ስኮትላንድ፡ ልዕሊ ሓደ ኩንታል ጉሓፍ ኣብ ከብዱ ዝተረኸቦ ዓሳ ነባሪ

ናብ ገምገም ተደፊኡ ዝወጽአ ዓሳ ነባሪ

ምንጪ ስእሊ, Dan parry

መግለጺ ስእሊ, ናብ ገምገም ተደፊኡ ዝወጽአ ዓሳ ነባሪ

እዚ ኣብ ስኮትላንድ ወሽመጥ ሃይሪስ ሞይቱ ዝተረኸበ ዓሳ ነባሪ ልዕሊ ሓደ ኩንታል ጉሓፍ ኣብ ከብዱ ከም ዝጸንሐ ተገሊጹ።

ሰኪዐት መግፈፊ ዓሳ፡ ገመድ፡ ጎማታት መዐሸጊ መግቢ ቦርሳን ብፕላስቲክ ስተሰርሐ መስተዩ ማይን ገለ ካብቲ ኣብ ከብዲ እዚ ዓሳ ዝጸንሐ ጉሓፍ እዩ።

ተመራምቲ፡ እቲ ኣብ ከብዲ እቲ ዓሳ ነባሪ ዝጸንሐ ጉሓፍ ጠንቒ ሞት እቲ ዓሳ ምኻኑ ኣብ ምጽራይ ከም ዘለዉ ብምግለጽ፡ ብከላ ማያዊ ኣካል ጠንቒ ሞት ብዙሓት እንስሳታት ባሕሪ ይኸውን ምህላዉ ጠቒሶም።

ዳን ፓሪ ተቐማጢ ሉስከንታየር ኮይኑ ኩነታት እዚ ዓሳ ነባሪ ምስ ረኣየ "ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ፡ እዚ ኹሉ ብሰብ ዝተደርበየ ጉሓፍ ካብ ከብዲ እዚ ዓሳ ነባሪ ክወጽእ ምስ ረኣኻ ንፈጥሮ ዘለና ዕንወት ክሳብ ክንደይ ኣባዳሚ ምዃኑ ይበርሃልካ" ኢሉ።

"ኣብዚ ገማግም ብቐጻሊ እየ ዝንቐሳቐስ፡ መትሓዚ ዝኾነኒ ፕላስቲክ ሒዘ ኸኣ ሰባት ዝደርበይዎ እቲ ዝበዝሐ ምስ መግፈፊ ዓሳ ዝተሓሓዝ ጉሓፍ ኣርየ ይእርንቦ" ይብል።

ዳን ፓሪ ብምስዓብ "እዚ ኹሉ ብቐሊሉ ክውገድ ዝኽእል እዩ ነይሩ፡ ብሓፈሻ ግን ኣብ ማያዊ ኣካል ዝስዕብ ዘሎ ብከላ ነዚ ካብ ከብዲ እዚ ዓሳ ነባሪ ዝወጽአ ጉሓፍ ብምርኣይ ክንርዳእ ንኽእል ኢና" ይብል።

ገለ ካብቲ ዓሳ ነባሪ ዝወጽአ ጉሓፍ

ምንጪ ስእሊ, Dan Parry

መግለጺ ስእሊ, ገለ ካብቲ ዓሳ ነባሪ ዝወጽአ ጉሓፍ

እዚ ኣብ ከብዲ እቲ ዝሞተ ዓሳ ነባሪ ዝተረኸበ ልዕሊ ሓደ ኩንታል ጉሓፍ፡ ካብ ናይ ባሕርን መሬትን ኢንዱስትሪ ዝተደርበየ ጉሓፍ ምኻኑ'ዮም ዕቓበ ባሕሪ ስኮትላንድ ዝሕብሩ።

ኣብ ስኮትላንድ መጠን ሞት ዓሳ ነባርን ዶልፊንን ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናዛየደ ይኸይድ ከም ዘሎ ኸኣ ይሕበር።

ኣብ 2009 ሞት ኣስታት 204 ዶልፊን ክምዝገብ እንከሎ፡ ኣብ 2018 ግን ናብ 930 ክብ ኢሉ ብምህላዎ ንብዙሓት ኣብ ሃብቲ ባሕሪ ዝግደሱ ስኮትላዳውያን ሻቕሎት ፈጢርሎም ይርከብ።