ሚያንማር፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣብ ልዕሊ ዕልዋ መንግስቲ ዘካየዱ መራሕቲ ሚያንማር እገዳ ኣንቢራ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ ዕልዋ መንግስቲ ዘካየዱ መራሕቲ ሚያንማር (በርማ) እገዳ ኣንቢሩ።
እቲ ስጉምቲ ንወተሃደራውያን መራሕቲ፡ ኣባላት ስድራቤቶምን ምስኦም ርክብ ዘለዎም ንግዳዊ ንጥፈታትን ዘነጻጸረ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ብዘይካ’ዚ እታ ሃገር ካብ ኣሜሪካ እትርከቦ 1 ቢልዮን ዶላር፡ ኣብ ኢድ እቶም ወተሃደራት ከይበጽሕ ንምክልኻል ስጉምቲታት ይውሰዱ ምህላዎም ተፈሊጡ።
እቲ እገዳ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ነቲ ዕልዋ ንምቅዋም ኣብ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ብጥይት ኣብ ርእሳ ዝተሃርመት ጓልኣንስተይቲ ኣብ ሆስፒታል ከተማ ናይፒታው ትሳቐ ኣብ ዘላትሉ እዋን'ዩ ዝኸውን ዘሎ።
ሚያ ትወ ትወ ኪያንግ፡ ብሰሉስ ፖሊስ ማይ ብምንጻግ፡ ፕላስቲክ ጠያይቲን ጥይትን ብምትኳስ ሰልፈኛታት ንምብታን ኣብ ዝፈተነሉ እዋን እያ ተሃሪማ።
ሚያ ብጥይት ከም ዝተሃርመት ጉጀለታት ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰራዊት ሚያንማር ብምርጫ ንዝተዓወተ መንግስቲ ኣን ሳን ሱቺ ብምዕላው ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ወላ’ኳ ሰባት ከይተኣኻኸቡ ቀይድታትን ሰዓት እቶ እቶን እንተኣወጀ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ተቓውሞታቶም የስምዑ ኣለው።
ብሰንኪ እቲ ፖሊስ ዝወስዶ ዘሎ ጎነጽ ዝተሓወሶ ስጉምትታት ብርክት ዝበለ መቑሰልቲ ከም ዘጋጠመ ጸብጻባት ይገልጹ፤ ዛጊት ዝሞተ የለን።
ባይደን እንታይ እዩ ጠለቡ?
ባይደን እቲ ብዕልዋ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ስልጣኑ ከረክብን ተኣሲሮም ዝርከቡ ኣን ሳን ሱ ቺ እትርከቦም ሲቪላውያን መራሕቲ ክፍትሑን ጸዊዑ።
ኣድላዪ እንተኾይኑ ተወሳኺ ስጉምቲ’ውን ክውሰድ ከም ዝኽእል ብምግላጽ፡ “ህዝቢ በርማ ድምጹ የስምዕ ኣሎ፤ ዓለም’ውን ትዕዘቦ ኣላ” ኢሉ።
ባይደን ወሲኹ “ተቓውሞታት እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ደሞክራስያዊ መሰሎም ዝጥቀሙ ዘለው ጎንጺ ምጥቃም ቅቡል ኣይኮነን፤ ደው ክብል ድማ ጻውዒትና ክንቅጽል ኢና” ኢሉ።
ወላ’ኳ ገለ ወተሃደራውያን መራሕቲ በርማ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣስላም ሮሂንጃ ዝተፈጸመ ግፍዒ ኣብ ጸሊም መዝገብ ሰፊሮም እንተሃለው፡ ምምሕዳሩ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዙርያ እገዳ ኣብ ዒላማ ዝኣትው ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ከነጽር ምዃኑ’ውን ገሊጹ።
ባይደን ኣብ መፋርቕ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ስልጣን ካብ ዝሕዝ እዚ ናይ ፈለማ ዘንበሮ እገዳ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን ኩነታት ሚያንማር እንታይ ይመስል?
ሰልፍታት ተቓውሞ ቀጺሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሰራዊት ሃንደበታዊ መጥቃዕትታትን ማእሰርትን ቀጺሉ ኣሎ።
ኣብ ዝደሓረ እዋናት ካብ ዝተኣሰሩ፡ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ሰብ መዚ ኮምሽን ምርጫን ይርከብዎም።
እቲ ሰራዊት፡ ኣብቲ ሰልፊ ኣን ሳን ሱቺ፡ ኤንኤልዲ፡ ብሰፊሕ ዝተዓወተሉ ምርጫ ምትላል ምንባሩ ይኸስስ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብታ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ንዝገዝአ ወተሃደራዊ መሪሕነት ብምቅዋም ኣብ 1988 ከምኡ'ውን ኣብ 2007 ኣብ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ተቓውሞ፡ ብዙሓት ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ተቐቲሎም እዮም።
ኣብ 1988፡ 3 ሽሕ ሰልፈኛታት ክሞቱ እንከለው፤ ኣብ 2007 ድማ 30 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ምንባሮም ይፍለጥ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







