ጃክ ዶርሲ፡ ምእጋድ ትዊተር ትራምፕ 'ትኽክል' ግን ድማ 'ሓደገኛ'ዩ' ክብል ገሊጽዎ

ዋና ፈጻሚ ስራሕ ትዊተር ጃክ ዶርሲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዋና ፈጻሚ ስራሕ ትዊተር ጃክ ዶርሲ

ዋና ፈጻሚ ስራሕ ትዊተር ጃክ ዶርሲ፡ ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ምእጋድ ትኽክለኛ ስጉምቲ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ይኹን'ምበር፡ በቲ "ዘይተለመደን ቅሉዕ ኩነትን" ክብል ዝገለጾ ቐዋሚ እገዳ ትራምፕ ከም ዝሓዘነ ገሊጹ።

እቲ እገዳ ብኸፊል ናይ ትዊተር ውድቀት ዘርኢ ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ኣብ ኩሎም መጥቀሚታት ማሕበራዊ ሚዲያ "ምዕሩይ ዝርርብ" ክምዕብል ክንዲ ዝግበኦ ከም ዘይሰርሐ ተኣሚኑ።

ትዊተር፡ ናይ ዶናልድ ትራምፕ መጥቀሚ ብምዕጻው ተመስጊኑን ተነቒፉን'ዩ።

መራሒተ መንግስቲ ጀርመን ኣንጌላ መርከልን ፕሬዝደንት ሜክሲኮ ኣንድሬስ ማኑኤል ሎፔዝ ኦብራዶርን ዋላ'ውን መሓዙት እቲ ዝሰናበት ዘሎ ፕሬዝደንት ኣመሪካ እንተዘይኾኑ፡ ትዊተር ንዝወሰዶ ስጉምቲ ግን ነቒፎም።

ጃክ ዶርሲ ብነዊሕ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጽሓፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካፒቶል ኣመሪካ ድሕሪ ዝተፈጥረ ናዕቢ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ምዕጻው ትዊተር ትራምፕ ከም ዘይሕጎስን ከም ዘይሕበንን ገሊጹ።

እንተኾነ፡ ንትራምፕ "ግልጺ መጠንቀቕታ" ድሕሪ ምሃብ ዝተወስደ ስጉምቲ ምዃኑ ኣብሪሁ።

"ብትዊተርን ብደገን ኣብ ኣካላዊ ድሕነት ስግኣት ክበጽሕ ከም ዝኽእል ዘመላኽት ርጡብ ሓበሬታ ተሞርኲስና ኢና ስጉምቲ ወሲድና" ይብል ዶርሲ።

እዚ ስጉምቲ ግን፡ ኣብ ናጻን ግልጽን ኢንተርነት ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል ኣይሓብአን።

"እቲ ስጉምቲ ስምዒት ተጠቀምቲ ዝተኸፋፈለ ክኸውን ገይሩ'ዩ። ከፋፊሎምና'ዮም . . . በዚ ኸኣ ሓደገኛ ምዃኑ ይስምዓኒ"።

ትዊተር፡ ገለ ተጠቀምቲ፣ ልጣፋትን ጽሑፋት ትዊተርን ክጠፍኡ ምግባሩ መሰላት ናጻ ሓሳብ ዝጻባእ'ዩ ብዝብል ነቐፌታ ይበጽሖ ነይሩ።

ይኹን'ምበር እዚ ዓብዪ ኩባኒያ ቴክኖሎጂ መንግስታዊ ዘይኮነ ናይ ውልቂ ትካል ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ በቶም ሕግታት ናጻ ሓሳብ ከም ዘይግዛእ ገሊጹ።

ብሰኑይ ወሃቢት ቃል ቻንስለር ጀርመን ኣንጌላ መርከል እቲ እገዳ ማሕበራዊ ሚዲያ "ጸገም ኣለዎ" ኢላ።

ፕሬዝደንት ሜክሲኮ'ውን "ዋላ ሓደ ሰብ ሳንሱር ክግበር ኣይፈቱን" ኢሉ።

ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ቃለ መሓላ ዝፍጽም ሓድሽ ፕሬዝደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ከም ትዊተርን ፌስቡክን ዝበሉ ኩባኒያታት ስኑዕ ሓበሬታን ጽልኣታዊ ዘረባታትን ንክንክዩ ክሰርሑ ከም ዝግባእ ተዛሪቡ።

ብኻልእ ወገን፡ ኩባኒያታት ማሕበራዊ ሚዲያ ብልጣፋት ተጠቀምቲ ተሓተትቲ ንከይኾኑ ዝከላኸል ሕጊ ክስርዞ ከም ዝኾነ ገሊጹ'ዩ።