ቅልውላው ኢትዮጵያ-ትግራይ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ብዛዕባ‘ቲ ተወሊዑ ዘሎ ጎንጺ ኣብ ፓርላማ እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, PM Office
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢዪ ኣሕመድ፤ ትማሊ 30 ሕዳር 2020 ምስ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኵናት ካብ ዝጅመር ንፈለማ ግዜ፡ ኣብ ሓምሻይ ሃገራዊ ጉባኤ ንሕቶታት ተወከልቲ'ቲ ቤት ምኽሪ ምላሽ ሂቡ።
ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡን ድሕሪኡን በቲ ንነዊሕ ዓመታት፡ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ሃገርን ጸጥታን ዝለዓለ ስልጣን ተቖጻጺሩ ብዓብላልነት ዝመርሕ ዝነበረ ህወሓት ብሓሳብን ግብርን ናይ ቅትለት ፈተነ ከምዘጋጠሞ ተዛሪቡ።
እቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ እኹል ዕጥቅን ምድላውን ስዘይነበሮ እቲ ዝነበረ ወተሃደራውን ጸጥታውን መዋቕር እውን ብተወለድቲ ትግራይ ተዓብሊሉ ብምንባሩ፡ ናይ ሪፎርም ሓሳባት ብዝግባእ ንኽይትግበር ጸገም ስለዝነበረ ኩነታት ክሳብ ዝመቻቻእን ኣብቶም ትካላት ምትዕርራይ ክሳብ ዝግበር ነዊሕ ከምዝተጸመመ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመትን መንፍቕን፡ መራሕቲ ህወሓት እንደገና ናብ ስልጣን ንኽመጽኡ ብምሕላን፡ ብብሄርን ሃይማኖት ኣሳቢቦም ብሕቡእ ዘሳወሩዎ 113 ግጭታት ከምዘጋጠመን ብሰንኪ እቲ ግጭት ከኣ ብዙሕ ህይወትን ንብረትን ከምዝዓነወ ተዛሪቡ።
መራሕቲ ህወሓት ካብ ትግራይ ዝወጽእ ብረትን ጥይትን የሎን ብምባል ነቲ ሰራዊት ሰሜን እዝ ኣብ ዝሓለፈ 21 ዓመታት ዘኻዕበቶ ዕጥቅን ሚሳይልን ምውጻእ ከምዝኸልእዎን፡ ነገራት ከይተጓሃሃረ ብምርድዳእ ንኽፍታሕ ዝከኣሎ ከምዝገበረ ነቲ ባይቶ ነጊሩ።
ንጉዳያት ኣብ ክንዲ ብህልኽን ሕነን ብዕርቅን ሕድገትን ክፈትሖ ብምሕላን ነዊሕ ከምዝጸዓረን እዚ ሕጂ ዘጋጠመ ኩናት ንኸይመጽእን ንምውጋዱን ብዝከኣሎ ዓቕሚ ከም ዝተጸመመን እንተኾነ ኣብ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ መሰጋጠመ ካብዚ ንላዕሊ ጽሮት የለን ብምባል ሕጊ ንምኽባር ሰራዊት ፈደራል ሕጊ ንከኽብር ከምዝኣዘዘ ሓቢሩ።
ገለ ክፋል ካብቲ ሓደጋ ዝወረዶ ሓይልታት ሰሜን እዝ፡ ገሊኡ ብረቱን ዕጥቁን ሒዙ ገሊኡ ከኣ ጥራሕ ኢዱን ዝባኑን ናብ ኤርትራ ምስኣተወ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘደንቕ ምትሕግጋዝ ከምዝገበረሉ፡ ከምዘብልዖን ከምዘስተዮን ብዝግባእ ከምዘዕጠቖን እውን ተዛሪቡ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣብቲ ኲናት ከምዝተሳተፉ ክኸስስ እንከሎ መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግን ነቲ ክሲ ይነጽግዎ።
