ኣብ ሓድሽ መንግስቲ ሱዳን ንዘሎ ፍልልይ ዘቃልዐ መምሃሪ መጽሓፍ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ንነዊሕ ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ ፕረዚደንት ዑመር ኣል-በሽር ድሕሪ ምእላዩ ዝተርኣየ ዳንኬራ፡ ስራሓት ምሕያል ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምትእትታው ዓቢ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ።
እንተኾነ፡ ኣብቲ ገለ ሃይማኖታዊ ስእልታት ዝሓዘለ ሓድሽ ካሪክለም ተፈጢሩ ዘሎ ግጥም፡ እቲ ግዚያዊ መንግስቲ ስዒብዎ ንዘሎ ኣሰካፊ መገዲ ዘቃልዕ ኮይኑ'ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ሓደ መስጊድ ኣብ ዝነበረ ናይ ዓርቢ ጸሎት፡ ሓደ ኢማም፡ "ኣላህ፡ ኣላህ፡ ኣላህ" ድሕሪ ምባል፡ እቶም ኣብቲ መስጊድ ዝነበሩ ሰብኡት፡ ናይቲ ውሩይ ቀባኢ ሚካኤል ኣንጀሎ ቅብኣ 'ፍጥረት ኣዳም' ኣብቲ ሓድሽ ዝተዳለወ ናይ ታሪኽ መምሃሪ መጽሓፍ ምክታቱ ተቓውሞኦም ከስምዑ ጸዊዑ።
ኢማም መሓመድ ኣል-ኣሚን ኢስማዒል፡ እቲ ኣብ ቤተክርስትያን ሲስቲን ቻፕል ቫቲካን ዝርከብ ቅብኣ ናይ መናፍቓን ምዃኑ ይኣምን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ኢማም፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዜና ሱና፡ ሓደ ካብቶም ኣማዕበልቲ እቲ ሓድሽ ካሪክለም ምስ ዝኾነ ዑመር ኣል-ቃራይ ቃለ መሕትት ብምግባሩ'ውን ነቒፉ።
ዑመር ኣል-ቃራይ ንኣረሜንን ኣምላኽ ኣልቦነትን ከም ዘሰጉም እቲ ኢማም ይኸስስ።
ድሕሪ ዘረባ እቲ ኢማም፡ ብዙሓት ደገፍቲ በሽር ዝኾኑ ኢማማት፡ ኣንጻር እቲ ሓድሽ ካሪክለምን ኣል-ቃራይን ጎስጓስ ንምጅማር ምስኡ ሓቢሮም ኣለው።
ኣባልት ስድራ ኣል-ቃራይ ናይ ሞት ምፍርራሓት ብደብዳበ ከም ዝበጽሖም ሓቢሮም።
ብድሕሪ'ዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ እቲ ሓድሽ ካሪክለም ንግዚኡ ክውንዘፍ ኣዚዙ።
ኣባል እቲ ገስጋሳዊ ትርጓመ እስልምና ዝኽትል ጉጅለ 'ሪፓብሊካዊ ኣሕዋት' ዝኾነ ኣል-ቃራይ፡ ተቓውሞኡ ንምግላጽ ካብቲ ካሪክለም ናይ ምምዕባል ስራሓት ንርእሱ ከም ዘግለለ ኣፍሊጡ።
ንሱ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ንዕኡን ንኻልኦት ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ዕሽሽ ብምባል ነቶም ጥሩፋት ደገፍቲ ኣል-በሽር ዝኾኑ ጉጅለታት እስልምና ጥራይ ከም ዝሰምዐ ይነግር።
ንታሪኽ መበል 19 ክፍለ ዘመን ሱዳን ብኸመይ ክዝንቶ ከም ዘለዎ'ውን ዘይምርድዳእ ኣሎ።
እቲ ዝቕጽል ወለዶ እንታይ ክመሃር ይግባእ ዝብል ምጉት ኣብቲ ሓድሽ መንግስቲ ዝርከቡ ዝተፈላለየ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ወጥሪ ፈጢሩ ኣሎ።
ገለ ኣባላት ናይቶም ኣብ ገለ እዋን ምስ ኣል-በሽር ርክብ ዝነበሮም ዕጡቓት ጉጅለታት ዝነበሩ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ካሪክለም ንምውንዛፍ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ብሓጎስ ተቐቢሎምዎ ኣለው።
