ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኣቡሳላማ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሞዛምቢክ ሞይቶም ተረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, O PAIS
ኣስታት 100 ኣቡሳላማ (ዶልፊን) ኣብ ገማግም ሓንቲ ካብ ደሴታት ሞዛምቢክ ሞይቶም ተረኺቦም።
ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ዛጊት ኣይተፈልጠን። ተወሰኽቲ ኪኢላታት ናብታ ደሴት ከይዶም ምህላዎም ሚኒስትሪ ኣከባቢ እታ ሃገር ሓቢሩ'ሎ።
ብሰንበት ገለ ሬሳታት ናይቶም ፍሉጣት ዓይነት ዓሳ ኣብ ገማግም ደሴት ባዛሩቶ ንፈለማ እዋን ተራእዩ። ትማሊ ሰሉስ ድማ ካልኦት 86 ኣብቲ ገማግም ተረኺቦም።
እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝኽሰት ሓያል ንፋስ ዝተሓወሶ ማዕበል ባሕሪ ሓደ ካብ ጠንቅታት እንተኾይኑ ንምርግጋጽ ኪኢላት መርመራታት የካይዱ ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ጉዋምበ ዝተባህለ ሓያል ህቦብላ ባሕሪ ኣብ ማያት ናይታ ደሴት ተኸሲቱ ምንባሩ ሓላፊ ሃገራዊ ሕዛእቲ ደሴታት ባዛሩቶ ቶማስ ማናሰ ተዛሪቡ።
ኣቡሳላማ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝኣትውሉ እዋን፡ ንመራሒኦም ተኸቲሎም ናብ ገማግም ከምዝጽግዑ ይፍለጥ።
እቲ ዛጊት ተኻይዱ ዘሎ መርመራ፡ ኣብ ቆርበት፡ መልሓስን መዓናጡን ናይቶም ዓሳታት ዝኾነ ጸገም ከምዘይረኸበ እቲ ሓላፊ ጠቒሱ። ተወሳኺ ቅምሶታት ናብቲ ኣብ ርእሰከተማ ማፑቶ ዝርከብ ቤተፈተነ ተሰዲዱ ከምዘሎ'ውን ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ 52 ዝሞቱ 'ዶልፊናት' ኣብ ገማግም ደሴታዊት ሃገረ ሞሪሽየስ ተረኸቦም ነይሮም።
እቲ ናይ ሽዑ ሓደጋ በታ ኣብቲ ገማግም ተሸኺላ ንማያት ናይቲ ከባቢ ዝበከለት ናይ ነዳዲ መርከብ ዝሰዓበ'ዩ ክብሉ ተጣበቕቲ ኣከባቢ ይኸሱ።
ይኹን እምበር ወኪል ቢቢሲ ኣብታ ሃገር ከምዝበሎ፡ ብሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ ዝተገብረ መርመራ ከምዘነጽሮ፡ ሞት ናይቶም 52 ዓሳታት ብሓደ 'ባሮትሮማ' ዝተባህለ "ክስተት" ዝሰዓበ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ጠንቂ ናይቲ ክስተት ብሰንኪ ሃንደበት ዝፍጠር ጸቕጢ ምዃኑ ይግለጽ።
"እዚ ዝተፈላለዩ ረቋሒታት ክህልውዎ ዝከኣል'ዩ። ወታሃደራዊ ሶናር፡ ኣብ ትሕቲ ማይ ዝኽሰት ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ነተጒቲ ወይ እሳተ-ጎመራ" ዝበሉ ጠንቅታት ዝፈጥርዎ ክኸውን ከምዝኽእል እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