እቲ ጎንጺ ምስተጀመረ መራሕቲ ህወሓት ብጎንደርን ወሎን ኣቢሎም ናብ ማእከል ሃገር፡ ናይ ምቕጻል ዝንባለ ከምዝነበሮም ተዛሪቡ።
እንተኾነ መራሕቲ ትግራይ ንመሰል ርእሰ-ምሕደራ ህዝቢ ትግራይ ንምክልኻል ይዋግኡ ከምዘለው እዮም ዝዛረቡ።
ዶክተር ኣብይ ንኣፈጻጽማ እቲ ስርሒትን ወፍሪ እዝታት ሰራዊት ፈደራል ብዝርዝር ገሊጹ፡ እቲ ወፍሪ ኣብ ሰለስተ ሰሙኑ ከምዝተጠናቐቐን ኣብ ኩሉ እቲ ወፍሪ ኣብ ከተማታት ትግራይ ብሰራዊት ፈደራል ዋላ ሓደ ሰብ ከምዘይሞተን ጉድኣት ከምዘይወረደን ኣረዲኡ።
ብወገን መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ብደብዳብ ከቢድ ብረት ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱን ሲቪል ከምዝተኸላበቱን ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዝመተዛበሉ ሰባት ስለዘጣየስና እዞም ሕጂ ናብ ሱዳን ኣትዮም ዘለው 30-ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ሓጺር ግዜ ክንመልሶምን ከነጣይሶምን ጸገም የብልናን ኢሉ።
ንነገሩ እቶም ናብ ሱዳን ሰጊሮም ዘለው ከኣ መብዛሕቶም መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ እዮም። ካብኣቶም ኣብ ማይ ካድራ ገበን ዝፈጸሙ እንተኾይኖም ናብ ሕጊ ክቐርቡ እዮም ነቶም ንጹሃት ግን ከነጣይሶም ኢና ኢሉ።
ይኹን እምበር ዩኤንኤችሲኣር ኮነ ኣብቲ ቦታ ዝበጽሑ ጋዜጠኛታት ብዙሓት ቖልዓ ሰበይቲ ዝርከቡዎም ስደተኛታት ኣብ ፈቐድኡ ጽላላት ተጸጊኦም ረድኤት ይጽበዩ ከምዘለው የርእያን የዛርባን ኣለዋ። ንሮይተርስ ቃሎም ዝሃቡ ስደተኛታት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ከምዘጋጠሞም ይሕብሩ።
ዶክተር ኣቢይ፡ እቶም ብሕጊ ዝድለዩ ዘለው መራሕቲ ህወሓት፡ ምስ ደቆምን ስደረኦምን ካብ ከተማ መቐለ ናብ ሃገረ ሰላምን ዓቢ ዓድን ገጾም ክሃድሙ እንከለው ብሳተላይት ብቓልዕ ከምዝረኣዩዎም እንተኾነ ቖልዓ ሰበይቲ ንዘይምጉዳእ ከምዘይደብደቡዎም ብምግላጽ፡ ዘበናዊ መሳርሒ ዓጢቕና ስለዘሎና ከካብ ዘለውዎ ናብ ሕጊ ከነቕርቦም ኢና። ግን ሕጂ እውን እንተኾነ ካልእ ሞትን ዕንወትን ከይሰዓበ ብሰላም ኢዶም ክህቡ ጸዊዑ።
መራሕቲ ህወሓት ግን መሰል ህዝቦም ንምሕላው ክሳብ መጨረሻ ከምዝዋግኡን ትግራይ መቓብር ጸላእታ ከምእትኸውንን እዮም ዝገልጹ።
ኣብ ትግራይ ቴሌፎንን ኢንተርነትን ተዓጽዩ ብምህላው ብኽልአቲኡ ሸነኽ ንዝወሃብ ሓበሬታ ካብ ናጻን ሳልሳይ ኣካልን ንምጽራዩ ኣዚዩ ኣጸጋሚ እዩ።
ዶክተር ኣቢይ፡ ሰላምን ልምዓትን ዝናፍቑ ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብ ዘዝኣተዉዎ ከተማን ገጠርን ህዝቢ መራሕቲ ህወሓት ንሰራዊት ፈደራል ክወግኡሉ ዘዕጠቑዎም ኣጽዋር የረክቡዎምን ብሰላም ይቕበሉዎም ከምዘለው ሓቢሩ።
መራሕቲ ክልል ትግራይ'ከ እንታይ ይብሉ?
