዝፈጠሩ ዓይነት መድሃኒታት ስለዝነበሩ እውን ስኽፍታታት ክህሉ ይኽእል እዩ ። ስለዝኾነ ነፍሰ-ጾራት ኣብ ክሊኒካዊ ፈተናታት ኣይኣትዋን እየን - እንተላይ ኣብ ክታበት ኮቪድ።
ብሓፈሽኡ ነብሰ ጾራት ደቀንስትዮ ንሓደጋ ኮቪድ ዝተቓለዓ እንተዘይኮይነን ክኽተባ ኣይምከራን። መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ "እቶም ክታበታት ገና ኣብ ነብሰ ጾራት ኣይተፈተኑን፡ ስለዚ፡ ዝያዳ ሓበሬታ ክሳብ ዝርከብ፡ ነፍሰ-ጾራት ነዚ ክታበት ክወስድኦ ኣይምከራን" ይብል




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