ንኣብነት ደቁ ኣብ ኖርዌይ ዝርከቡ ኣባል ምንቅስቓስ ፍትሕን ማዕርነትን ዝኾነ ሱሌማን ሳንዳል፡ ንሓምዶክን ነቲ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ሚኒስተር ፋይናንስ ኮይኑ ዝተመዘዘን ንደቁ ኣብ ብሪጣንያ ካብ ሃይማኖት ነጻ ዝኾነ ትምህርቲ ክመሃሩ ዝገብርን ዘሎ ጅብሪል ኢብራሂም ደጊፉ ኣሎ። እንተኾነ ግና ብኣምስሉነት ይኽሰስ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስርዓት ሸሪዓ ፈለማ ኣብ መስከረም 1983 ኣብ እዋን ፕረዚደንት ጃፋር ኑመሪ እዩ ናብ ሕጊ ሱዳን ተኣታትዩ። እቲ ፖሊሲ ሓደ ካብ ቀንዲ ምኽንያታት ናይቲ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር (ኣብዚ እዋን ሃገረ ደቡብ ሱዳን) ንነዊሕ ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ እዩ።
ብድሕሪኡ ኣብ እዋን እቲ ብደሞክራስያዊ መገዲ ዝተመረጸ ሳድቕ ኣል-ማህዲ፡ እስላማዊ ሕጊ ንሰለስተ ዓመታት ተወንዚፉ እኳ እንተነበረ፡ ኣል-በሽር ኣብ 1989 ብእስላማዊ ሰልፊ ተሓጊዙ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ምስ ሓዘ ዳግማይ ተግባራዊ ኮይኑ።
እቲ ንኣል-በሽር ዝተክአ ግዚያዊ መንግስቲ ሱዳን ነቲ ዘየሰማምዕን ምስ ዕጡቓት ደቡብ ኮርዶፋን ቀንዲ ምኽንያት ጎንጺ ዝኾነን ጉዳይ ሸሪዓ ንምፍታሕ ምዕጥይጣይ የርኢ ኣሎ።
ካብቶም ዕጡቓት እቲ ብቐንዲ ዝጥቀስ፡ ኤስፒኤልኤም-ኤን (SPLM-N) ኮይኑ፡ መንግስቲ ካብ ሃይማኖት ነጻ ብዝኾነ መገዲ ነቲ ጉዳይ ክርእዮ ይሓትት።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ መንግስቲ ምስ እስላማውያን ይመሻጠር ከም ዘሎ ብምኽሳስ ኣብ መንጎ ካልኦት ውድባት ንዝተበጽሐ ናይ ሰላም ስምምዕ ነጺግዎ።
ብዙሓት ኣመንቲ ክርስትናን ኣስላም ዘይኮኑ ህዝብን ኣብ ዝርከቡሉ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ኤስፒኤልኤም-ኤን (SPLM-N) ምእንቲ እቶም ፖለቲካውን ቁጠባውን ተነጽሎ ዝበጽሖም ወገናት ይቃለስ።
ብከፊል ዝተላዕለ እገዳ ኣልኮላዊ መስተ
እቲ ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ገለ ለውጥታት ገይሩ'ሎ።
ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣቢሉ፡ ወላ'ኳ ንኣመንቲ እስልምና ሕጂ'ውን ክልኩል እንተኾነ፡ ኣስላም ዘይኮኑ ሰባት መስተ ክሰትዩ ንዘየፍቅድ ሕጊ ኣልይዎ'ዩ።
ገለ ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ ግና፡ ካብ ካርቱም ውጽእ ኢልካ ኣብ ዘርከቡ ከባቢታት ንዝሰኸሩ ሰባት ምግራፍን ምእሳር ኣልኮል ዘዳልው ሰባትን ኣየቋረጸን ኣሎ።
መራሕቲ ኤስፒኤልኤም-ኤን (SPLM-N) መሰላት ኩላቶም ብፍላይ ድማ ኣስላም ዘይኮኑ ሰባት ኣብ ሱዳን ዝኽበር፡ ካብ ሃይማኖት ነጻ ዝኾነ መንግስቲ ብምምስራት ምዃኑ ይኣምኑ።
በዚ መገዲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ፍትሓዊ ዝኾነ ዝርግሐ ሃብትን ሓይልን ዘረጋግጽ ቁጠባዊ ፕሮግራም ክዳሎ ከምዝኽእል ይገልጹ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







