ብመጥቃዕቲ ኢራን ዝቖሰሉ ወተሃደራት ኣመሪካ 109 በጺሖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዒራቅ ኣብ ወተሃደራዊ ነቑጣ ኣመሪካ፡ ካብ ኢራን ብዝተፈነወ መጥቃዕቲ፡ ዛጊድ 109 ወተሃደራት ናይ ሓንጎል መጉዳእቲ [መቑሰልቲ] ከምዘጋጠሞም ፔንታጎን ኣሚኑ።
እዚ ቁጽሪ ቅድም ክብል ፔንታጎን ካብ ዘፍለጦ 64 ወተሃደራት ዳርጋ ዕጽፊ እዩ ኾይኑ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድማ፡ በቲ ዝተፈነወ መጥቅዕቲ ዋላ ሓደ ወተሃደር ኣይተጎድአን ምባሉ ዝዝከር እዩ።
ኢራን እቲ ብ8 ጥሪ 2020 ዘካየደቶ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥዕቃዕቲ፡ ኣመሪካ ናይ ኢራን የማን ኢድ ዝኾነ ጀነራል ምቕታላ ስዒቡ እዩ።
እቲ ወጥረት ድማ፡ እናተጎሃሃረ መጺኡ ነይሩ።
እንተኾነ፡ 70 ሚኢታዊ ካብቶም መቑሰልቲ ዝበጽሖም ወተሃደራት ዝተፈላላየ ሕክምናዊ ሓገዝ ምስተገበረሎም ናብ ስርሖም ከምዝተመለሱ፡ እቲ ካብ ፔንታጎን ዝወጽአ መግለጺ የመልክት።
ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ (ፔንታጎን) ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ እዚ ናይ ሓንጎል መጉዳእቲ እናጸንሐ ዝልለይ ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ።
ሓደ ሪፑብሊካን ኣባል ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ዝርዝር መግለጺ ክወሃቦም ሓቲቱ።
እቲ ኣባል ባይቶ ኣብ ትዊተሩ፡ "እቶም ኣብ ኢራን ተዋፊሮም ዘለዉ ሓይልታትና ካብኡ ንላዕሊ'ውን ጉድኣት በጺሑዎም ከይኸውን፡ ክንሕብሕቦም ይግባእ" ብምባል እቲ "ዝተሸፋፈነ" ነገር ክጸሪ ሓቲቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዛዕብኡ ዝተሓተተ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ትሮማቲክ ብሬይን ኢንጁሪ [TBIs] እናተብሃለ ዝጽዋዕ እዚ ናይ ሓንጎል መቑሰልቲ፡ ክንድዚ ዝኣክል ዝጋነን መጉዳእቲ ኣይኮነን ክብል ኣቕልል ኣቢሉ እዩ ምላሽ ሂቡ ነይሩ።
"ኣብ ዝሓለፈ ምስ ዝረእኹዎ መቑሰልቲ እንትነጻጸር፡ እዚ ከም ዓብይ ነገር ገይረ ኣይወስዶን" ኢሉ።
እዚ ናይ ትራምፕ ምላሽ ግን ንብዙሓት ዝወሓጠሎም ኣይኮነን።
![ብመጥቃዕቲ ኢራን ዝዓነወ ወተሃደራዊ ናቑጣ ኣመሪካ [ኣል ኣሳድ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/142B6/production/_110441628_al_asad_damage_sat_640-nc.png.webp)






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







