ኣሜሪካ 1.2 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ንሱዳን ክትህብ እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ዝምለስ ምዃኑ ዝተገለጸ 1.2 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ንሱዳን ክትህብ ከም ዝተሰማምዐት ተገሊጹ።
እቲ ገንዘብ ሱዳን ምስ ብንክ ዓለም ንዘለዋ ዕዳ ንምቅላል ከም ዝውዕል ጸሓፊ ማእከን ገንዘብ ኣሜሪካ ስቲቨን ሙንቺን ሓቢሩ።
ንሱ ኣሜሪካ ንሱዳን ካብ "መዝገብ መወልቲ ግብረሽበራ" ድሕሪ ምድምሳሳ ንፈለማ እዋን ናብ ሱዳን ኣብ ዝገበሮ መገሻ እዩ ነቲ መግለጺ ዝሃበ።
ሙንቺን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክን ኣቦ መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ሌተናል ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃንን ከም ዝተራኸበን ዝዘተየን'ውን ተገሊጹ።
ንነዊሕ ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ ዑመር ኣልበሽር ብህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ 2019 ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ፡ ብኣብደላ ሓምዶክን ሌተናል ጀነራል ኣልቡርሃንን ዝምራሕ መንግስቲ እዩ ነታ ሃገር ዘመሓድር ዘሎ።
ሙንቺን ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ምስ መንግስቲ ሱዳን ናይ መረዳድኢ መዘክረ ውዕል ሰነድ ከም ዝኸተሙን እቲ ቅድመ ኩነት እንተተማሊኡ፡ ድማ ሱዳን ካብ ባንክ ዓለም ናይ ከባቢ 1.2 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ክትናገፍ ዘኽእላ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ጸሓፊ ኣብ መንጎ ሱዳን ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ርክባት ፍትሓውን ማዕረን ደገፋት ንምሃብ ኣመልኪቱ ከም ዝተዘራረበ'ውን ተገሊጹ።
ሙንቺን ቅድሚ ናብ ሱዳን ምምርሑ ኣብ ካይሮ ናይ ክልተ መዓልትታት ምብጻሕ ምግባር ምስ ፕረዚደንት ኣብደል ፋታሕ ኣል ሲሲን ሚኒስተር ሃብቲ ማይን መስኖን ዶክተር መሓመድ ኣብደል ኣቲ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ከም ዝተዘራረበ ክፍሊ ማእከን ገንዘብ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







