ኣብ ሚያንማር ተቓውሞን ሓያል ወተሃደራዊ ሓለዋን ከምዘሎ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ሚያንማር እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ጥቡቕ ሓለዋ ይገብር ከምዘሎ ተፈሊጡ።
እቲ ሓለዋ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕልዋ መንግስቲ ተቓዊሞም ናብ ኣደባባይ ዝወጽኡ ዒላማ ዝገበረ እዩ።
እቲ ኣብ መላእ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ታሸዓይ መዓልቱ ኣቑጺሩ ኣሎ።
ኣብታ ሃገር ድማ ኢንተርኔት ዝተቛረጸ ኾይኑ፡ ኣብ ሰሜናዊት ግዝኣት እታ ሃገር ካቸን፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ተኹሲ ከፊቶም ተባሂሉ።
በዓል መዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ 'እቲ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኲናት ኣዊጁ' ክብል ከሲሱ።
ኣብ ሚያንማር፡ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቶም ኣንድሪው፡ ንመራሕቲ እቲ ሰራዊት ተሓታቲ ከምዝገብር ድማ ወሲኹ ተዛሪቡ።
ሃገራት ምዕራብ፡ ኣብታ ሃገር ብዝርከቡ ኢምባሲታተን ኣቢለን፡ ነቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣጠንቂቐን ኣለዋ።
ሕብረት ኣውሮጳ፣ ኣመሪካ፣ ብሪጣንያን ብናይ ሓባር ፊርማ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ "እቲ ሰራዊት ሓይሊ ካብ ምጥቃም ክቑጠብን፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕጋዊ መንግስቲ ዕልዋ ምፍጻሙ ድማ ንቃወም" ይብል።
ኣብ ልዕሊ ብኣን ሳን ሱ ቺ ዕልዋ መንግስቲ ዘካየደ እቲ ሰራዊት፡ እቲ ፓርቲ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ምርጫ ስዒረ እንተበል'ኳ፡ እቲ ሰራዊት ግን እቲ መረጻ ምትላል ነይርዎ እዩ ዝብል።
ኣን ሳን ሱ ቺ፡ ኣብ መንበሪ ገዛኣ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወት ኮይና፡ ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ይርከቡ።
ካብ መንጎ እቶም ኣብ ቀይዲ ዘለዉ፡ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ይርከብዎም።
ቐጻሊ ተቓውሞታት
ኣብ መላእ ሃገር ብኣማኢቲ ኣሻሓት ዝቑጸሩ፡ ሰልፊ ተቓውሞ ወጺኦም ይርከቡ። ሚትኪና ኣብ እትበሃል ከተማን ካልኦት ከተማታትን ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ተኲሱ ከፊቶም ተባሂሉ።
ብፍላይ ያንጎን ኣብ ዝተብሃለት ከተማ፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ወተሃደራዊ ተሸከርከርቲ ኣዳልዩ፡ ኣብ ጎደናታት ወጺኡ ነታ ከተማ ኣብ ምሕላው ይርከብ።
ኣብዛ ከተማ፡ ነቲ ተቓውሞ ዝመርሕዎ ዘለዉ፡ መነኮሳትን ማሃንዲሳትን እዮም።
ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኔይ ፒይ ታው ድማ፡ እቲ ተቓውሞ ንመዓልታት ጸኒሑ ኣሎ።
ሰራሕተኛታት ቴሌኮም፡ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ካብ ሰኑይ ክሳብ ሰንበት ጠጠው ከብሉ ተነጊርዎም ኣሎ።
ሓደ ኣብታ ርእሰ ከተማ ዝርከብ ዶክተር ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ገዛ ገዛ ተፍትሽ ክገብር ጀሚሩ ኣሎ።
"ካብ ምሸት ሰዓት 2 ጀሚሩ ክሳብ 11 ኣዋጅ እቶ እቶ ስለዝተኣወጀ ፈሪሐ ኣለኹ። እዚ ሰዓት ፖሊስ ከምዚ ከማይ ዝበሉ ሰባት ዝኣስርሉ እዋን እዩ።
ቅድሚ መዓልታት ናብ ዝኾነ ገዛ ሰይሮም ኣትዮም ሰብ ኣሲሮም ኣለዉ።"
ኤምባሲ ኣመሪካ ዜጋታቱ ካብ ገዘኦም ከይወጽኡ መጠንቐቕታ ኣውጺኡ ኣሎ።
እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ተቓወምቲ ናይ መእሰሪ ትእዛዝ ከምዘውጸአ እዩ ዝንገር። ህዝቢ ጉልባብ ከይኸውን ድማ ኣጠንቂቑ።
ገለ ነበርቲ ፖሊስ ናብ ገዛውቶም እንትኣትዉ፡ ድስቲ ብምቕጥቃጥ ድምጺ ከምዘስምዑ ዘርኢ ምስሊ ኣሎ።
እቲ ሓደ ሰብ ን24 ሰዓታት ጥራይ ብዘይ ፍርዲ ይእሰር ዝብል'ውን ከምዝተጣሕሰ ይዝረብ።
እንታይ እዩ ኣጓኒፉ ነይሩ
እቲ ዕልዋ ዘካየደ ሰራዊት፡ ኮምሽን ምርጫ እታ ሃገር፡ ኣብቲ ኣብ ሕዳር ዝተኻየደ ምርጫ ኣብ ዝርዝር መረጽቲ ዝነበረ ሓላፍዘላፍነት ብዘይ ምምርማሩ ነቒፍዎ።
እቲ ኮምሽን፡ ግና ሰፊሕ ምትላል ምንባሩ ንዝገልጽ ክሲ ዘረድእ ጭብጢ ከም ዘየሎ እዩ ዝገልጽ።
ኣብቲ ምርጫ ኣን ሳን ሱ ቺን እትመርሖ ሰልፍን ብሰፊሕ ከምዝተዓወተ እዩ'ቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ዊን ሚንት ዝርከቦም ሳን ሱ ቺን ላዕለዎት መራሕቲ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ደሞክራሲን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ካብ ዝኣትው ልዕሊ ሓደ ሰሙን ኮይኑ ኣሎ።
ከም ብሓድሽ ብዝቐውም ኮምሽን ምርጫ ዝምራሕ ምርጫ ክካየድ ምዃኑን ሰራዊት ነቲ ዝተዓወተ ኣካል ስልጣን ከም ዘረክብን ጀነራል ሚን ኦንግ ሂላይን ተመባጺዑ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







