ብመጥቃዕቲ ኢራን ዝቖሰሉ ወተሃደራት ኣመሪካ 109 በጺሖም

ኢራን ሕነ ኣብ ልዕሊ ቅትለት ጀነራል ቃሶኢም ሱሌማን ሕነ ንምፍዳይ ዝፈነወቶ መጠቃዕቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኢራን ሕነ ኣብ ልዕሊ ቅትለት ጀነራል ቃሶኢም ሱሌማን ሕነ ንምፍዳይ ዝፈነወቶ መጠቃዕቲ

ኣብ ዒራቅ ኣብ ወተሃደራዊ ነቑጣ ኣመሪካ፡ ካብ ኢራን ብዝተፈነወ መጥቃዕቲ፡ ዛጊድ 109 ወተሃደራት ናይ ሓንጎል መጉዳእቲ [መቑሰልቲ] ከምዘጋጠሞም ፔንታጎን ኣሚኑ።

እዚ ቁጽሪ ቅድም ክብል ፔንታጎን ካብ ዘፍለጦ 64 ወተሃደራት ዳርጋ ዕጽፊ እዩ ኾይኑ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድማ፡ በቲ ዝተፈነወ መጥቅዕቲ ዋላ ሓደ ወተሃደር ኣይተጎድአን ምባሉ ዝዝከር እዩ።

ኢራን እቲ ብ8 ጥሪ 2020 ዘካየደቶ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥዕቃዕቲ፡ ኣመሪካ ናይ ኢራን የማን ኢድ ዝኾነ ጀነራል ምቕታላ ስዒቡ እዩ።

እቲ ወጥረት ድማ፡ እናተጎሃሃረ መጺኡ ነይሩ።

እንተኾነ፡ 70 ሚኢታዊ ካብቶም መቑሰልቲ ዝበጽሖም ወተሃደራት ዝተፈላላየ ሕክምናዊ ሓገዝ ምስተገበረሎም ናብ ስርሖም ከምዝተመለሱ፡ እቲ ካብ ፔንታጎን ዝወጽአ መግለጺ የመልክት።

ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ (ፔንታጎን) ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ እዚ ናይ ሓንጎል መጉዳእቲ እናጸንሐ ዝልለይ ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ።

ሓደ ሪፑብሊካን ኣባል ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ዝርዝር መግለጺ ክወሃቦም ሓቲቱ።

እቲ ኣባል ባይቶ ኣብ ትዊተሩ፡ "እቶም ኣብ ኢራን ተዋፊሮም ዘለዉ ሓይልታትና ካብኡ ንላዕሊ'ውን ጉድኣት በጺሑዎም ከይኸውን፡ ክንሕብሕቦም ይግባእ" ብምባል እቲ "ዝተሸፋፈነ" ነገር ክጸሪ ሓቲቱ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዛዕብኡ ዝተሓተተ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ትሮማቲክ ብሬይን ኢንጁሪ [TBIs] እናተብሃለ ዝጽዋዕ እዚ ናይ ሓንጎል መቑሰልቲ፡ ክንድዚ ዝኣክል ዝጋነን መጉዳእቲ ኣይኮነን ክብል ኣቕልል ኣቢሉ እዩ ምላሽ ሂቡ ነይሩ።

"ኣብ ዝሓለፈ ምስ ዝረእኹዎ መቑሰልቲ እንትነጻጸር፡ እዚ ከም ዓብይ ነገር ገይረ ኣይወስዶን" ኢሉ።

እዚ ናይ ትራምፕ ምላሽ ግን ንብዙሓት ዝወሓጠሎም ኣይኮነን።

ብመጥቃዕቲ ኢራን ዝዓነወ ወተሃደራዊ ናቑጣ ኣመሪካ [ኣል ኣሳድ]
መግለጺ ስእሊ, ብመጥቃዕቲ ኢራን ዝዓነወ ወተሃደራዊ ናቑጣ ኣመሪካ [ኣል ኣሳድ]