መራሕቲ ክልል ትግራይ፡ ኣቢይ ኣሕመድ ንፈደራላዊ ሕገ መንግስቲ ብምጥሓስ ኣሃዱኣዊ መንግስቲ ንምፍጣርን ብምስምስ ምክልኻል ለበዳ ኮቪድ ናይ ምርጫ ግዜ ብምንዋሕን ናብ ምልኪ የምርሕ ኣሎ ክብሉ እዮም ዝኸሱዎ።
ኣብ ርእሲኡ "ኣቢይ ኣሕመድ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተሻሪኹ ክወግኣና ምድላዋቱ ወዲኡ ኣሎ" ኢሎም ክኸሱ ድሕሪ ምጽናሕ እዮም ምስ ሰራዊት ሰሜ እዝ ተጋጭዮም።
ኣቢይ ኣሕመድ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ህወሓት ንዘለው ውሐዳት "ዘረግቲ ሰላም" ንዝበሎም ሓለፍቲ ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ሰራዊት ምክልኻል ስጉምቲ ክወስድ ድሕሪ ምእዛዙ፡ ሰብ መዚ ትግራይ " ትግራይ መቓብር ወረርታ ክትከውን እያ" ብምባል ህዝቢ ክኸትት ጸዊዖም። ኣቢይ ኣሕመድ እቲ ወፍሪ ንከተማታት ትግራይ ሓራ ብምውጻእ ኣብ ሰለስተ ሰሙን ከምዝተዛዘመ ንባይቶ ሓቢሩ።
ይኹን እምበር ዶከተር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ይዋግኡ ከምዘለዉ ንሮይተርስ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት እውን ኣብ ከባቢ ዓብዪ ዓዲ [ተምቤን] ነፋሪት ውግእ [ሚግ -23] ከምዘውደቑን እቲ ፓይሎት ከምዝተማረኸን ትግራይ ቴሌቪዥን ትግራይ ጸብጺባ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ሓሶት እዩ ክብል ነጺጉዎ።
ጉዳይ ዘተን ልዝብን
እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር፡ ከም ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምን እቲ ጎንጺ ብዘተ ክፍታሕ ክጽውዑ እኳ እንተጸንሑ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ግን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ከይቀረቡ ዘተን ልዝብን የሎን። ዘተን ልዝብን ከኣ ምስቲ ሕጋዊ ወኪል ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ተመዚዙ ዘሎ ዶክተር ሙሉን ምምሕዳሩን ጥራሕ እዩ። ምስኡ ግን ብቐጻሊ ንመኻኸር ኣሎና። ንሱ ብዝህቦ ዘሎ መምርሕን ሓሳብን ከኣ ኢና ነቲ ኦፐሬሺን ንመርሖ ዘሎና ክብል ተዛሪቡ።
እንተኾነ ዋለኳ መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ኣፍልጦ እንተተነፋፈጉ፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ዘካየዶ ምርጫ ብዓብላሊ ድምጺ ንህወሓትን ንኣቦ መንበር እቲ ውድብ ዶክተር ደብረጽየን ገብረሚካኤል እዩ ከም ሕጋዊ መራሐኡ መሪጹ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፐዮ እውን ሎሚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵናት ብቕልጡፍ ደው ክብልን ዘተ ክጅምርን ጸዊዑ ኣሎ። እንተኾነ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ንባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ብቋንቋ ዲፕሎማሲ ምስ ዝረዳድኡ ወገናት እንተዘይኮይኑ ውሑድ ሂቦም ብዙሕ ምስ ዝእዝዙ ዝኾነ ይኹን ሓይልታት ጨሪሳ ከምዘይትሰማማዕ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወከሉ ሰለስተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ነበር ምስ ቀዳማይ ሚነሲተር ኣብዪ ኣሕመድ ከምዝተዘራረቡ ግን ከኣ ናብ ክልል ትግራይ ክኸዱ ከምዘይተፈቕደሎም ይዝከር።
ኣመዓብላ እቲ ጎንጺ
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ጸኒሖም።
እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሓደ ዓመት ድሕሪ ምንውሑ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ርክብ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ።
ምንዋሕ ናይቲ ምርጫ ዝተቓወመ ህወሓት፡ ኣብ ትግራይ ክልላዊ ምርጫ ንምክያድ ብዝወሰዶ በይናዊ ውሳነ መሰረት፡ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ብምቛም ኣብ መጀመርታ መስከረም ምርጫ ኣካይዱ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራል ብወገኑ፡ እቲ ምርጫ "ዘይሕጋዊ" ምዃኑ ብምፍላጥ፡ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ኣዊጁ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ድሕሪ መስከረም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ስልጣኑ ዘብቀዐ'ዩ ብምባል ኣፍልጦ ነፊግዎ።
ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።
መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።
3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ናብ ቅሉዕ ጎነጽ ኣምሪሖም።
ነቲ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት "ወራር መንግስቲ ፌደራል" እናበሉ ዝገልጽዎ መራሕቲ ትግራይ፡ ንኣስታት ሰለስተ ሰሙን ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







