ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ትሕቲ ኣይ ኤስ ኣብ ዝነበራ ግዝኣታት ዒራቕ ዑደት ይገብሩ

ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ትሕቲ ኣይ ኤስ ኣብ ዝነበራ ግዝኣታት ዒራቕ ዑደት ይገብሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ዒራቕ ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ታሪኻዊ ጉዕዞ፡ ብጥሩፍ ጉጅለ ኣይ ኤስ ተታሒዘን ናብ ዝነበራ ግዝኣታት ዒራቕ ምብጻሕ ይገብር ኣለዉ።

እቶም ዕጡቓት፡ ኣብ 2014፡ ነዘን ግዝኣታት ምስተቖጻጸሩ ታሪኻዎ ኣብያተ ክርስትያናት ኣዕንዮምን ዘሚቶምን እዮም።

ኣይ ኤስ ኣብ 2017 ተሳዒሩ ነቲ ቦታታት ምስገደፈ፡ ኣመንቲ ክርስትና ናብ'ቲ ከባቢ ምምላስ ጀሚሮም።

እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ኤርቢል ኣብ እትበሃል ከተማ ኣብ ዝርከብ ስታድየም ክሳብ 10,000 ሰባት ኣብ ዝርከብሉ ጸሎት ክገብሩ ትጽቢት ይግበር።

እቲ ስነ ስርዓት ጸሎት፡ ንዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ምኽንያት ከይኸውን ዝብል ስግኣት ኣሕዲሩ'ሎ።

ኣብ ዒራቕ ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናህሪ ስለዘርኣየን፡ ብሰንኪ ስግኣታት ጸጥታን፡ እዚ ዑደት ጳጳስ ፍራንሲስ ዛጊድ ካብ ዝተገብሩ ዘሻቕል ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ።

እቶም ወዲ 84 ዓመት መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ካልኦት ምስኦም ዘለዉን ኩሎም ክታበት ዝወሰዱ'ኳ እንተኾኑ፡ ዒራቕ ግን ፈላማይ ክታበታ ገና ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ሰሙን እያ ተረኪባ።

ገለ ዕጡቓት ሺዓ፡ ምብጻሕ ጳጳስ ፍራንሲስ ኢድ ኣእታውነት ምዕራባውያን ሃገራት ዘርእይ እዩ ክብሉ ተቓዊሞምዎ ኣለዉ።

እቶም ጳጳስ፡ ሎሚ ሰንበት ኣብ'ታ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ኣይ ኤስ ዝነበረት ከተማ ሞሱል ዑደት ዝገብሩ ኮይኖም፡ ብሰንኪ'ቲ ኩናት ንዝሞቱ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ኣብ ቤተክርስትያን ተረኺቦም ጸሎት ክገብሩሎም ትጽቢት ኣሎ።

ቀጺሎም ድማ፡ ናብ'ቲ ብኽፋል ዝፈረሰ ዝዓበየ ናይ ዒራቕ ቤተክርስትያን ክበጽሑ እዮም።

ምስ ምብጻሕ እቶም ጳጳስ ተተሓሒዙ ኣስታተ 10 ሽሕ ኣባላት ጸጥታ ተዋፊሮም ኣለዉ፡ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ተባሂሉ'ውን ሰዓታት እቶ እቶ ተኣዊጁ'ሎ።

ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ትሕቲ ኣይ ኤስ ኣብ ዝነበራ ግዝኣታት ዒራቕ ዑደት ይገብሩ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ጳጳስ ፍራንሲስ እንታይ መልእኽቲ የሕልፉ ኣለዉ?

ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ብዓርቢ ኣብ ባቕዳድ ካብ ዝበጽሑ ኣትሒዙ፡ ጥሩፍነት ክተርፍ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።

ናይቶም ኣብ ዒራቕ ቁጽሮም ዝንኪ ዘሎ ኣመንቲ ክርስትና ምሉእ መሰልን ናጽነትን እናጎልሐ ክመጽእ ይግባእ ድማ ኢሎም።

ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ምስቲ መራሒ ሚልዮናት ተኸተልቲ ሺዓ እስልምና ዝኾነ ኣያቶላህ ዓሊ ኣል-ሲስታኒ ኣብ ከተማ ናጃፍ ኣብ ዝተራኸቡሉ ድማ፡ ኣመንቲ ክርስትና ከም ካልኦት ዒራቓውያን ብሰላምን ብውሕስነትን ክነብሩ ክኽእሉ ኣለዎም ኢሎም።

ክልቲኦም ን 50 ደቓይቕ ዝኣክል ዝተዛተዩ ኮይኖም፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከይገበሩ ክዘራረቡ ተራእዮም።

ቀጺሎም ድማ፡ ጳጳስ ፍራንሲስ ትውልዲ ዓዲ ኣብርሃም ምዃና ኣብ እትግለጽ ጥንታዊት ከተማ ኡር ዑደት ገይሮም።

ኣመንቲ ክርስትና ዒራቅ ክሳብ ክንደይ ንሓደጋ ዝተቓልዑ እዮም?

ናይ ዒራቕ ኣመንቲ ክርስትና፡ ኣብ ዓለምና ካብ ዘለዉ ኣዝዮም ጥንታውያን ኣመንቲ ክርስትና ማሕበረሰባት እዮም።

ኣመንቲ ክርስትና ዒራቕ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ብዝሖም ካብ 1.4 ሚልዮን ናብ 250,000 ጎዲሉ'ሎ።

በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ'ታ ሃገር፡ ብዝሖም ትሕቲ ሓደ ምኢታዊት እዩ።

ኣብ 2003 ናይ ኣመሪካ ሰራዊት ንሳዳም ሑሴን ካብ ስልጣኑ ምስኣለዮ፡ ኣብ'ታ ሃገር ብሰንኪ ዘጋጠመ ቅልውላው፡ ብዙሓት ንሃገሮም ገዲፎም ተሰዲዶም እዮም።