ነፋሪት መገዲ ኣየር ስሪዊጃያ ኢንዶኔዥያ ድሕሪ ምብጋሳ ተሰዊራ

ነፋሪት መገዲ ኣየር ስሪዊጃያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ኢንዶኔዥያ ልዕሊ 50 ገያሾ ዝጸዓነት ነፋሪት ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ርእሰ ከተማ ጃካርታ ድሕሪ ምብጋሳ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ደሃይ ኣጥፊኣ ኣላ።

እቲ ነፋሪት መገዲ ኣየር ስሪዊጃያ ዝኾነት ቦይንግ 737 ናብቲ ኣብ ዞባ ምዕራብ ካሊማንታን ዝርከብ ከተማ ፖንትያናክ ትበርር ምንባራ ሰብ መዚ ሓቢሮም።

ንበረራታት ዝከታተል መርበብ ሓበሬታ Flightradar24.com ከም ዝሓበሮ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ሓደ ደቒቕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ልዕሊ 3000 ሜተር ኣንቆልቂላ ነይራ።

ናይ ህይወት ኣድሕን ጻዕርታት ይካየድ ምህላው ድማ ሚኒስትሪ መጉዓዝያ ናይ'ታ ሃገር ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ምስታ ነፋሪት ዝተገብረ ናይ መወዳእታ ርክብ ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት 14፡40 ምንባሩ እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ተዋሂቡ ዘሎ ሓበሬታ እታ ነፋሪት ዓይነታ ከምተን ቅድሚ ሕጂ ክልተ ዓበይቲ ሓደጋታት ዝገጠመን ቦይንግ 737 ማክስ ኣይኮነትን። እታ ነፋሪት 27 ዓመታት ዘገልገለት ቦይንግ 737-500 እያ።

ናይ ውሽጢ ሃገር በረራታት ኣገልግሎት ዝህብ መገዲ ኣየር ስሪዊጃያ፡ ብዛዕባ እቲ በረራ ሓበሬታታት ይኣኻኽብ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ካብቲ ኣብ ቦይንግ 737 ማክስ ዘጋጠመ ክልተ ሓደጋታት: እቲ ቀዳማይ ኣብ ጥቅምቲ 2018 ኣብ ነፋሪት መገዲ ኣየር ላየን ኢንዶኔዥያ ዘጋጠመ ኮይኑ በቲ ሓደጋ 189 ሰባት ሞይቶም እዮም።