ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ንመራሕቲ ዕጡቓት ነበር ዘካተተ ሓድሽ ካቢነ መስሪቱ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፡ ኣብ ሓድሽ ካቢነኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ስምምዕ ሰላም ካብ ዝኸተሙ ሸውዓተ መራሕቲ ዕጡቓት ነበር ምርቁሑ ተገሊጹ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝያዳ ኣሳታፊ ዝኾነ መንግስቲ ንምምስራት ዝሓለፈ ሰንበት እዩ ነቲ ዝጸንሐ ካቢነ ኣፍሪሱ።
ክልተ ሚኒስተራት ካብ ሰራዊት ክምረጹ እንከለው፤ ካልኦት መብዛሕትኦም ካብቲ ንዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ዝኣለየ ሰልፍታት ተቓውሞ ዝመርሕ ዝነበረ ሓልታት ንነጻነትን ለውጥን እዮም።
እታ ሃገር ብልዑል መጠን ቁጠባዊ ዝቑባበን ሕጽረት መግብን ነዳድን ኣብ ወጥሪ ኣብ እትርከበሉ ዘላ እዋን፡ መዝነት ሚኒስተር ፋይናንስ ንገዲም መራሒ ዕጡቓት ዝነበረ ክኢላ ስነቁጠባ ጅብሪል ኢብራሂም ተዋሂቡ ኣሎ።
ጓል እቲ ናይ መወዳእታ ብደሞክራስያዊ ምርጫ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዝነበረ ሳዲቕኣል-ማህዲ፡ ዝኾነት ሚርያም ኣል-ሳዲቕኣል-ማህዲ ሚኒስተር ጉዳይት ወጻኢ ክተኸውን ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ረቝሕዋ ኣሎ።
ኣብ ተኣፋፊ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ምዃን ከቢድ ፈተና ምዃኑ ይግለጽ።
ካልኦት ወተሃደራት’ውን ኣብ ካቢነ ሓምዶክ ምህላዎም ናይቲ ንሱዳን ናብ ደሞክራሲ ንምስግጋር ኣብ መንጎ ሰራዊትን ሲቪላውያንን እታ ሃገር ዝተበጽሐ ስምምዕ ከምቲ ዝተወጠኖ ይኸይድ ምህላው ዘርኢ ምዃኑ ይግለጽ።
ዓብደላ ሓምዶክ መን እዩ?
- ብ1956 ኣብ ሱዳን ግዝኣት ኮርዶፋን ተወሊዱ
- ካብ ዩንቨርሲቲ ማንቸሰተር ብመጽናዕቲ ስነ-ቁጠባ ፒኤችዲ ኣለዎ
- ኣብ 1990ታት፡ ኣብ ዙምባብዌ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ዓለምለኻዊ ትካል ሰራሕተኛታት፡ ጽንሕ ኢሉ ድማ ኣብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ስነ ቁጠባ ኮይኑ ኣብ ኣይቮሪ ኮስት ኣገልጊሉ
- ካብ 2011 ጀሚሩ፡ ምክትል ዋና ጸሓፊ ኮሚሽን ቁጠባ ኣፍሪቃ (ኢሲኤ) ኮይኑ ሰሪሑ







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







