ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጎንጺ ጠጠው ክብልን ብዘተ ክፍታሕን ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፕዮ፡ እቲ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስተን ሓይልታት ትግራይን ተወሊዑ ዘሎ ጎንጺ ጠጠው ክብልን፡ እቲ ቅልውላው ብዘተ ክፍታሕን ጸዊዑ።
እቲ ትማሊ ዝወጽአ ሓበሬታ፡ ማይክ ፖምፕዮ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ከምዝተዘራረበን፡ ብዛዕባ እቲ ተወሊዑ ዘሎ ጎንጺ ሻቕሎቱ ከምዝገለጸሉን ይሕብር።
ንሱ፡ ኣመሪካን ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ከምኡ’ውን ካልኦት ዓለምለኻውያን መሻርኽቲን፡ ኣብ ዘተን ዕርቕን ክሕግዙ ድልዋት ከምዝኾኑ ገሊጹ።
እቲ ሚኒስተር፡ ሰላማውያን ሰባት፡ ስደተኛታት ከምኡ’ውን ካብቲ ኲናት ዝሃድሙ ዘለው ስቪላትን ዝኾነ ጉድኣት ከይበጽሖም ክሕለው ከምዘለዎምን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ መገዲ ክኽፈትን ሓቲቱ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ 3 ሕዳር፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ናብ ቅሉዕ ጎነጽ ኣምሪሖም።
ኣብዪ ኣሕመድ ትማሊ ንባይቶ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ኣብቲ ኲናት ዝኾነ ዝተጎድአ ሰላማዊ ሰብ ከምዘይነበረ ሓበሩ።
ይኹን'ምበር፡ ምስ'ዚ ጎንጺ ብዝተኣሳሰር ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ክልላዊ ሚድያታት ትግራይ ክገልጻ ጸኒሐን እየን።
አብ'ዚ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ብኣማኢት ዝቑጽሩ ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኸእሉ ክግለጽ እንከሎ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለው።
ኣብ ትግራይ፡ መስመር ቴሌፎንን ኢንተርነትን ተዓጽዩ ብምህላው፡ ነቲ ዝወጽእ ዘሎ ዝርዝራት ኲናት ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።
ብሰንኪ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩናት፡ ልዕሊ 40 ሽሕ ስደተኛታት ዶብ ሃገሮም ሰጊሮም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን ተዓቑቦም ከምዘለው ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







