ዓሶ፡ ጽግዕተኛ ታህዋስያን ንመድሃኒት ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ምምዕባሉ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓሶ ዘመሓላልፍ ጽግዕተኛ ታህዋስያን ንመድሃኒት ዓሶ ዝኾነ ኣርተሙሲኒን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ የጥሪ ምህላው ኣብ ርዋንዳ ዝተኻደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።
እዚ ርኽበት እዚ ናይ መጀመርታ ምኳኑ ድማ ኣቃልቦ ስሒቡ ይርከብ።
እቲ ‘ፓብሊሽ ኢን ኔቸር’ ዝተሰመየ መጽናዕቲ እቲ ጽግዕተኛ ታህዋስያን ንመድሃኒት ዓሶ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ኣርተሙሲኒን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ኣጥርዩ ምህላዉ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ሰብ ሞያ ሓቢሮም።
እቶም ተመራመርቲ “እዚ ንጥዕና ደቂ ሰባት ኣዝዩ ኣስጋኢ ክስተት’ዩ፤ ብፍላይ ድማ ንኣፍሪቃ” ኢሎም ኣለዉ።
እዚ መጽናዕቲ ኣብ ርዋንዳ ካብ ዝርከቡ ሕሙማት ቅምሶ ብምውሳድ ብምትሕብባር ኣብ ርዋንዳ ዝርክብ ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማም ዓሶ፡ ውድብ ጥዕና ዓለምን ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምብያን ተኻይዱ።
ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ ካብ 257 ሕሙማት ኣብ 19 ሕሙማት እቶም ታህዋስያን ነቲ መድሃኒት ሕማም ዓሶ ዝኾነ ኣርትምሲኒን ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ኣጥርዮም ተረኺቦም።
ፍልቀት ጽግዕተኛ ታህዋስያን
እቶም ጽግዕተኛ ታህዋስያን ንመድሓኒት ዓሶ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ምጥራዮም፡ “ጠንቂ ኣብ 1980ታት ብሕማም ዓሶ ናይ ዝሞቱ ሚልዮናት ኣፍሪቃውያን ንሱ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ናብ ዝብል ጥርጣረ ኣምሪሕዎም ምህላዉ እቶም ተመራመርቲ ገሊጸም።
ክሎሮኵን ዝተበሃለ መድሃኒት ሕማም ዓሶ ምስ ተረኸበ፡ ተመራመርቲ እቲ ሕማም ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ዓመታት ጠቅሊሉ ዝጠፍእ መሲልዎም ነይሩ።
እንተኾነ ካብ 1950ታት ጀሚሩ እቲ ጽግዕተኛ ታህዋስያን ንዝተሰርሑ መድሃኒታት ዓሶ ተጻዋርነት ከጥሪ ጸኒሑ’ዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሕማም ዓሶ ኣርተሚሲኒን ከምኡ ድማ ፓይፕራኵን ብዝብሃሉ ክልተ መድሃኒታት እዩ ዝፍወስ ዘሎ።
እቲ ጽግዕተኛ ታህዋስያን ግን ድሕሪ 2008 ንመጀምርታ ግዜ ንኣርተሚሲኒን ናይ ምጽዋር ባህሪ ከም ዘጥረየ ሕጂ ክረጋገጽ ክኢሉ።
እዞም ተመራመርቲ እዚ ጽግዕተኛ ታህዋስያን ኣብ ምጽዋር እዚ መድሃኒት ቅልጡፍ ምዕባለ ከየርኢ’ሞ ሕማም ዓሶ ሞት ብዙሓት ሰባት ከየስዕብ ስግኣቶም ይግልጹ ኣለዉ።
ኣብ 2018 ካብቶም ብሕማም ዓሶ ካብ ዝሞቱ ልዕሊ 400,000 ሰባት እቶም 90 ሚኢታዊት ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ’ዮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







