ትራምፕ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ሶማሊያ ክወጽኡ ኣዚዙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕሬዝደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ክሳብ 15 ጥሪ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ሶማሊያ ክወጽኡ ኣዚዙ።
ኣመሪካ፡ ንኣልሸባብን ዕጡቓት ዳዕሽን ዝዋግኡ ኣስታት 700 ወተሃደራት ኣብ ሶማሊያ ኣለውዋ።
ሰብ መዚ ኣመሪካ፡ ገለ ካብቶም ወተሃደራት ናብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ክግዕዙ ምዃኖምን፡ እዚ ድማ ዶብ-ሰገር ስርሒታት ክፍጽሙ ከምዘኽእሎምን ይሕብሩ።
ኣብ ቀረባ ሰሙናት፡ ፕሬዝደንት ትራምፕ ኣብ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ዝነበሩ ወተሃደራት ኣመሪካ ቁጽሮም ክጎድል ኣዚዙ’ዩ።
ብተወሳኺ፡ ወተሃደራዊ ምትእትታው ኣመሪካ ወጻእታት ዝበዝሖን ውጽኢታዊ ዘይኮነን እዩ ክብል ነቒፉ እዩ።
ፔንታጎን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እዚ ኣብ ፈለማ 2021 ተፈጻሚ ዝኸውን ምውጻእ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ሶማልያ፡ ኣብ ፖሊሲ ኣመሪካ ለውጢ ከምዘሎ ዘርኢ ኣይኮነን ኢሉ።
“ኣብ ውሽጢ ሓያል ንሕንሕ ኮይንና ስትራቴጂካዊ ረብሓና ንምዕቃብን ንሃገርና ስግኣት ዝኾኑ ጥሩፋት ሓይልታት ምቅላስ ክንቕጽል ኢና” ይብል።
እንተኾነ፡ ኣመሪካ ወተሃደራታ ካብ ሶማልያ ምስሓባ ኣብ ቀጠና ምብራቕ ኣፍሪቃ ዕጡቓት ክበዝሑ ዝገብር እዩ ክብሉ ሰብ ሞያ ስግኣቶም ይገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ተቖጻጸርቲ መንግስቲ ኣመሪካ እቶም ወተሃደራት ካብ ሶማሊያ ክወጽኡ የብሎምን ዝብል ምኽሪ ለጊሶም ነይሮም።
ሓገግቲ ሶማሊያን ሰበ ስልጣንን ብወገኖም፡ ምስሓብ ወተሃደራት ኣመሪካ፡ ግብረ ራዕዳውያን ክውስኹን ኣዕናዊ ኩነታት ክፍጠርን ዝገብር እዩ ኢሎም።
ፔንታጎን፡ እቶም ኣብ ሶማሊያ ዝተረፉ ኣብ ሞቓድሾ ክዕስክሩ ምዃኖም ሓቢሩ።
ሶማሊያ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ፖለቲካዊ ርግኣት ኣይነበራን።
እንተኾነ፡ ምስ ኣኽባሪ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ብምትሕብባር፡ ንሞቓድሾን ካልኦት ከባቢታትን ካብ ኣልሸባብን ምስ ኣልቃዒዳ ርክብ ካብ ዘለዎምን ዕጡቓትን ናጻ ከተውጽእ ክኢላ እያ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







