ኢትዮጵያ ትርከበን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓድሽ ወራር ኣንበጣ ኣንጸላልዩወን ተባሂሉ

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያን ሰሜናዊ ኬንያን ዝተራእየ ሓድሽ ዕስለ ኣንበጣ ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይዝጋሕ ከም ዘሎ ትካል መግብን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ኣፍሊጡ።
ፋኦ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ እዋናዊ ሓበሬታ፤ እቶም ገና ዘይዓበዩ ዕስለ ኣንበጣ ካብቶም ቅድሚ ሎሚ ዝራብሑሎም ዝነበሩ ከባብታት ምብራቕ ኢትዮጵያን ማእኸላይ ሶማሊያን ናብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከምኡ'ውን ናብ ሰሜናዊ ኬንያን ገማግም ግዝኣታታን ይዝርግሑ ከም ዘለዉ ገሊጹ።
"ዛጊት እቶም ዘይባጽሑ ዕስለ ዋጂር፣ ጋሪሳ፣ ማርሳቢትን ኢስዮሎን ኣብ ዝበሃለ ኣርባዕተ ግዝኣታት ተራእዩ'ሎ" ዝበለ መግለጺ ፋኦ ምርባሕ ቀጺሉ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ገለ ካብቲ ዕስለ ኣብ ኬንያ ከም ዝዝርግሑን ኣብዚ ወርሒ ናብ ታንዛኒያ፣ ደቡብ ሱዳንን ዩጋንዳን ከም ዝኣትውን ድማ ኣጠንቂቑ።
ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብቲ ዞባ ከቢድ ስግኣት ውሕስና መግቢ ከንጸላሉ ገይሩ'ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብቢልዮናት ዝግመቱ ኣንበጣ ሞሮር ኣብቲ ዞባ ንዝነበረ ኣእኻል ኣብሪሶም'ዮም።
በዚ ዝተሃሰያ ሃገራት መጽናዕቲ ኣብ ምግባር ኮነ ዝርግሐን ምርባሕን እቲ ነፍሳት ኣብ ምቁጽጻር ኣገዳሲ ጻዕሪ ክገብራ ትካል መግቢን ሕርሻን ዓለም ጸዊዑ'ሎ።
"እቶም ዕስለ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናብ ማእኸላይ ኬንያ ምናልባት'ውን ናብ ደቡብ ምብራቕን ሰሜን ምብራቕን ታንዛኒያ፣ ምብራቓዊ ዩጋንዳ፣ደቡብ ምብራቕ ደቡብ ሱዳን ክበጽሑ ይኽእል እዮም" ይብል ፋኦ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዛጊድ ድማ ገና ዘይዓበዩ ኣንበጣ ብ8 ጥሪ ናብ ሰሜን ምብራቕ ታንዛኒያ ምብጽሖም ጸብጻባት ኣመልኪቶም ኣለዉ።
"እቶም ኣንበጣታት ኣብ ዝምቹ ቦታ ምስ ዓለቡ ክባጽሑን እንቋቖሖ ከውድቑን እዮም፤ እዚ ድማ ተጫጪሑ ኣብ ለካቲትን መጋቢትን ዕስለ ከኸትል'ዩ" ክብል የጠንቅቕ ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







