መጥቃዕቲ ኢራን ስዒቡ፡ 34 ወተሃደራት ኣመሪካ ናይ ሓንጎል መጥባሕቲ ገይሮም

መዓስከር ኣሜሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሃገር ኣመሪካ ከምዝበሎ፤ ኢራን ኣብ ዒራቅ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ካምፕ ኣመሪካ መጥቓዕቲ ሚሳይል ምፍናዋ ስዒቡ፤ 34 ወተሃደራት ኣመሪካ ናይ ሓንጎል መጥባሕቲ ከገብሩ ከምዝተገደዱ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል እቲ ቤት ጽሕፈት ከምዝበሎ፤ ካብ መንጎኦም እቶም 17 ዛጊድ ሕክምናዊ ክትትል እናተገበረሎም ይርከብ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ በቲ ካብ ኢራን ዝተፈነወ መጥቓዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ኣመሪካ ዝበጽሐ እዚ ዝበሃል ጉድኣት ከምዘየለ እዩ ተዛሪቡ ነይሩ።

እቲ ካብ ኢራን ዝተፈነወ መጥቃዕቲ፤ ኣመሪካ ቁልፊ ጀነራል ኢራን ምቕታላ ስዒቡ ዝተፈጸመ ሕነ ናይ ምፍዳይ ግብረ-መልሲ እዩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ዝበጽሐ ጉድኣት የለን ዝበለ፤ ደጊሙ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቓዕቲ ንዘይምፍናው ስለዝወሰነ እዩ ተባሂሉ።

እንተኾነ፤ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሃገር ኣመሪካ፡ ፔንታጎን፡ ብፍላይ 11 ወተሃደራት ሕሱም ጉድኣት ከምዝበጽሖምን ፍሉይ ክትትል ከምዘድለዮምን እዩ ኣብሪሁ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ዳቮስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ 'መድረኽ ዓለማዊ ቁጠባ' ነዚ ኣመልኪቱ ሕቶ ዝቐረበሉ ትራምፕ፤ "ሕማም ርእሲን ካሊእ ቀሊል ሕማመን ዘጋጠሞም ኣለዉ። እንተኾነ፤ እዚ ከም ሓደ ዓብዪ ጉዳይ ገይረ ኣይሪኦን" ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ይኹን'ምበር፤ ዛጊድ በቲ መጥቓዕቲ ዝሞተ ወተሃደር ከምዘየለ ተፈሊጡ።

ወሃቢ ቃል እቲ ቤት ጽሕፈት ከምዝበሎ፤ ካብ መንጎ እቶም ጉድኣት ዝበጽሖም፡ እቶም 8 ንሕክምናዊ ክትትትል ናብ ኣመሪካ ዝተሰደዱ እንትኾኑ ካልኦት ትሸዓተ ድማ ንሕክምና ናብ ጀርመን ተወሲዶም።

ካብዚኦም ወጻኢ 17 ኣብ ዒራቕ ሓደ ድማ ኣብ ኩዌት ሕክምና ተገይሩሎም።

ኣብ መዓስከራት ኣሜሪካ ኣብ ዒራቕ ዝበጽሐ ዕንወት ዘርእይ ናይ ሳተላይት ስእሊ

ማሕበር ነባራት ተዋጋእቲ ኣመሪካውያን ኣብ ኢራቕን ኣፍጋኒስታንን፤ ምሕደራ ትራምፕ እዚ ዝበጽሐ ጉድኣት ክሸፋፍን ምፍታኑ ነቒፉ።

ትማሊ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ዒራቃውያን ኣብ ሃገሮም ዝርከቡ ወተሃደራት ኣመሪካ ክወጸኡ ዝጽውእ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ቤት ምኽሪ ዒራቕ እንተኾነ'ውን ወተሃደራት ኣመሪካ ሓዊሱ ኣብታ ሀገር ዝርከቡ ናይ ደገ ወተሃደራት ብህጹጽ ዓዲ ለቒቖም ክወጽኡ ጠሊቡ እዩ።