ጃክ ዶርሲ ኣብ ትዊተር መጀመርታ ዝጸሓፋ ጽሕፍቲ ብ2.5 ሚልዮን ዶላር ዓዳጊ ረኺባ

ጃክ ዶርሲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጃክ ዶርሲ

ሓደ ካብ መስረትቲ ትዊትር ዝኾነ ጃክ ዶርሲ፡ ኣብ መጀመርታ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ዝጽሓፋ ጽሕፍቲ ናብ ጨረታ ወሪዳ ብ2.5 ሚልዮን ዶላር ዓዳጊ ረኺባ'ላ።

እቲ ብ2.5 ሚልዮን ዶላር ነታ ናይ መጀመርታ ጽሕፍቲ ክዕድጋ ደልዩ ዘሎ ውልቀ ሰብ፡ እታ ጽሕፍቲ ንሱ ከምዝገዝኣ መረጋገጺ ‘ዲጂታላዊ’ ምስክር ወርቐት ካብ ትዊተር ክውሃቦ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።

ጃክ ዶርሲ ኣብ 2006 "Just setting up my twttr," ትብል ጽሕፍቲ እዩ ንመጀመርታ ኣብ'ቲ እዋን ምስ ብጾቱ ኾይኑ ዝጀመሮ ትዊተር ጽሒፉ።

እታ ጽሕፍቲ ናይ ጃክ ዶርሲ ዋላ ናብዚ ብጨረታ ዝዓደጋ ውለቀ ሰብ ትሸየጥ፡ ካብ ትዊተር ከይተኣለየት ክትጸንሕ ምዃና’ውን ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ ነታ ጽሕፍቲ ብጨረታ ዝዓደጋ ውለቀ ሰብ፡ ነታ ናይ መጀመርታ ጽሕፍቲ ትዊተር ከምዝዓደጋ ዝሕበር መረጋገጺ ሰነድ ብጃክ ዶርሲ ዝተፈረመ ከምዝኸውን’ውን ተሓቢሩ።

እቲ ዲጂታላዊ ሰነድ መሸጣ፡ እታ ናይ ትዊተር ጽሕፍቲ መዓስ ከምዝተለጠፈት፡ መን ከምዝጸሓፋን ሓፈሻዊ ትሕዝቶኣን ዝሓዘ እዩ ክኸውን።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

እቲ ዲጂታላዊ ሰርቲፊከት ኣብ ትዊተር ስለዝልጠፍ፡ ዝኾነ ተጠቃሚ ትዊተር ክርእዮ ክኽእል እዩ።

እቲ ምልክታ ጨረታ፡ ‘ቫልያብል ባይ ሴንት’ ኣብ ዝተባሃለ መርበብ ሓበሬታ እዩ ወጺኡ።

እቶም ወነንቲ እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ሰባት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ከም ‘ዲጂታላዊ ሰርቲፊኬት’ ወፍሪ እንተገይሮም ኣብ መጻኢ ዝያዳ ከሲቦም ክሸጥዎም ከምዝኽእሉን ኣርባሒ ወፍሪ ምዃኑን እዮም ዝገልጹ።

ኣብ ቢቢሲ ክኢላ ቴክኖሎጂ ሮሪ ኬለን ጆንስ ‘ትዊት’ ዘግበር ጽሑፋት ልክዕ ከም ‘ብሎክቸይን’ ዲጂታላዊ ባጤራ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ ኢሉ።

ንገለ ሰባት ሓንቲ ትዊት (ኣብ ትዊተር ዝተጸሓፈት ጽሕፍቲ ) ብ2.5 ሚሊዮን ዶላር ክትገዝእ ዘዋጽእ ኣይኮነን ዝብሉ ኣለዉ፡ እንተኾነ ኣብ ቢቢሲ ክኢላ ቴክኖሎጂ ሮሪ ኬለን ጆንስ እታ ጽሕፍቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ብልዕሊኡ ክትሽየጥ ከምእትኽእል እዩ ዝሕብር።