ዒራቕ፡ ኣባላት ማሕበረሰብ ያዚዲ 104 ግዳያት ጨፍጫፍ ኣይኤስ ቀቢሮም

ኣስክሬን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ ብእስላማዊ ጉጅለ [ኣይኤስ] ብዘስካሕክሕ ኩነታት ዝተጨፍጨፉ ኣባላት ማሕበረሰብ ያዚዲ ኣስክሬኖም ናብ ትውልዲ ዓዶም ብምውሳድ ብኽብሪ ክዓርፍ ተገይሩ።

እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ብ2014 ነቲ ከባቢ ክቆጻጸሮ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ተኸተልቲ እስልምና ዝኸኑ ያዚዲ ጃማላዊ ጨፍጫፍ ፈጺሙ'ዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣስክሬን 104 ኣባላት ማሕበረሰብ ያዚዲ ካብቲ ብጃምላ ዝተቐበርሉ ቦታ ወጺኡ ናብ ትውልዲ ዓዶም ዝኾነ ሰሜን ዒራቕ ተወሲዱ ብኽብሪ ክዓርፍ ተገይሩ ኣሎ።

እቲ ኣስክሬን፡ ኣብ ጥቓ ጎቦ ሲንጃር ኣብ ውሽጢ ክልል ኒነቫህ እትርከብ ኮቾ ዝተባህለት ገጠር ዓዲ እዩ ዓሪፉ።

ጉጅለ ኣይኤስ ነቲ ከባቢ ኣብ ዘመሓድረሉ እዋን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደቂ ተባዕትዮ ያዚዲ ብግፍዒ ክጭፍጨፉ እንከለው፡ ህጻናት ጊላ ኮይኖም ከገልግሉ ተገይሩ'ዩ፤ ብኣሽሓት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ተዓሚጸን።

ኣብ ሓዘን ዘላ ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣብ ልዕቲ እቲ ማሕበረሰብ ዝፈጸሞ ተግባር ፈተነ ምጽናት ዓሌት'ዩ ክብል ኣዊጁ'ዩ።

እዞም ሕጂ ኣስክሬኖም ዝተኣከበ 104 ኣባላት ማሕበረሰብ ያዚዲ ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ ኮይኖም ኣይኤስ ብ2014 ዝቐንጸሎም'ዮም።

እቲ ኣስክሬን ብሓሙስ ኣብ ባግዳድ ስነ ስርዓት ዝኽሪ ከም ዝተገብረሉ'ውን ተገሊጹ ኣሎ።

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ማሕበረሰብ ያዚዲ ሚርዛ ዲናዪ እቲ ኣስክሬን ኣኪብካ ብኽብሪ ክዓርፍ ምግባር ንስድራ ግዳያት ናይ መጀመርታ ስጉምቲ ኮይኑ ቀጺሉ ድማ ግፍዒ ዝተፈጸመን ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ካሕሳ ክረኽቡ ከም ዝግበር ተዛሪቡ።

ማሕበረሰብ ያዚዲ፡ ኣብ ሰሜን ዒራቕ ዝነብሩ ተኸተልቲ እምነት ያዚዲ ኮይኖም ቑጽሮም ኣስታት ፍርቂ ሚሊየን ክበጽሕ ከም ዝኽእል ይግመት።

እዚ ሃይማኖት፡ ጥምረት እምነታት ጥንታዊ ዞሮስትሪያኒዝምን ጥንታዊ ሜሶፖታሚያን ኮይኑ፡ መብዛሕትኦም ስርዓታት እቲ እምነት ድማ ናይ እስልምናን ጥንታዊ ክርስትናን ዝመስል ትሕዝቶ ኣለዎም።

ብመሰረት ሃይማኖት ያዚዲ ሓደ ሰብ ያዚዲ ኮይኑ ይውለድ እምበር ካብ ካልእ ሃይማኖት ናብ ያዚዲነት ክቕይር ኣይኽአልን።

ናይ መወዳእታ መቕጻዕቲ ተኸታሊ እቲ እምነት፡ ካብ ውሽጢ እቲ ማሕበረሰብ ምስጓግ'ዩ። እዚ እቲ ኣዝዩ ዝፈርሑዎ መቕጻዕቲ ኮይኑ ዝኾነ ዓይነት ስቓይን መከራን እናበጽሖም'ውን ሃይማኖቶም ዓቂቦም ይጸንሑ እምበር ናብ ካልእ ሃይማኖት ኣይቕይሩን።

ተኸተልቲ ሃይማኖት ያዚዲ፡ ኣምላኽና ንዝብሉዎ 'መልኣክ ታውስ' ኣብ መዓልቲ ሓሙሽተ ግዜ ይሰግዱ።

ናይዚ መልኣክ ታውስ ካልእ ሽሙ ሸይጣን'ዩ። እዚ ብዓረብኛ ሸይጣን ካብ ዝብል ትርጉም ስለ ዝተራኸበ ኣይኤስ ኣባላት ማሕበረሰብ ያዚዲ ንሰይጣን ዘምልኹ ገይሩ ብጌጋ ግዳያት ገይሩዎም'ዩ።

ኣይኤስ፡ ብግልጺ ንያዚዲ "ኣምለኽቲ ሰይጣን" ኢሉ ዝጽውዖም ኮይኑ በዚ ምኽንያት ከቢድ ግፍዒ ኣውሪዱሎም'ዩ።

ኣይኤስ ንሰሜን ዒራቕ ኣብ ዝወረረሉ እዋን 360 ሽሕ ኣባላት ማሕበረሰብ ያዚዲ ካብ ቤት ንብረቶም ኣመዛቢሎም እዮም።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ክልተ ሽሕ ህጻናት ናይ ኣይኤስ ግፍዒ ዝርኣዩ ኮይኖም፡ ሕጂ ኣብ ከቢድ ስነ ልቦናውን ኣካላውን ጉድኣት ዝርከቡን እኹል ክትትል ዘይተገብረሎምን እዮም ይብል።

ማሕበረሰብ ያዚዲ፡ ካብ ሰሜን ዒራቕ ብተወሳኺ ኣብ ሶርያን ቱርክን ይርከቡ።