ቦይንግ ካብ በረራ ዝተኣገዳ ነፈርቱ ናብ ኣገልግሎት ንምምላስ ባዕሉ ኣብረርቲ ይቖጽር ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኩባንያ ቦይንግ ናብ መገዲ ኣየራት ዝዋፈሩን ነተን ካብ በረራ ተኣጊደን ዝጸንሓ 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ብዝሓሸ ኩነታት ናብ በረራ ኣብ ምምላስ ዘተሓባብሩን 160 ፓይለታት ቆጺሩ።
እቶም ኣብረርቲ ን35 መዓልታት ብምውፋር፡ ከም ኣሰልጠንትን ተዓዘብቲ ክፍሊ ጋቤና ነፋሪትን ኮይኖም ክሕግዙ እዮም።
ቦይንግ 737 ማክስ ብድሕሪ'ቶም ንሕልፈት 346 ሰባት ምኽንያት ዝኾኑ ክልተ ሓደጋታት ምውዳቕ ነፈርረቲ፡ ካብ በረራ ተኣጊዳ ምጽንሓ ይዝከር።
ኣብ ብራዚል ዝርከብ መገዲ ኣየር ጎል ድማ ነታ ዓይነት ነፋሪት ናብ ኣገልግሎት ዝመለሰ ፈላሚ መገዲ ኣየር ኮይኑ'ሎ።
"737 - 8 ከምኡ'ውን 737-8 [ዓይነት ነፈርቲ] ውሑስ ብዝኾነ መገዲ ናብ በረራ ንምምላስ ምስ ዓለምለኸ ተቖጻጸርትን ዓማዊልን ብቐረባ ምስራሕና ክንቕጽለሉ ኢና" ኢሉ ቦይንግ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።
ሮይተርስ ከምዝጸብጸቦ፡ እቶም ዝቑጸሩ ፓይለታት ንዓመታዊ መሃያ ዝመጣጠን ክፍሊት ክረኽቡ እዮም።
ዝቑጸሩ ፓይለታት ከኣ 1000 ሰዓታት ዝኣክል ናይ ኣሰልጣንነት በረራ ተሞክሮ ዘለዎም ከምኡ'ውን "ሓደጋ ዘየጋጠሞም፣ ተጓንፎ ዘይብሎም፣ ጥፍኣትን ጥሕሰታትን ዘይፈጸሙ" ክኾኑ ከምዝግበር ተገሊጹ'ሎ።
እቶም ብቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝግበሩ በረራታት ድማ ሸውዓቲኡ መዓልታት ምሉእ 24 ሰዓታት ክትትል ክግበረሎም'ዮ።
ናይ መገዲ ኣየር 'ላየን ኤይር' ነፋሪት ዝኾነት ቁጽሪ በረራ 610 ካብ ጃካርታ ምስተበገሰት ኣብ ጥቅምቲ 2018 ክትወድቕ ከላ፤ ብተመሳሳሊ ብመገዲ ኣየር እትውነን ቁጽሪ በረራ 302 ኣብ ወርሒ መጋቢት 2019 ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስተበገሰት ሓደጋ ምውዳቕ ኣጋጢምዋ።
እታ ዓይነት ነፋሪት ናብ ኣገልግሎት ቅድሚ ናብ በረራ ምምላሳ ኣብ ናይ መቆጻጸሪ ሶፍትዌትን ካልእን ምምሕያሽ ከምዝተገበረላ ቦይንግ ይገልጽ።
ኤጅንሲ ድሕነት ኣቪየሽን ሕብረት ኣውሮጳ ግን ቦይንግ 737 ማክስ ናብ ኣገልግሎት ንኽትምለስ ዝሃቦ መረጋገጺ የለን።
ክሳብ ወርሒ ጥሪ ግን መረጋገጺ ፍቓድ ክህብ ትጽቢት ኣሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







