ኢትዮጵያ ትርከበን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓድሽ ወራር ኣንበጣ ኣንጸላልዩወን ተባሂሉ

ሓይልታት ጸጥታን ህዝብን ኣብ ምክልኻል ወራር ኣንበጣ

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያን ሰሜናዊ ኬንያን ዝተራእየ ሓድሽ ዕስለ ኣንበጣ ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይዝጋሕ ከም ዘሎ ትካል መግብን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ኣፍሊጡ።

ፋኦ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ እዋናዊ ሓበሬታ፤ እቶም ገና ዘይዓበዩ ዕስለ ኣንበጣ ካብቶም ቅድሚ ሎሚ ዝራብሑሎም ዝነበሩ ከባብታት ምብራቕ ኢትዮጵያን ማእኸላይ ሶማሊያን ናብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከምኡ'ውን ናብ ሰሜናዊ ኬንያን ገማግም ግዝኣታታን ይዝርግሑ ከም ዘለዉ ገሊጹ።

"ዛጊት እቶም ዘይባጽሑ ዕስለ ዋጂር፣ ጋሪሳ፣ ማርሳቢትን ኢስዮሎን ኣብ ዝበሃለ ኣርባዕተ ግዝኣታት ተራእዩ'ሎ" ዝበለ መግለጺ ፋኦ ምርባሕ ቀጺሉ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ገለ ካብቲ ዕስለ ኣብ ኬንያ ከም ዝዝርግሑን ኣብዚ ወርሒ ናብ ታንዛኒያ፣ ደቡብ ሱዳንን ዩጋንዳን ከም ዝኣትውን ድማ ኣጠንቂቑ።

ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብቲ ዞባ ከቢድ ስግኣት ውሕስና መግቢ ከንጸላሉ ገይሩ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብቢልዮናት ዝግመቱ ኣንበጣ ሞሮር ኣብቲ ዞባ ንዝነበረ ኣእኻል ኣብሪሶም'ዮም።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

በዚ ዝተሃሰያ ሃገራት መጽናዕቲ ኣብ ምግባር ኮነ ዝርግሐን ምርባሕን እቲ ነፍሳት ኣብ ምቁጽጻር ኣገዳሲ ጻዕሪ ክገብራ ትካል መግቢን ሕርሻን ዓለም ጸዊዑ'ሎ።

"እቶም ዕስለ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናብ ማእኸላይ ኬንያ ምናልባት'ውን ናብ ደቡብ ምብራቕን ሰሜን ምብራቕን ታንዛኒያ፣ ምብራቓዊ ዩጋንዳ፣ደቡብ ምብራቕ ደቡብ ሱዳን ክበጽሑ ይኽእል እዮም" ይብል ፋኦ።

ዕስለ ኣንበጣ ዝሰጉግ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዛጊድ ድማ ገና ዘይዓበዩ ኣንበጣ ብ8 ጥሪ ናብ ሰሜን ምብራቕ ታንዛኒያ ምብጽሖም ጸብጻባት ኣመልኪቶም ኣለዉ።

"እቶም ኣንበጣታት ኣብ ዝምቹ ቦታ ምስ ዓለቡ ክባጽሑን እንቋቖሖ ከውድቑን እዮም፤ እዚ ድማ ተጫጪሑ ኣብ ለካቲትን መጋቢትን ዕስለ ከኸትል'ዩ" ክብል የጠንቅቕ ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት።