ሞት ካሾጊ፡ ቱርኪ፡ ኣብ ጉዳይ ጀማል ካሾጊ "ቅሉዕ ሓቂ' ዝበለቶ ኣቕሪባ

ስእሊ ካሾሂ ዝሓዙ ተቓወምቲ ኣብ ኣሜሪካ፡ ዲሲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ኣቐዲሙ መዓልቲ ተሓሲቡዎ'ዩ ተቐቲሉ፡ ኢሉ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲጵ ጣይጵ ኤርዶሃን።

እቲ ፕረዚደንት ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝገበሮ ዘረባ፡ ቱርኪ፡ እኹል ሓበሬታታት ከምዝኣከበት'ውን ሓቢሩ።

ሪያድ፡ ኣብ ዙርያ ኣማውታ ካሺጊ ዝጋጨው ሓበሬታታት ክትህብ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ትማሊ ኣብ ስዑዲ ከምዝተቐተለ ኣሚና'ያ።

ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ዓለም፡ ሞት ካሾጊ ብምኹናን ሙሉእ ምጽራይ ክካየድ ሓቲቶም'ዮም።

ቻንስለር ጀርመን ኣንጌላ መርከል፡ ናብ ስዑዲ ዓረብ ሰደድ ዝግበር ኣጽዋር ከምእትዓግት እንትትገልጽ፡ ቐዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ጀስቲን ቱርዱ ብወገኑ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተፈረመ ብሚሊዮናት ዝግመት ስምምዕ ምክልኻል ከምዝስርዞ ኣጠንቂቑ።

ኣማውታ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ፡ ዓለማዊ ኣዘራራዊ ጉዳይን መካትዕን ኮይኑ ቐጺሉ ኣሎ።

ነባር ሓላፊ ስራሕ መንግስቲ ኣሜሪካ ድማ፡ ናብ ሪያድ ብምኻድ ኣብቲ ኩነታት ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ተዛትዩ።

ሚኒስተር ንግዲ ኣሜሪኣ ስቴቫን ሙቺን፡ ትማሊ ምስ ንጉስ መሓመድ ቢን ሰልማን ተራኺቡ።

ሰበ ስልጣን ቱርኪ፡ ጋዜጠኛ ካሾጊ፡ 2 ጥቕምቲ 2018 ኣብ ኢስታንቡል ድሕሪ ዝነበሮ ምብጻሕ፡ ብምኽሪ ስዑዲ ተቐቲሉ'ያ ትብል።

ፕሬዚደንት ሩርኪ ረሲፕ ጣይጵ ኤርዶሃን ድማ፡ ሎሚ ኣብ ፓርላማ ሃገሮም "ቅሉዕ ሓቂ" ክዛረብ'የ ኢሎም ኣለው።

ዘተ ሪያድ እንታይ ነይሩ?

ጎኒ ጎኒ እቲ ኣብ ስዑዲ ዝነበረ ዘተ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ዘሎ ፎረም ኢንቨስትመንት ብዕጽው ዝተኻየደ እንትኾን፡ ጉዳያት ቁጠባ፣ ግብረ ራዕድን ሞት ጋዜጠኛ ጋሾጊን ዝጠመተ ምንባሩ ሚኒስትር ሙቺን ተዛሪቡ።

መራኸቢ ሓፋሽ ስዑዲ፡ ክልቲኦም ሰብ ስልጣን"ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ስዑዲ ዓረብ" ጸቒጦም ዝተዛጠይሉ ነይሩ ኢሉ።