ካብ ሶርያ ዝወጽኡ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ ክሰፍሩ'ዮም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ንሶርያ ገዲፎም ዝወጽኡ ዘለዉ ወተሃደራት ኣመሪካ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዒራቕ ክሰፍሩ ትጽቢት ከም ዝግበር፡ ጸሓፊ ምክልኻል ማርክ ኢስፐር ኣረጋጊጹ።
በቲ ሕዚ ወጺኡ ዘሎ ትልሚ፡ ከም ብሓዱሽ ምንቅስቓስ ጀሚሮም ንዘለዉ ወተሃደራት እስላማዊ ጉጅለ ኣብ ምክልኻል ዝሕግዙ 1 ሽሕ ወተሃደራት ከም ዝምደቡ ድማ ገሊጹ።
ቅድም ክብል እቶም ወተሃደራት ናብ ሃገሮም ከም ዝመልሶም ፕረዚደንት ትራምፕ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ።
ብኻልእ ወገን ድማ ሓይሊታት ኩርድ፡ ንሶርያዊት ከተማ ራስ ኣል-ኣይን ገዲፎም ከም ዝወጹ ገሊጾም።
እዚ ድማ ኣካል እቲ ብሸማጋልነት ኣመሪካ፡ ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ምስ ቱርኪ ዝኣተውዎ ስምምዕነት ከም ዝኾነ እዩ ዝንገር።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ሰሜናዊ ሶርያ ከም ዝወጽኡ ብምግላጹ፡ ቱርኪ ኣሸበርቲ እዮም ኣብ ልዕሊ እትብሎም ሓይልታት ኩርድ መጥቃዕቲ ጀሚራ ነይራ።
ኣፈ ጉባኤ ኣመሪካ ናንሲ ፐሎሲ ሓዊሱ፡ ላዕለዎት ፖለቲከኛታት እታ ሃገር፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ሰሜናዊ ሶርያ ክወጽኡ ዝገብር ወሳነ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ተቓዊሞምዎ እዮም።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







