ገማግም ባሕሪ ሞሪሽየስ ብላሕኵ ነዳዲ ይብከል ኣሎ

ገማግም ባሕሪ ሞሪሽየስ ብላሕኵ ነዳዲ ይብከል ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Social media

ሰብ መዚ ሞሪሽየስ ሓንቲ ናይ ፓናማ ባንዴራ ዘለዋ ነዳዲ ዝጽዓነት መርከብ ዶብ ደቡባዊ ምብራቕ እታ ሃገር ጥሒሳ ብምእታው ነዳዲ ተልሑኽ ስለ ዘላ ናይ መጠንቐይታ መልእኽቲ ኣሕሊፎም።

እዛ ኤም ቪ ዋካሽዮ ዝተሰምየት መርከብ ነዳዲ ከተልሑኽ ምስ ጀመረት እቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ካብታ መርከብ ከም ዝወረዱ መግለጺ ሚኒሰትሪ ከባቢ ሞሪሽየስ ሓቢሩ።

በቲ ላሕኲ ነዳዲ ከባቢታት ብሉ በይ፣ ፓይነት ዲኢሰንኒ ማህቦርግን ከም ዝተበከለ ብምሕባር ህዝብን ገፈፍቲ ዓሳ ናብቲ ከባቢ ከይንቀሳቐሱ ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

እቲ ሚኒስትሪ፡ “እቲ ኣዝዩ ተኣፋፊ ዝኾነ ቦታታት ራምሳር፡ ፓይንት ዲኢሰነን እቲ ነዳዲ ኣጸቢቑ ከይብክሎ መከላኸሊ ገይርናሉ ኣለና” ኢሉ።

ሞሪሽየስ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምጅማሩ በቲ ኣዝዩ ጽሩይ ዝኮነ ገማግም ባሕራ መስሕብ በጻሕቲ ዝኾነት ሃገር እያ ነይራ።

ብተወሳኺ ማያዊ ኣካላት ሞሪሽየስ ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ዓሳ ፍሉጥ ኮይኑ ሓንቲ ካብተን ብብዝሒ ቱና ናብ ወጻኢ ሰደድ ዝገብራ ሃገር እያ።

ክኢላታት፡ እዚ ላሕኵ ነዳዲ ንገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ብኸቢድ ክሃስዮ ከም ዝኽል እዮም ዝገልጹ ዘለዉ።

እዛ ኤም ቪ ዋካሽዮ ዝተሰምየት መርከብ ልዕሊ 200 ቶን ነዳድን ልዕሊ 3800 ቶን ጭቃ ነዳድን እያ ጽዒና ዘላ።