ኣብ ኣውስትራልያ ልዕሊ 90 ዓሳ ነባሪ ሞይቶም ተረኺቦም

ኣብ ኣውስትራልያ ልዕሊ 90 ዓሳ ነባሪ ሞይቶም ተረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, EPA

ብሰኑይ ኣብ ታስማንያ ዝተብሃለ ክፋል ኣውስትራልያ ካብኦም ናብ ገምገም ዝወጽኡ 270 ዓሳ ነባሪ እቶም ልዕሊ 90 ሞይቶም ከም ዝተረኸቡ ሰራሕተኛታት ዕቃበ ባሕሪ ሓቢሮም።።

ሰራሕተኛታት ዕቃበ ባሕቲ እቲ ከባቢ ብሕይወት ዘለዉ ንምልላይን ሓገዝ ንምብርካትን ይረባረቡ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ’ሎ።

እቶም ብዕስለ ዝሞቱ ዓሳ ነባሪ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝሞቱ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈለጠን ዘሎ።

ብገማገም ታስማንያ ኣብ 2009 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) እውን ኣስታት 200 ዓሳ ነባሪ ሞይቶም ከም ዝተረኸቡ ዝዝከር እዩ።

ሰራሕተኛታት ዕቃበ ባሕሪ ታስማንያ ነዚኦም ዝሞቱ ዓሳ ነባሪ ኣብ ሰለስተ ጉጅለ ፋሕ ኢሎም ሞይቶም ከም ዝረኸብዎም’ዮም ዝገልጹ።

እቲ ቦታ ብዙሕ መራኽብ ዘይንቀሳቐሳሉን ብመሬት መራኸቢ ዝኸውን ጽርግያ ስለ ዘይብሉን ነቶም ሰራሕተኛታት ግድል ከም ዝኾኖም ይሕብሩ።

እቶም ኣብቲ ስራሕ ዝተዋፈሩ ኣስታት 40 ሰራሕተኛታት ዕቓበ ባሕሪ ነቶም ብሕይወት ዝጸንሕዎም ዓሳታት ብሓገዝ መሳርሒ እናደፍኡ ናብቲ ዝዓሞቐ ክፋል ማይ እዮም ዘብጽሕዎም።

ብኸምዚ ከኣ ነቶም ዝበዝሑ ከድሕንዎም ከም ዝኽኣሉን እቲ ስራሕ ነዊሕ ሰዓታት ከም ዝወሰደን ሓቢሮም።

ሓደ ካብቶም ኣብቲ ስራሕ ተዋፊሩ ዘሎ ተመራማሪ እንስሳ ዘገዳም ዶክቶር ክሪስ ካርልዮን፡ "ገለ እዞም ዓሳታት ንምሉእ ካብቲ ማይ ተደፊኦም ወጺኦም እዮም። ገለ ድማ ዝበዝሐ ኣካሎም ብማይ ዝተሸፈነ ኣሎ። ነዚኦም ደፊእካ ናብቲ ዝዓሞቐ ክፋል ምብጻሕ ዝቐለለ ስለዝኾነ ከምኡ ኢና ንግበር ዘለና” ኢሉ።

እዞም ዓሳታት ብኸመይ ናብቲ ገማግም ከም ዝወጽኡ ክሳብ ሕጂ እኳ ዝተፈለጠ ነገር የለን።

ዶክተር ክሪስ ግን “እዞም ዓይነታት ኣነባብኦም ማሕበራዊ እዩ፤ መራሕቲ ኣለውዎም ንዐኦም ተኸቲሎም ከኣ ይኸዱ። ተወሳኺ መጽናዕቲ እኳ ዘድልዩ እንተኾነ፡ እቶም መራሕቶም ናብዚ ገማግም ምስ ኣምርሑ ተኸቲለሞም ኣትዮም ሑጻ ዝሓዞም ኮይኑ ይስምዓኒ” ኢሉ።

መግለጺ ቪድዮ, ገልዒ በለስ ላስቲክ'ውን ይኸውን እዩ!